| Proverb
|
| ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር
|
| ሃላይ ሰዓሚ መበላሸዊ ጭሕሚ
|
| ሃመማ እንተ በዝሑ ተፈይቶ፡ ኣልባ ነይከፍቱ
|
| ሃበኒ ህበይ ይገብር
|
| ሃብቲ ብዕድል፡ ስራሕ ካብ ግድል
|
| ሃብታም በዲሉ ይብል ፈንጠርጠር፡ ድኻ ተበዲሉ ይብል ቀብጠርጠር
|
| ሃብታም ብኸንቱ፡ ድኻ ብጉልበቱ
|
| ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ
|
| ሃብታም ብዘይ ድኻ ኣይኮርዕን፡ ድኻ ብዘይ ሃብታም ኣይበልዕን
|
| ሂብካ ኣይትኽላእ ፈቲኻ ኣይትጽላእ
|
| ህውከት ይሰድድ በረኸት
|
| ንጽብቕቲ ጸወታ ሃበኒ ጸየቐታ
|
| ለባም እንተ ፈከረ ዓሻ ይወግእ
|
| ለጋስ እንተ ለገሰ የለቅሕ እምበር ኣይህብን
|
| ልቢ ውላድ ቀጥ ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ
|
| ዘየለቅሕ ቀታሊ ዘይመልስ ከታሪ
|
| ሓባል በልያ ከይቀደመትኪ
|
| ሓያል ውሕጅ ንዓቐብ
|
| ሓዳረይ ዘሪገዮ ብጽጋበይ ዝምለስ መሲሉኒ ከም ቀደመይ
|
| ሕማቕ ሰኣን ዓቕሙ ሓላል ሽሙ
|
| ሕማቕ ንፉዕ ወለደ፡ ተቐልተ! ንፉዕ ሕማቕ ወለደ፡ ተዘምተ
|
| ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ
|
| ሕኑቕ እንታይ የውጽእ? ዓፍራ
|
| ምሉእ ባዕሉ ይኩዖ ሕጹይ ባዕሉ ይምር
|
| ሰኣን ሕራይ ኣጥፋእክዋ ናብራይ በለት ሰበይቲ
|
| በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን
|
| ባዕላ ዝሰበረታ ጻሕሊ ሓጺባ ከም ዘንበረታ
|
| ብሒም ዝበለ ይተሓጎም
|
| ተሓቢአን ይጠንስኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርስኦ
|
| ተሓጓሚ ከሎ ተሓዝ ልቢ ይጠርጥ
|
| ሕልሚ ፈሪሖም ድቃስ ለይቲ ይስእኑ
|
| ሕማቕ ይረግም ሓያል ይድርግም
|
| ካብ ጽንጽያዶ ሓኸለ?!
|
| ሓላው ስብ ጸሊም
|
| ቀሺ ናብ ዳዊቱ ሓረስታይ ናብ ነዊቱ
|
| ብኾበሮ ኣብያስ ብሕምቢጣጦ
|
| ሓቅን ጸሓይን እናጸንሓ ይደምቃ
|
| ኩሉ ሓላፊ ስም ተራፊ
|
| ካብ ሕሜት ጥሜት
|
| መናበሪ ገዲፎም መናገሪ
|
| መን መርዓት ኢሉክን ትኮሓላ?
|
| መን ምዃንካ ክነግረካ መኻይዲ መን ምዃንካ ንገረኒ
|
| መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ
|
| መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ
|
| ንምድሪ ኣይህቡላ ስድሪ
|
| ንብርቱዕ ምጉት ኣይትተሃወኸሉ ንነዊሕ መገዲ ኣይትጉየየሉ
|
| ኣብ መገዲ ኣይሶጉሙልካ ኣብ መኣዲ ኣይቐድሙኻ
|
| ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተአትዋ ኢድክን
|
| ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ
|
| ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይኣጉዱ
|
| ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ
|
| ማይ ኣይጓዳእ ዘረባ ኣይውዳእ
|
| ትምባኾ ካብ ጋሻ ምስላ ካብ ዓሻ
|
| ዘሎ ዘይመውት ዝሞተ ዘይነበረ ይመስል
|
| መልክዕ ህድሞ ገበላ፣ መልክዕ ክዳን ነጸላ፣ መልክዕ ዘረባ ምስላ
|
| አቦይ ኣይትሕለቡ ዝብል ንገዝመይ ፥፤ አደይ ሕለቡ እትብል ንጐምቦይ
|
| ኣቦ መፀውዒ፥ ሰፍኢ መቐውዒ
|
| ኣብዑር ነዳይ ፥፤ለይቲ ብዙሕት
|
| ኣብ ኢድ ወዲ ሓላልካ የውድቐልካ
|
| እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካን
|
| ጋሻ ካብ ድራሩስ ምድቃሱ
|
| ቆልዓን ንጉስን ዝብሉዎ ይገብር
|
| ካብ መርዓ በዓለገ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ
|
| ቁማልጫ ስረኻ የፍትሕ
|
| ኣብ ርእሲ ኣላታ ፡ ተወሰኸታ
|
| በላዒ ከሎ ዘራኢ ይሕጎስ
|
| ኣብ ሕሱም ብዕራይ ውዒልካ ኣብ ሕስምቲ ሰበይቲ ኣይትእቶ
|
| ኣብ ኣዲኣ ዝለመደቶ ኣብ ሓማታ ደገመቶ
|
| ንጉስ ክትረክብ ትናገር ፡ ውሕጅ ክዛሪ ተሻገር
|
| ኣብ ብልዒ ብዙሓት ፡ ኣብ መላእኸቲ ጥምዙሓት
|
| ኣብ ልዕሊ ዘሎካ እንተዝውስኹኻ፡ አብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኸሩኻ
|
| ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን
|
| "ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ ፡ አብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስ |
| ኹካ"
|
| ኣብ ርእሲ ኣደ ሓትነ ኣብ ርእሲ ነፀላ ዲኖ ፡ ረጐደ
|
| ኣቲ መን በሊዕዎ እቲ ሓኸለ? ወዲኻይዶ ኣይንሀን ዝኣኸለ
|
| ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ
|
| ኣብ ምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ድቃስ፡ኣታ እዛ ናይ ድቃስ ዘይተደቅስ
|
| ቁሪ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቓቹፍ
|
| እዝጊ እዝጊ ኣይትበል እዝጊ ዝፈትዎ ግበር
|
| ግረፍ'ሞ ካብ እግሪ ኣይትሕለፍ
|
| ማይ ከይመፀ ፡ መገዲ ማይ ዕረግ
|
| ጠሚትካ ተናገር ፡ ሓምቢስካ ተሳገር
|
| ሓዊ እንተተደጎለ ዝጠፍአ ይመስል
|
| ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር
|
| ኣቦኹም ገዲፍኩምስ ፥ ኣቦና ኣቃብሩና
|
| ሃበኒ ህበይ ይገብር
|
| ካብ ሓምሳ ፅንጉለ ሓንቲ ለሚን
|
| ቄርበት ተኸዲንካ ዝብኢ ውጋእ
|
| ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ይኾልል ሕማቕ ሰብኣይ ነመንዝራ የዕልል
|
| ኣብ ርእስኻን ከም ጠስሚ ኣብ እግርኻን ከም ሳእኒ
|
| ኣርሓ ነርሓ እንተተዳፍኡ በዓል ጐፋፍ መፋፍ ይጉድኡ
|
| ንጉስ ካብ ዝሞቱ ብመን ይማጎቱ
|
| እግርን ማአለማን ፡ በበይኑ ምዓሉ
|
| እግርን ከበሮን በበይኑ ምዓሉ
|
| ኣቦ ኸሎ ለግስ ፤ብርሃን ከሎ ገስግስ
|
| ቂም ሒዝካ ፀሎት ቁምነገር ሒዝካ ተረት
|
| ኣብ ሕፀኣ ዘዋረረት ፡ ኣብ መርዓኣ ተቃትል
|
| ኣብ ጥፉእ ፡ ኣይትዛረብ ክፉእ
|
| ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ
|
| በሃም ኣይመዓድ ዝሞት አይፀዓድ
|
| ቁልምፅ በልያ ፡ ከይችቕድመኪ
|
| ጋዕሲ ኣይኸውን ብዘይ ርእሲ ከብዲ አኣይድልድል ብዘይ ፈርሲ
|
| ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትዕናሕ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ
|
| ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይዛረቡ ዋዛ ኣብ ቅድሚ ቁልዓ ኣይቐርሱ ሃንዛ
|
| ቃል ንጉስ ኣይሕሶ ዳጉሳ አይብሶ
|
| ንፋስ ክለዓል ሓዊ ኣይፅሕርዎን
|
| ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር ፡ ተተኹብካ ኣይትሕደር
|
| ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር ፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር
|
| ኣብ ዘሎ ነገር ፤ ኣብ ዘሎ ማህገር
|
| ኣብ ዕዳጋ ዘይፈሱ ፡ መወፅዒ ነብሱ
|
| ንፉዕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ደም፡ ሕማቕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ሀደም
|
| ኣብ ኢድካ ኸላ ኣይትስደዳ ንቐላ
|
| "ኣብ ቄልቋል ኣሚንካ ኣይተፅልል ጓና ፈተወኒ ኢልካ ሓውኻ |
| ኣይተቕልል"
|
| ጌርካ ንዘይትኸእሎ ፀላእየይ ኣይትበል
|
| ኣብ ከብዲ ከልቢ ፡ ነይሓድር ጠስሚ
|
| ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ፡ ሰዓል ምስ ፍግሪ ፡ዘይሰልጥ ግብሪ
|
| ቃል ንጉስ ነውሐ ኢልካ ኣይተሕፅርሮ ሓፀረ ኢልካ አይተንውሖ
|
| ኣብምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ስዋ ናይስዋ ሓሸውሸዋ
|
| ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ዋጋ የብሉን
|
| ኣብ ምልሕላሕ ነፍሱ ፡ ኣብ ምስያብ ርእሱ ቈልዑ ዝሓድግ ኣባኢሱ
|
| ጊዜ ዘይብሉ የልቦን ካብ ዕድሉ ዝሓልፍ የልቦን
|
| ቅንጨስ ክውለድ ፍርቂ መለሊኸ
|
| ሃብታም ብገንዘቡ ድኻ ብጥበቡ ይቀራረቡ
|
| ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ
|
| ፈላሲ ኣብ ደብሩ ኣንበሳ ኣብ ዱሩ
|
| ቆቢዕ ንመነኩሴ ፍልጠት ንስላሴ
|
| ቄልዓ ብዘይ ወላዲት ገዛ ብዘይ ጉልላት
|
| ቆቢዕ ንፈላሲ ፡ ክሲ ንኸሳሲ
|
| ካህን ኣብ መቕደሱ ንጉስ ኣብ ኣደራሹ
|
| ኣብ መረብ ፅግኢ የብለይ ፡ ምሰ'ንበሳ ፅልኢ የብለይ
|
| ኣቦ ኣይቕፃዕ ፥ ሰማይ አይውፃእ
|
| መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ
|
| በሃር የፀቢ ንዳሓር
|
| ንፈታዊ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ
|
| ልዕሊ ብጾታ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ
|
| እዝጊ ዘየርክቦን ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን
|
| እዝጊ ዘይኣምን ኣረ ደብሪ ፣ በዓቲ ተደጊፉ ይሓድር
|
| እዝጊ ዝፀልኦ ብዕራይ ፡ ምስ አጣል ይጓሰ
|
| እዝጊ ዘይባረኾ ቀሺ ነይከውን
|
| ኣብ ከብዲ ዘሎ እዝጊ ይርአዮ ፡ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሰብ ይርእዮ
|
| ደምበ ሕፀር ፡ ኣሓ እዝጊ ይህበካ
|
| ኣብ ንጉስ ዝኣቱ መዓርን ኣብ ኣረጊት ዝኣቱ ሰዓልን ኣብ ዘዘለዎ ይውዕል
|
| ንጉስ ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ ንጉስ ዘይብሎም ፀናፁ ግምቢ ይልሕሱ
|
| ኣብ ንጉስ ዝበለ ኣይከተር ኣብ እዝጊ ዝበለ ኣይቀተል
|
| ኣብ ንጉስ ዝሓድር ኣዲኡ ነይቀብር
|
| ልብን ሳዕርን እናሓደር ይበቁል
|
| ኣቐዲምካ ምስጋና ንደሓር ምሕማይ የሸግር
|
| ኣብ ሸውዓተ ኣንድድሞ ኣብ ዝሞቐካ ስሓን
|
| ንጥዕና ኣይገብርዎ ሃብቲ ንመጥሓን ኣይገብርዎ ከብቲ
|
| ንጥዕና ኣይገብርዎን ሃብቲ ንኣድጊ ኣይብልዎን ከብቲ
|
| ኣተለበቀልን ዓሶን ፥ ንዓፅምኻ ይሳ
|
| ኣብ ሰማይ ዘሎ ማይ
|
| ኣብ ሰማይ ዘሎ ዳመና
|
| ቀጢነ እምበር ሜስየ ደኸየ እምበር ጭኖ እየ
|
| ኢድ ፀናሒት ሸናሒት
|
| ኣታ እኽሊዶ ክንድዚ ይዕላእ ፤ እንድሕር ፀጊብካስ ዘይብላዕ
|
| ኣብ ከብድኻ ዝኣቱ ወዲ'ናኖኻ ነይረኸቦ
|
| ቀፃዒ ዘይብሉስ ሰይጣን ቀፅዖ
|
| ጋሻ ኩንካ ምፃእ ከይተመኖኻ ውፃእ
|
| ኣብ ክንደይንሳ ፡ ማርያም ትቦንቁሳ
|
| ንፀዋይ ሓቂ አይብልዎን መማረሪ
|
| ኦም ኣብ ዝዘንበሎ ይወድቕ
|
| ቁስሉ ዝሓብእ ፈውሱ ይሓብእ
|
| ሓባእ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ
|
| ኢድካ ሓሊፉ ከይትፀንሓካ ኣይትበድል ተቓዳዲምካ
|
| ካባና ዝዘላስ ፡ ዝዓበዳ በለት ማንቲለ
|
| ቀዲሙ ዝሸወተ ዑፍ ይበልያዖ ቀዲሙ ዝተዛረበ ሰብ ይፀልኦ
|
| ልቢ እንተ ኣለካ ተኸተል ሓለቓኻ
|
| ንጉስ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብልኩም አይትሕረሱ
|
| ኣቦይ ደሱ መጉእዶ ፥ ትትርኣሱ ፡ጓልዬ እንተረኺበዮዶ
|
| ንጓል ተሓዊኺ በላ ንመሸላ ትፃሂኺ በላ
|
| ንጓል ተሓኺ በላ፡ንስገም ክትዕፀዲ ኢኺ በላ
|
| ኣብ ሰብካ ዘሎ ገንዘብን ፡ ኣብ ዓፅሚ ዘሎ ስጋን ከይተገየፅካ ኣይወፅእን
|
| ንፉዕ ኣይትኹን ሓው ንሩፅ ኩን
|
| ንፉዕ ካብ ምኺን ሓውንፉዕ ምኺን
|
| ካብ ሕቡእ ፈታዊ ግሁድ ፀላኢ
|
| ካብ ሓይሊ ሰብ አምቦሎት ሐይሊ ሰብ ፀሎት
|
| ካብ ሃብታም ምልማን እዝጊ ምእማን
|
| ደመና ዝጨበጠን ፡ ሰማይ ዝሕንጠጠን የልቦን
|
| ጠበቕ ርእሱ እንተነቕኝነቐ ዘረባ ዝፈልጥ ይመስል
|
| ኣብዚ ፅቡቕ ዓዲ ምኾነ ፥ማይ ከም ደመነ
|
| ኣብኡ ከለኻ ፥ከመይ ኣሎኻ
|
| ቄቁልዓ ፈታዊኡ ይፈቱ
|
| ቁርዖ ክንዲ ብፅራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሓ ሞተት
|
| ከለኻ ፍቅሪ ሕኔአ ንሞት
|
| ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት
|
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፡ አብቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ
|
| ቅድም ኣፍ የሞጥምጡዎ ደሓር ይፋፅይዎ
|
| ግራት መን ኢልካ ሕረስ ሰበይቲ መን ኢልካ ውረስ
|
| ኣብ ኢዶም ጭብጥ ፡ ኣብ እግሮም ርግፅ
|
| ቀዳማይ ስሕታን ዳሕራይ ዕብዳን
|
| ንፉዕ ወይ ምስ ሞተ ወይ ምሰለገሰ ይዝከር
|
| በላሕ ካራስ ፡ ካብ ዓፅማ ኣይትሓልፍን
|
| ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላሊ
|
| ኣብ ክንደይ ንሳ መጥሓን ይፈርሳ
|
| ኣቦይ ጋሻ፥ኣነ ዓሻ
|
| ካብ ሕሜት ጥሜት
|
| እዝጊ ክገብር ፦፡ ወርሒ ፀሓይ ይገብር
|
| እዝጊ ክገብር ዳኛ የንብር
|
| እዝጊ ክገብር ፀሓይ ቀትሪ የንብር
|
| እዝጊ ክፀልእ ዝናብ ክመፅእ ደገ የውፅእ
|
| ቄልዓ እንተለበመስ ኣብ መንገዲ ምሻን አይሓድግን
|
| ኣብ ኣፉ ዝሃቡዎስ ስሱዕ ይብሉዎ
|
| ኣብ ሓደ ዝፋን ክልተ ምንጋስ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ
|
| ንጥዕምቲ ብኸያት ቅብጥርጥር ትፅይቓ
|
| ኣቦይ ዝበልዕዎ ጠጥፅሙ ፥ ንዓይ ገዲፎሙለይ ፀፀገሙ
|
| ቄልዓ ዝበለ ፦ ቄልዓ ኣኸለ
|
| ኣብ መርዓ ዘይተረኸበስ ፡ ኣብ ኣርበዓ
|
| እዝጊ ይምሓርካ ይብሉ መመዒኦም እዝጊ ይቕተልካ ይብሉ ወወዒኦም
|
| ጌጋ ናይ ሰብ እዩ
|
| ቅዱሳን አብዘይተቋፀርሉ ያራኽኸቡ ፡ ሓጥኣን ኣብ እተቋፀርሉ ይሰኣኣኑ
|
| ኣታ ወዲ ኣታ ወዲ፤ኣይትሓዘኒ ነዛ ኢደይ ከይትዓዲ
|
| ጋሻ ክረምቲ ካብታ ድራርካ እታ መንፀፍካ
|
| ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዘቢት
|
| ኣብ ውግእ ዘይወዓለ ፡ በሊሕ
|
| ካብ ሕሱም በቕሊ ብሩኸ ኣድጊ ይሓይሽ
|
| "ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዖታት ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዓታት ኣበይ ርኢኻዮ? |
| ኣመፃፅእኡዶ ስሒተዮ "
|
| ኣብ ኣንፈ ኩናት ፍርሂ ኣብ ኣንፊ ብልዒ ህርፊ
|
| ኣብ ማእኸል ድውያት ሓደ ኢዱ ብርቂ
|
| ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ
|
| ካብ ሀገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልፅ
|
| ህሩፍ ንኣመሉ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ
|
| ኣብ ምድርቤት ተፃዒኑ ኣብ ገበላ ኣይዘንብል
|
| ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣኾልሶ
|
| ጋሻን ሞትን ዝመፅሉ ኣይፈለጥን
|
| ኣብገዛ ዘይፈረደ ፤ኣብደገ ኣይፈርድን
|
| ኣብአ- ዘይነበረ ፤ ኩቦ ዘይወርወረ
|
| ቁሩብ ዝእምነቱ ቁሩብ ዝኸሕደቱ
|
| ንፀብሒ መን ይፈልጦ ? መንቀላወጢ
|
| ላዕላዩ ዝተዘርገ ታሕታዩ ነይጸረየ
|
| ንጥዕምቲ ፀወታ ሃበኒ ፀየቐታ
|
| ማይ ንኹሉ ይወቕያሞ ንዳዕሮሰ የጣቕዓሉ
|
| ጋሳን ድንግልን ዘይሓደ ጊዜ ኣይበቁልን
|
| ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት ሰብ ነይሩ ነይሩ ናብ ሞት
|
| ማይ ባሕሪ ዘይረአየ ማይ ፃሕሊ ረአኹ በለ
|
| ማይ ተፀሞቕኝካዮ ማይ
|
| ማይ እንተሓቐንካዮ ማይ
|
| ኣብ ከተማ ለጋስ ኣብ ዓመቱ ዘጋፍ
|
| ካብ ሓፁር እሾኽ ሓፁር ሰብ ይፀንዕ
|
| ቁም ከም ዕላማ ጥበቕ ከም ጫማ
|
| ኣብ ስቕ ዘሎ ደስታ ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ፀዋታ
|
| "ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ኣብ ክፉእ ዘሎ ይመስሎ፡፤ ኣብ ክፉእ ዘሎ ኣብ ፅቡቕ |
| ዘሎ ይመስሎ"
|
| ጓል ዝተበኮረ ምስ ኣቦይ 'ዝጊ ዝተማኸረ
|
| ደም ስኒ ፡ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕወጦ ይበዝሕ
|
| እዝጊ የርእዮም ንጉስ የመልክቶም
|
| ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕድረናን
|
| ኣቦ ካብ ዝሰኣነ ፤ ጠባይ ዝሰኣነ
|
| ኣቦ ኣይኸሰስ ፥ ንሂጉ አይኹልሰስ
|
| ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይወስዶ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ
|
| ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ ንጉስ ዘይሓዝካሉ አይገንዘብካ
|
| ኳሓሎ መሲለንስ ፡ መንቋሮ
|
| ኣቲ ጓለይ ፥ ይብላ መቐለ ሓንቲ ጓል ዘይብለን
|
| ቀጢነ ሪኡኒስ ጅማት ለሚኑኒ
|
| ካባና ዘይፈልጣ ተጎንቢሐን ይጠርጣ
|
| ኣብ ክንደይ ሓይሎም ፡ ንዋጋእ ኢሎም ንንፉዕ አቕቲሎም
|
| ኣብ ቤትካ ይኣትዉኻ ዕራቐትካ ይርእዩኻ
|
| ኣብ ክንደይ ኣእምሮኦም ይኸፍእ ፈኸረኦም
|
| ኣብ ከብዲ ዘሎ ፡ ወዲ'ዶ ጓል ንበሎ
|
| ማይ ንዝፀምእ ፡ ምኸሪ ንዝሰምዕ
|
| ጋሻ ቅድም ወርቂ ደሓር ብሩር ደሓር ጨርዊ
|
| ጋዕስን ስዋን ብሓደ መዓልቲ ኣይበፅሕን
|
| ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዐ ፡ ኣብ ሰፍኢ ዘሎ
|
| ቀራናት ፈሪሔንስ ንጓዕማማት
|
| ንጋሻኻ እተቕርበሉ ሰኣን ይብል ሕሱም ረጋሚ
|
| ኣቡኡ ዝፀልአ ኣቦ እንዳማቱ ይፀርፍ
|
| ኣብ ቅድሜኻ ዘይተፀብሐት እንጀራ ፡ ቆሪስካ አይትብልዓያ
|
| ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን
|
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ሓንፈፅ አብ ግዳም ዘሎ ድኻ የውቅዕ
|
| ኣብ ሰበይትን ኣብ ማይን ፡ ዘይበፅሕ የልቦን
|
| ማይ ናብ ሩባኡ ዕንዳይ ናብ ኣዲኡ
|
| ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፡ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ
|
| ኣቦ ዘይብሉ ቄልዓ ዘጋፍ ፤ ኣላይ ዘይብሉ ብፅራይ ደርጋፍ
|
| ኣቦ ኻልእ ዝፀርፍ ፥ ነቡኡ ከፅርፍ
|
| ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ወርቂ ፡ ዳርጋ ጨርቂ
|
| አብ ኩናት ዘይወዓለ ሃጥር
|
| ጌጋ በትሪ ንሓደ መዓልቲ ጌጋ ፀርፈ ንጥንቲ
|
| "ኢድካ ኣብ ቀላይ ምለስ እንተረኸብካ ዓሳ ትሕዝ እንተሰኣንካ ተሓ |
| ፂብካ ትወፅእ"
|
| ቃል መቕቱል ይብል ዓረበታይ
|
| መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ
|
| ኣቦኻ ነበረ ፥ ከምዚ ነይገበረ
|
| ጋሻ እንተሃብዎ ይብላዕ እንተኸልእዎ ይጠላዕ
|
| "ጋሻ መጀመሪያ ወዲዝጊ ደሓር ወዲሰብ ሳልሳይመ ዓልቲ ወዲ |
| ኸልቢ"
|
| ኣብ ሰማይ ጣዕሳ የልቦ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ቅፅዓት የልቦ
|
| ካብ ህበይ ቆንጆ እንታይ ይምረዖ
|
| ቄርበት እንድሕሪ ነቂፁ ፡ ስም እንድሕሪ ወዒኡ እቲ አይጥቕለል እቲ ኣይምለስ
|
| ኣብ እምኒ ኮንካ ኣይንዋሕን
|
| ቁመትን ሸመትን ተመኒኻ ኣይርከብን
|
| ሓሶት ኣየቕይሕን እዩ
|
| ኣብ እንዳቦኻ ኣይትከተር ፡ ኣብ እንዳኖኻ ፆም ኣይትሕደር
|
| ኢድካ ሓሊፋ ትዕናሕካ
|
| በሊዕካ ከም ኣንበሳ ደቂስካ ከም ሬሳ
|
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትኸሸን ይፈትሓ
|
| ቈይምካ ተኸራኸር ፡ ዜርካ ተመሳኸር
|
| ካብ ሃገሩ ዝወፀ ክሳብ ዝምለስ እንተፀዓንዎ ኣድጊ እንተለጎምዎ ፈረስ
|
| በሊዓ በሊዓ ጨው የብሉን ፡ ፡ ከይዳ ከይዳ መገዲ የብሉን
|
| ኣብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ ከም ዝደበሰካ
|
| አብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ከም ትኻን
|
| እግሪ ብፃይካ ርኢኻ ፣ ደብል
|
| ኣብ ምንታይ ቌምካ ንዝጊሄር ትሓምዮ
|
| ኣብ ጊዜ ድራርካ ዝመፀካ ፥ ከም ዝደበሰካ
|
| ኣቕሓ ስኢንና ሓቢርና በሊዕና እምበር መኣዝ መዛኑ ኬንና
|
| ኣብ መርዓ ጓላ ፡ ቀላቕል ምዓላ
|
| በሰለ ንብላዕ ፡ በፅሐ ንዝራእ
|
| ኣብ ዓቐብ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ፡ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ
|
| ኣብ ውሻጠ ተፃዒና ኣብ ምድር ቤት አይተዝብል
|
| ማፅዖኣ ሂባ ኣዛብእ ይውድእዋ
|
| ማፅያዖኣ ሂባ ዝብኢ ትብላዕ
|
| ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበይ
|
| ልሙጽ መልሓስ እናሓደረ ይሕርፍፍ
|
| ኣብ ዳኛኻ ስማዕ ፡ ኣብ ዋልታኻ ፅናፅ
|
| ማዕዳ ልቢ ተመሊሳ ንዓዳ
|
| ንጉስ ዝፈርዶን ፡ ጥንስቲ እትወልዶይን ኣይፍለጥን
|
| ንጉስ የናብር ፍትሒ ይሕብር
|
| ንጣይታ ብቨሮ ንትልሂት ብኸበሮ
|
| ሓዊ ሓሚሙ እንተደቀሰስ ፡ ሓሰር ክበጽሖ ከደ!
|
| ማየ ማይ ይኸይድ ዓሳ ጐልጐል ጐልጐል ትኸይድ ቃርሳ
|
| ንጉራዴ በውላጋኣ ዝሓዛ ይመልካ
|
| ቄልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሑሱ እቲ ይቕለስ እቲ ይጥቕለል
|
| በሊዓ ትጠሚ ነዓይ ከተሕሚ
|
| ኣብዘይናታ ፥ አይትማወታ
|
| ኣቦኻ ርገም ፥ኣቦኻ መርቕ
|
| ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን
|
| ኣቦይ ዘምፅአለይ ፥ገምቦይ ዘፍልሓለይ
|
| ኣቦይ ዘፅንሐለይ ፥ ገምቦይ ዘፍልሐለይ
|
| ኣብ ዘይንብረቱ ፡ ይስበር ምሕኩልቱ
|
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቄልዓ ፡ ኣይትልከ
|
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ
|
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ
|
| ኣቦይ ፍቓዱ ፡ባዕፅሎም ዝነኣዱ
|
| ኣብታ ናታ ፡ ኣይትማወታ
|
| ንግራት ዓረሞ ደረቱ ንነገር ፈፅሚ ደረቱ
|
| ቁልዓ እናመንደዱ ጨው እናነገዱ
|
| ቁሩብ ቆሎ፣ የብፅሕ ናብ ሕንሻሮ
|
| ጋምስታ ብመረብ ትዕበ
|
| ቁርዲድስያ ቁምነገረኛ ክበሃል ኣብ ቆርበት ተጣቢቹ ይመውት
|
| ቆርበት ብዕንጉለ ይምለጥ ፡ ጎራሕ በዘራርብኡ ይፍለጥ
|
| ኣብ ገዝኡ ደርሆ ዘላቶ ፥ ቆቓሕ ትተሓዘሉ
|
| ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕኝካ ሰዓሞ
|
| ኣተሓልባ ገመልን ፥ዘረባ ፈታዊኻን ብደውካ
|
| ንጉስ እንተረአኹስ ጥራዕ ጥራዕ ይመፀኒ
|
| ንጉሆ ዘይትስእሲ ፡ ሓደ እግሩ ደገ ይሕድር
|
| ንጉስ እንክቹጣዕ ፡ ቀሰይ ኢልካ ውፃእ
|
| ጠላም ብፃዩ ረቢ ፈዳዩ
|
| ማሕበርካ በኾረ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ
|
| እፈትዎ እምበር ይፈትወኒ'ዩ ኣይትበል
|
| ኣብ ዘይነገርካ ህልኸ ፤ ኣብ ዘይፀብሕኻ ጥልቕ
|
| ኣብ ዘይናትካ ኣይትበኣስ ፡፤ ደሕር ከይትጠዓስ
|
| ኣብ ዘይርስቱ ፥ይስበር ምሕኩልቱ
|
| ኣብ ዘይቦትኡ ዝተሰብረ ንምፅጋኑ አሸገረ
|
| ኣብ ዘይመንጠቢትክን ፥ ኣይትእትዋ ኢድክን
|
| ኣብ ዘይሞታ ፡ የማውታ
|
| ኣብ ዘይፈልጦ ጭብጢ ዚአቱ ፤ ንሸፋጢ ጥሪቱ ፥ ንዳኛ ንዋቱ
|
| "ኣብ ዘይዓድኻ ሽመትን ፥ አብ ውሽጢ ፀልማት ሳዕስዒትን ፤ ዝርእዮ |
| የብሉን"
|
| ኣቦ ይቐፅዓካ ፥ ጐምቦ ይህበካ
|
| ኣቦኻሲ ገፊሕ ደምበ እምበር ፤ ገፊሕ ገዛ ኣይግደፈልካ
|
| ኣቦይ ፅናሕ ፤ ኣነ ክዛረብ
|
| ንጉስን ጳጳስን ታቦትን ማሕረስን
|
| ቀጣን ኣውያትስ ፡ መተዓዛዘቢት ክልተ ደቅኖ
|
| ኦም ሓዝ ሓረግ ክተሓዝ
|
| ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ
|
| ቂፄልዓ እንተፀገበስ ፡ ዘይጠሚ ይመስሎ
|
| እዝጊ ፀድፊ ፈጠረ'ሞ ፡ መደያይቦ ድማ ፈጠረ
|
| እዝጊ ዝኣክል ጐይታ ፡ገነት ዝኣክል ቦታ
|
| እዝጊ ይርዳእኻ ዳርጋ ትኳቦ
|
| ኣቦኺ ቀሺ፤ ሕውኺዛቹናይ ፥ኮፍ ኢልኪ ቁረቢ
|
| ኣብዑር ምስላ ለመዱ ፤ ሳዕሮም በሊዖም ከይኸዱ
|
| ንዖም ኣርብዓ ፋሲካ ደረቱ ንግራት ዓረሞ ደረቱ
|
| ቁንጪ ሓሚሙ ቁማል ተሓጐሙ
|
| ካባና ዝገዳ ብሚሔ ማይ ይወርዳ
|
| እዝግን ንጉስን አይቅበፁን
|
| ካብ ሓቂ ዝሕሽ ሓይሶት ፡ ካብ ምጋእ ዝሕሽ ምስሓት
|
| ኣብ ዘረባ ፤ ዘሎ ዓፀባ
|
| ኪድ ኣይትበሉ ከም ዝኸይድ ግበሮ
|
| ኣብ ገዛ ዝለመደስ ፥ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ኣይተፅምሙና በለ
|
| ጠስሚ ኣብ ርእሳ ዘረባ ኣብ መልሓሳ
|
| ኣብ ዝሑል ፀባ ዝለመደ ፅንፅያ ፥ ኣብ ውዑይ ፀባ እትዩ ሞተ
|
| ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስካ
|
| ቄልዓስ ይጐዩ እምበር ኣይቅድምን
|
| ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ፤ ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ
|
| ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ፤ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ
|
| እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ?
|
| ኣእማን ዝፈናቕል ብተመን ይንከስ
|
| ኣብዘይ ክእለቱ ፥ ይስበር ምሕኩልቱ
|
| ኣቦኻ ዘይገበሮ ኣይትግበር ፥ ከበሮ ቀትሪ ኣይትህረም
|
| ኣብ ዘይዓቕመን ፥ ይስበራ ዓፅመን
|
| ንጥሙይ ቅጫ ንፅሙእ ዋንጫ
|
| ንፈላሲ ዳዊት ንሕፈስታይ ነዊት ንቄልዓ ሰዊት
|
| ማይ ኢላ ከይዳስ ማይ ረሲዓ አተወት
|
| ማይ ከምዘይነፅፍ ዓሳ ከምዘይመውት
|
| ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት ጌጋ መውስቦ ንዝንተ እለት
|
| ኣቦይ ፋሲል ፡ እዛ ሞትኩም ናይጥሜት ትመስል
|
| ኣቦይ ፋሲል ፥፤ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል
|
| ንጥንቲ ዝኸውን ምኸር ፡፣ንስኒ ዝኸውን ንኸስ
|
| ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ
|
| ጋሻ ፣ ዓሻ
|
| ጋሻ ኣየሰንየኒ እንተቐነየኸ ይጠልመኒ
|
| ንጓል ወዲ ዓዲ ይሕፀያ
|
| ንጓል ወዲ ዓዳ የሕፅያ
|
| ጠንቋሊ እንተዘይፈለጠ መምሰሊ
|
| ኣቦይ ሰመረ ፤፥ ግራትኩም ሰብ ገበረ
|
| እናፈለጠ ዝጋገ እናረኣየ ቅበሮ።
|
| በላሕናያ ክብላስ ፃሕሊ ይዓጥና
|
| በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ
|
| ቆሪሶም ዘብልዕዎ ኣሚቶም ዝኸድንዎ ፡ ንምስክር ኣይፀውዕዎ
|
| ቋቕስያ ናብ ጥራጥ
|
| ቈልዓ አይወልድ ሓዊ አይፈርድ
|
| ቆልመፅመፅ ዝኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ
|
| ቃላት ዝደጋገሙ ኣይኮነን ንምስማዕ ፡ እንታይደኣ ንምፅናዕ
|
| ማንቲለ ካብ ሓብታዶይ ትፍለ
|
| ማአሰር ዘይብሉ ማእይ ይሰንዶይ
|
| ማእሲ ረኺባስ ፈስያ
|
| ማይ ነሓሰ ጥዑም እዩ ኣይስተን ዘረባ ድኻ ልኡም እዩ ኣይስማዕን
|
| ጠስሚ ኣብ ከብዲ ከልቢ ኣይትሓድርን
|
| ጊዜ ዘይገልፆ ምስጢር መንፊት ዘይግንፍሎ ክርዳድ የልቦን
|
| ደሓን ደሕን ይብሉኻ ፡ ክሳብ ዝሓምሉኻ
|
| ደረቐኛ ሓምሓም ፡ ንእምኒ ሓደጋ ትወድቃ
|
| ደረቐኛ ቁንዉ ፡ ስር ኢሉ ናብ ቅርቅርቲ
|
| ደረቐኛ ኣንጭዋ ፡ ኣብ ክሳድ ድመ ትሰራሰር
|
| ደረቐኛ ኣንጭዋ ፣ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት
|
| ኩነትካ ኣብ ቃልካ ውርዝነትካ ኣብ ህድኣትካ
|
| ካባና ዘይሕሻ ብኣና ይውዕላ
|
| ካብ መምህሩ ደቀመዝሙሩ ካብ ቀለም ከለም
|
| እዝጊክ ሓዝንስ ወዲ ዋጣ ቀሺ ኾነ
|
| እግርን መንገድን ከይተፈላለያ ይነብራ
|
| ንጉስን ህበይን ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ ይብትን
|
| "ንፅሕፃሕ እግሪ ኣልዒልካሉ ንኸልቢ ሃዲምካሉ እቲ ኣይፅገስ እቲ |
| ኣይምለስ"
|
| ንፅብሓት ተዋግአላ ንኣየት ተፋተወላ
|
| ንፆም ግድፈቱ ንበዓል ስዕረቱ
|
| ንፈላጥ ነገር ኣይትፈልጠሉ ንለባም ኣይተንጉሓሉ
|
| ንፈላጥ ኣይትፍለጠሉ ንበሊሕ ኣይትቑረፀሉ
|
| ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ ሕማቕኝ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ
|
| ንፋስ ኣህሪምካ ንሰብ ኣስሚዕካ
|
| ኣርሓ ከይሰወደ ፃህያይ ሱር ከይሰደደ
|
| ኣርእዮም ኣይኸልኡኻ ፡ ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ
|
| ኣርኪባስያ ዓርቢ ሞይታ
|
| ኣሳጉማኡ ርእዮም ጭብጦኡ የሕድግዎ
|
| ኣስሚዖም ካብ ዝጠልሙኻ ብኩናት ይውግኡኻ
|
| ኣስተውዒልካ ትናገር ከይትርታፅ፡ ተዓጢቕካ ትቓለሰ ከይትምንታእ
|
| ኣሻዓል ድኸነት ኣብ ቤት እንተገደፍካያ፡ ኣብ ግዳም ወፂኣ ተእዊ
|
| ኣሽንኳይ ነፀላ ወሲኻትሉ መዛወሪ ፡ ብቐደማኳ ዘዋሪት እግሪ
|
| "ኣሸንኳይ ንሞት ንእርጋን""ኳ ይፀንሕዎ በለ ኣንበሳ"
|
| ኣሸንኳይ ንቤቱ ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ
|
| ኣሻበኸን ሓደ ጣሳ ከይሰተኸን በለታ እንቁርዖብ ነንጭዋ
|
| ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ ፡ ኣፀብኝ ዝበልዎ ኣየኸፍእ
|
| ኣቐምጥ ዝበልዎ ዘጥፍእ ኣፀብቕ ዝበልዎ ዘኸፍእ ፡ ንሓዋሩ ክኸፍእ
|
| ኣቡን ቀሺ ድዩም? ንንዳማቶምኳ ዘቐሽሹ
|
| ኣቡኡ ዝላፃይኡ አዲኡ ዝተሓዚቱ ከይተጐድአ ይነብር
|
| ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሞቱሉ ፅግኢን ነግፊን ከም ዝገደፍሉ
|
| ኣብ ልዕሊ ቆፀራ ኣይቋፀሩ ኣብ ልዕሊ ጥሉል ኣየቃፅሉ
|
| ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓዊ ኣይኣጉዱ
|
| ኣብ ልዕሊ ግዚ ኣይግዝቱ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ኣይኣጉዱ
|
| ኣብ ሓባል እትረአ ኩሕሲ
|
| ኣብ ሓው የለን ቀረባ ኣብ እምኒ የለን ዕምባባ
|
| ኣብ መንጐ ክልተ ጎባይ ፡ ዝተሓብአ ብዕራይ
|
| ኣብ ምሳሕ ዘይፀውዕዎ ደብተራ የላዓዕል ሻራ
|
| ኣብ ክሳድ ሓዲዳ ኣላትኒ ዕዳ |