| Proverb,Description |
| አቦይ ኣይትሕለቡ ዝብል ንገዝመይ ፥፤ አደይ ሕለቡ እትብል ንጐምቦይ,ኣቦን ኣዶን ዝተፈላለየ ነገር እዮም ዝሓስቡልካ |
| ኣቦ መፀውዒ፥ ሰፍኢ መቐውዒ,ኣቦ ብዙሕ ኣብ ሂወት ውላዱ ኣይግደስን |
| ኣብዑር ነዳይ ፥፤ለይቲ ብዙሕት,ብለይቲ ዝስመዐካ ስምዒት ምሉእነት ዝተጋነነ እዩ |
| ኣብ ኢድ ወዲ ሓላልካ የውድቐልካ,ፈታዊኻ ኣይጭክነልካን እዩ |
| እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻን ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካን,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ወሳኒ እዩ |
| ጋሻ ካብ ድራሩስ ምድቃሱ,ጋሻ ካብ ዝበልዖ ነገር ዝድቅሰሉ የሕስበካ |
| ቆልዓን ንጉስን ዝብሉዎ ይገብር,ቆልዓን ንጉስን ዝደለይዎ ይግበረሎም |
| ካብ መርዓ በዓለገ ፍትሕ ጭዋ ይሓይሽ,ናይ ሰብ ዋና ነገር ባህርያቱ እዩ |
| ቁማልጫ ስረኻ የፍትሕ,ንእሽተይ እዩ እልካ ኣይትንዓቆ |
| ኣብ ርእሲ ኣላታ ፡ ተወሰኸታ,ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝግጥም ፀገም |
| በላዒ ከሎ ዘራኢ ይሕጎስ,ዝሰርሕ ሰብ ይሕጎስ |
| ኣብ ሕሱም ብዕራይ ውዒልካ ኣብ ሕስምቲ ሰበይቲ ኣይትእቶ,በዓልቲ ቤት ደኺሙ ንዝወዓለ ሰብኣይ ብፍቕሪ ክትቕበል ኣለዋ |
| ኣብ ኣዲኣ ዝለመደቶ ኣብ ሓማታ ደገመቶ,ከም ኩነታቱ ክትከይድ ኣለካ |
| ንጉስ ክትረክብ ትናገር ፡ ውሕጅ ክዛሪ ተሻገር,ምቹው ኹነታት ምስረኸብካ ሓሳብካ ተግብሮ |
| ኣብ ብልዒ ብዙሓት ፡ ኣብ መላእኸቲ ጥምዙሓት,ሰብ ኣብ ጥቕሚ ጥራሕ እዩ ዝተኣኻኸብ |
| ኣብ ልዕሊ ዘሎካ እንተዝውስኹኻ፡ አብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኸሩኻ,ተወሳኺ ነገር ፅቡቕ እዩ |
| ሓደ ከይበልካ ክልተ የለን,ካብ መጀመርትኡ ጀምር |
| "ኣብ ርእሲ ልብኻ እንተዝምዕዱኻ ፡ አብ ርእሲ ሃብትኻ እንተዝውስ |
| ኹካ",ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን |
| ኣብ ርእሲ ኣደ ሓትነ ኣብ ርእሲ ነፀላ ዲኖ ፡ ረጐደ,ኣብ ዘላካ ተወሳኺ ምርካብ ኣይፅላእን |
| ኣቲ መን በሊዕዎ እቲ ሓኸለ? ወዲኻይዶ ኣይንሀን ዝኣኸለ,ዝጎበዘ ወዲ እቲ ዝበለፀ እዩ ዝወስድ |
| ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መገዲ ደቅስ,ሓቀኛ ሰብ ኣብ ምንም ቦታን ግዜን ስግኣት የቡሉን |
| ኣብ ምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ድቃስ፡ኣታ እዛ ናይ ድቃስ ዘይተደቅስ,ብምሉእ ዘይስማዕኻዮ ሓበሬታ ይሀንጥየካ እዩ |
| ቁሪ ሰሜን ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቓቹፍ,ሽግር ምስዘይፈታዊኻ የቀራርበካ |
| እዝጊ እዝጊ ኣይትበል እዝጊ ዝፈትዎ ግበር,ናይ ተግባር ሰብ ኩን |
| ግረፍ'ሞ ካብ እግሪ ኣይትሕለፍ,ንዝትገብሮ ነገር ኣስተውዕል |
| ማይ ከይመፀ ፡ መገዲ ማይ ዕረግ,ተዘጋጆ |
| ጠሚትካ ተናገር ፡ ሓምቢስካ ተሳገር,ኣስተውዕል |
| ሓዊ እንተተደጎለ ዝጠፍአ ይመስል,ስቕ ስለ ዝበለ ጠፍኡ ማለት ኣይኮነን |
| ልቢ ሰብ ክትምርምር ብናትካ ጀምር,ቅድሚ ካልኦት ምንቃፍካ ብባዕልካ ጀምር |
| ኣቦኹም ገዲፍኩምስ ፥ ኣቦና ኣቃብሩና,ቅድሚ ንኻልኣት ምሕጋዝኩም ናይ ባዕልኹም ጉዳይ ወድኡ |
| ሃበኒ ህበይ ይገብር,ምልማን የንዕቐካ እዩ |
| ካብ ሓምሳ ፅንጉለ ሓንቲ ለሚን,ካብ ብዙሓት ዘይረብሓ ሓንቲ ጠቓሚት ይምረፅ |
| ቄርበት ተኸዲንካ ዝብኢ ውጋእ,ለነገር መስልኻ ቅረቦ |
| ኣባ ጉንባሕ ዘይግራቱ ይኾልል ሕማቕ ሰብኣይ ነመንዝራ የዕልል,ካብ ሓዳርካ ወፃኢ ምኻድ ፅቡቕ ኣይኮነን |
| ኣብ ርእስኻን ከም ጠስሚ ኣብ እግርኻን ከም ሳእኒ,ኣብ ኩሉ ምቹ ዝኾነ ኩነታት |
| ኣርሓ ነርሓ እንተተዳፍኡ በዓል ጐፋፍ መፋፍ ይጉድኡ,ግጭት ፖለቲከኛታት ዝበዝሕ ድኻ እዩ ዝጎደእ |
| ንጉስ ካብ ዝሞቱ ብመን ይማጎቱ,መንግስቲ ክህሉ ከሎ እዩ ሽግራት ዝፍታሕ |
| እግርን ማአለማን ፡ በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ |
| እግርን ከበሮን በበይኑ ምዓሉ,ዘይምስምዕማዕ |
| ኣቦ ኸሎ ለግስ ፤ብርሃን ከሎ ገስግስ,ክትገብር እናኸኣልካ ከለኻ ግበሮ |
| ቂም ሒዝካ ፀሎት ቁምነገር ሒዝካ ተረት,ንዓላማኻ ዝቃረን ነገር ሕዝኻ ኣይቲስራሕ |
| ኣብ ሕፀኣ ዘዋረረት ፡ ኣብ መርዓኣ ተቃትል,ምስ እተጨቓጭቕ ሕፅይቲ መውስቦ ክትቕፅል የብልካን |
| ኣብ ጥፉእ ፡ ኣይትዛረብ ክፉእ,ኣብ ዝኾነ ነገር ሕማቕ ኣይትዛረብ |
| ካብ ሃገራ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ቕድም ቕድም ኣይትበል |
| በሃም ኣይመዓድ ዝሞት አይፀዓድ,ንዝተበላሸወ ነገር ኣይትድኸመሉ |
| ቁልምፅ በልያ ፡ ከይችቕድመኪ,ከይተቐደምካ ቐድም |
| ጋዕሲ ኣይኸውን ብዘይ ርእሲ ከብዲ አኣይድልድል ብዘይ ፈርሲ,ነገር ብዘይ መሰረት ኣኸዉንን |
| ኣብ ቅድሚ ስራሕ ኣይትዕናሕ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ኣይትግናሕ,ስራሕ ክቡር እዩ |
| ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይዛረቡ ዋዛ ኣብ ቅድሚ ቁልዓ ኣይቐርሱ ሃንዛ,ትገብሮም ነገራት ነቶም ዘለዉ ሰባት ዝምጥን ክኸውን ኣለዎ |
| ቃል ንጉስ ኣይሕሶ ዳጉሳ አይብሶ,ከኸዉን ዘለዎ ነገር ጥራሕ ግበር |
| ንፋስ ክለዓል ሓዊ ኣይፅሕርዎን,ንነገር ኣብዘይ ትኽክለኛ ሰዓት ከይትገብሮ |
| ኣብ ዝተኾብካሉ ሃገር ፡ ተተኹብካ ኣይትሕደር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን |
| ኣብ ዝኾራዕካሉ ሃገር ፡ ተቓባጢርካ ኣይትንበር,ክብረትካ ዝቕንስ ነገር ክትገብር የብልካን |
| ኣብ ዘሎ ነገር ፤ ኣብ ዘሎ ማህገር,ግጭት ካብ ምብእኣስ ክትቍጠብ ኣለካ |
| ኣብ ዕዳጋ ዘይፈሱ ፡ መወፅዒ ነብሱ,ንሂወትካ ኣገዳሲ ነገር ካብ ምግባር ኣይተምንትእ |
| ንፉዕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ደም፡ ሕማቕ ቢሎም የብፅሑኻ ናብ ሀደም,ጀግና ክትበሃል ኢልካ ዘየድሊ ዋጋ ኣይትኽፈል |
| ኣብ ኢድካ ኸላ ኣይትስደዳ ንቐላ,ዕድል ክተባኽን የብልካን |
| "ኣብ ቄልቋል ኣሚንካ ኣይተፅልል ጓና ፈተወኒ ኢልካ ሓውኻ |
| ኣይተቕልል",ኣብ ዘየተኣማምን ነገር ኣይትመርኰስ |
| ጌርካ ንዘይትኸእሎ ፀላእየይ ኣይትበል,ዘይትዉድኦ ነገር ኣይትጀምር |
| ኣብ ከብዲ ከልቢ ፡ ነይሓድር ጠስሚ,ኣብ ዘይእመን ሰብ ክባር ነገር ኣይተቐምጥ |
| ቅንኢ ምስ ፍቕሪ ፡ ሰዓል ምስ ፍግሪ ፡ዘይሰልጥ ግብሪ,ምስእቲሰርሖ ዘይከይድ ነገር ኣይትግበር |
| ቃል ንጉስ ነውሐ ኢልካ ኣይተሕፅርሮ ሓፀረ ኢልካ አይተንውሖ,ክስተኻኸል ዘይክእል ነገር ኣይተስተኻኽል |
| ኣብምንታይ ነጊሮምኻ ኣብ ስዋ ናይስዋ ሓሸውሸዋ,ሰቲኻ ዝዝረብ ዝንቡዕ ሓበሬታ እዩ |
| ንፋስ ዘይብሉ ዓውድን ሽማግለ ዘይብሉ ዓድን ዋጋ የብሉን,ሽማግለ ግርማ ዓዲ እዩ |
| ኣብ ምልሕላሕ ነፍሱ ፡ ኣብ ምስያብ ርእሱ ቈልዑ ዝሓድግ ኣባኢሱ,ኣረጊት ዘተዓርቕ ነገር እዩ ክገብር ዝግበኦ |
| ጊዜ ዘይብሉ የልቦን ካብ ዕድሉ ዝሓልፍ የልቦን,ኹሉ ሰብ ናይባዕሉ ዕድል ኣለዎ |
| ቅንጨስ ክውለድ ፍርቂ መለሊኸ,ነገራት ኣብ መጀመርያኦም ንእሽቶይ እዮም |
| ሃብታም ብገንዘቡ ድኻ ብጥበቡ ይቀራረቡ,ኩሉ ሰብ ናተይ ዝብሎ ነገር ኣለዎ |
| ሃብታም ብወርቁ ድኻ ብጨርቁ ኩሎም ይጭነቑ,ኩሉ ብዘለዎ ይጭነቕ |
| ፈላሲ ኣብ ደብሩ ኣንበሳ ኣብ ዱሩ,ኩሉ ነገር ኣብ ቦትኢ ይጥም |
| ቆቢዕ ንመነኩሴ ፍልጠት ንስላሴ,ነገር ንዝጥቀመሉ ክወሃብ ኣለዎ |
| ቄልዓ ብዘይ ወላዲት ገዛ ብዘይ ጉልላት,ኩሉ ሃልዩካ እቲ ዋና ነገር እንተዘይሕዝካ ዋጋ የብሉን |
| ቆቢዕ ንፈላሲ ፡ ክሲ ንኸሳሲ,ነገር ንዝምልከቶ ክኾን ኣለዎ |
| ካህን ኣብ መቕደሱ ንጉስ ኣብ ኣደራሹ,ኹሉ ኣብ ቦትኡ እዩ ከኸዉን ዘለዎ |
| ኣብ መረብ ፅግኢ የብለይ ፡ ምሰ'ንበሳ ፅልኢ የብለይ,ናይ ቆላ ሕርሻ ከቢድ እዩ |
| ኣቦ ኣይቕፃዕ ፥ ሰማይ አይውፃእ,ኣቦ እንትቐፅእ ብኸብዱ እዩ |
| መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ,መጀመርያ ክትገብሮ ዘለካ ግበር |
| በሃር የፀቢ ንዳሓር,ክብደት ምውሳኽ ድሕሪት እዩ ዘትርፍ |
| ንፈታዊ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ,ንዝሓገዘካ ኣፍልጦን ክብሪን ሃብ |
| ልዕሊ ብጾታ ዝነውሐት መሸላ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ,ካብ መሓዙትካ ቐድምካ ኣብ ዓይኒ ኣይትእቶ |
| እዝጊ ዘየርክቦን ማይ ዘየጠልቅዮን የልቦን,እግዝኣብሄር ዘይከኣሎ ነገር የለን |
| እዝጊ ዘይኣምን ኣረ ደብሪ ፣ በዓቲ ተደጊፉ ይሓድር,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን |
| እዝጊ ዝፀልኦ ብዕራይ ፡ ምስ አጣል ይጓሰ,ምስ መዋዕልትኻ ክትውዕል ኣለካ |
| እዝጊ ዘይባረኾ ቀሺ ነይከውን,እግዝኣብሄር ዘይፈቐዶ ዝኸዉን ነገር የለን |
| ኣብ ከብዲ ዘሎ እዝጊ ይርአዮ ፡ ኣብ ዓይኒ ዘሎ ሰብ ይርእዮ,ብዛዕባ ብቅሉዕ ዘይተገለፁ ነገራት ምንጋር ትኽክል ኣይኮነን፣ ብዛዕባ ዝረአ ነገር ግን ይከኣል። |
| ደምበ ሕፀር ፡ ኣሓ እዝጊ ይህበካ,ንስኻ ስራሕሞ እግዝኣብሄር ድማ የሳኽዐልካ |
| ኣብ ንጉስ ዝኣቱ መዓርን ኣብ ኣረጊት ዝኣቱ ሰዓልን ኣብ ዘዘለዎ ይውዕል,ፅቡቕ ነገር ንዓቕሚ ዘለዎ ሕማቕ ነገር ድማ ድኽመት ንዘለዎ እዩ ዝኸውን |
| ንጉስ ዘለዎም ኣናህብ መዓር ይጐርሱ ንጉስ ዘይብሎም ፀናፁ ግምቢ ይልሕሱ,መንግስቲ ስርዓት ክህሉ ይገብር |
| ኣብ ንጉስ ዝሓድር ኣዲኡ ነይቀብር,ስራሕ መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ክትሳተፍ ኣየኽእለካን እዩ |
| ልብን ሳዕርን እናሓደር ይበቁል,ዕብየት ቀስ ብቀስ እዩ |
| ኣቐዲምካ ምስጋና ንደሓር ምሕማይ የሸግር,ችኩል ድምዳመ ፅቡቕ ኣይኮነን |
| ኣብ ሸውዓተ ኣንድድሞ ኣብ ዝሞቐካ ስሓን,ብዙሓት መማረፂታት ክህልወካ ኣለዎ |
| ንጥዕና ኣይገብርዎ ሃብቲ ንመጥሓን ኣይገብርዎ ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ |
| ንጥዕና ኣይገብርዎን ሃብቲ ንኣድጊ ኣይብልዎን ከብቲ,ጥዕና ስለዘለካ ጥራሕ ክትዓግብ ኣይግባእን፣ ሃፍቲ እውን ወስኸሉ |
| ኣተለበቀልን ዓሶን ፥ ንዓፅምኻ ይሳ,ነገር ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ኣብ ዉሽጥኻ ምሓዝ ንባዕል ይጎድእ |
| ኣብ ሰማይ ዘሎ ማይ,ተስፋ ዘይብሉ ነገር |
| ኣብ ሰማይ ዘሎ ዳመና,ተስፋ ዘይብሉ ነገር |
| ቀጢነ እምበር ሜስየ ደኸየ እምበር ጭኖ እየ,ነገር ምንም ተኾነ ስርሑ ኣይገዲፍን |
| ኢድ ፀናሒት ሸናሒት,ከም ግብርኻ ኢኻ እተፈደይ |
| ኣታ እኽሊዶ ክንድዚ ይዕላእ ፤ እንድሕር ፀጊብካስ ዘይብላዕ,ተበዝሑ እትፈትዎ ነገርኳ ይፅላእ |
| ኣብ ከብድኻ ዝኣቱ ወዲ'ናኖኻ ነይረኸቦ,ዘይተናገርኻዮ ምስጥር ማንም ኣይረኽቦን |
| ቀፃዒ ዘይብሉስ ሰይጣን ቀፅዖ,ተዘይተቐፅዕኻ ሰይጣን ይቐፅዓካ |
| ጋሻ ኩንካ ምፃእ ከይተመኖኻ ውፃእ,ጋሻ ክይንኻ ንብዙሕ ግዜ ኣይትፅናሕ |
| ኣብ ክንደይንሳ ፡ ማርያም ትቦንቁሳ,ዓቕሚ እንተዘይብልካ ዝኸፍአ ከይገጥም ጥራሕ ኢኻ ክትፈርሕ ዘለካ |
| ንፀዋይ ሓቂ አይብልዎን መማረሪ,ሓቂ ዝዛረብ ሰብ መማረሪ ኣኮነን |
| ኦም ኣብ ዝዘንበሎ ይወድቕ,መዕለብኻ ናብ ዘዘንበልኻሉ እዩ |
| ቁስሉ ዝሓብእ ፈውሱ ይሓብእ,ሽግርኻ እንድሕ ዘይተናግርኻ መፍተሒ ኣይትረኽብን |
| ሓባእ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ,ፀገሙ ዘይናገር ምፍትሒ ፀገሙ ኣየግንን |
| ኢድካ ሓሊፉ ከይትፀንሓካ ኣይትበድል ተቓዳዲምካ,ኣብ ሰብ በድል ምግባር ፅባሕ ተመልሊሱ ንዓኻ እዩ |
| ካባና ዝዘላስ ፡ ዝዓበዳ በለት ማንቲለ,ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ንዕብዳን ይመስል |
| ቀዲሙ ዝሸወተ ዑፍ ይበልያዖ ቀዲሙ ዝተዛረበ ሰብ ይፀልኦ,ቅድም ቅድም ኣይትበል |
| ልቢ እንተ ኣለካ ተኸተል ሓለቓኻ,ክትዓቢ ተደሊካ ካብ ሓለቓኻ ተምሃር |
| ንጉስ ዘይብልኩም ኣይትግሹ ሰበይቲ ዘይብልኩም አይትሕረሱ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ሃደገኛ እዩ |
| ኣቦይ ደሱ መጉእዶ ፥ ትትርኣሱ ፡ጓልዬ እንተረኺበዮዶ,መማረፂ እንተስኢንካ ዝሓመቐ ነገር እውን ትጥቀም ኢኻ |
| ንጓል ተሓዊኺ በላ ንመሸላ ትፃሂኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም |
| ንጓል ተሓኺ በላ፡ንስገም ክትዕፀዲ ኢኺ በላ,ንክዘጋጀዩ ንገሮም |
| ኣብ ሰብካ ዘሎ ገንዘብን ፡ ኣብ ዓፅሚ ዘሎ ስጋን ከይተገየፅካ ኣይወፅእን,ጥቕሚ የጋጭወካ እዩ |
| ንፉዕ ኣይትኹን ሓው ንሩፅ ኩን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን |
| ንፉዕ ካብ ምኺን ሓውንፉዕ ምኺን,ሓው ጀግና ተኾይንኻ ዝነኽኣካ የለን |
| ካብ ሕቡእ ፈታዊ ግሁድ ፀላኢ,ካብ ዘይትፈልጦ ፈታዊኻ ፍሉጥ ፀላእኻ ይሓይሽ |
| ካብ ሓይሊ ሰብ አምቦሎት ሐይሊ ሰብ ፀሎት,ብሓይሊ ጥራሕ ነገራት ኩሉ ነገር ምቕያር ኣይከኣልን |
| ካብ ሃብታም ምልማን እዝጊ ምእማን,ካብ ሃፍታም ካብ ትልምን ንእግዝኣብሄር ምልማን ይሓይሽ |
| ደመና ዝጨበጠን ፡ ሰማይ ዝሕንጠጠን የልቦን,ዘይከኣል ነገር እዩ |
| ጠበቕ ርእሱ እንተነቕኝነቐ ዘረባ ዝፈልጥ ይመስል,ኣተምስል |
| ኣብዚ ፅቡቕ ዓዲ ምኾነ ፥ማይ ከም ደመነ,ሕማቅ ማሕበረሰብ ዘለዎ ቦታ እዩ |
| ኣብኡ ከለኻ ፥ከመይ ኣሎኻ,ኣይትቕረበኒ |
| ቄቁልዓ ፈታዊኡ ይፈቱ,ቆልዓ ዝፈትዎ ይፈቱ |
| ቁርዖ ክንዲ ብፅራይ ክትኣክል ክትብል ተነፊሓ ሞተት,ዘይነብስኻ ኣይትምሰል |
| ከለኻ ፍቅሪ ሕኔአ ንሞት,ብህወት ላሃለና ንፋቐር |
| ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት,ሓሶት ኣይጠቅምን |
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፡ አብቱሽቱሸን ዘሎ ይሰዳ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን |
| ቅድም ኣፍ የሞጥምጡዎ ደሓር ይፋፅይዎ,መጀመርያ ይዘጋጀዩሞ ደሓር ይገብርዎ |
| ግራት መን ኢልካ ሕረስ ሰበይቲ መን ኢልካ ውረስ,ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርካ ማንነቱ ፍለጥ |
| ኣብ ኢዶም ጭብጥ ፡ ኣብ እግሮም ርግፅ,ኣብ ግሉፅ ፅቡቕ እናገበረ ኣብ ሕቡእ ዝጎድእ |
| ቀዳማይ ስሕታን ዳሕራይ ዕብዳን,ክልተ ገዜ ምስሕሓት ዕብደት እዩ |
| ንፉዕ ወይ ምስ ሞተ ወይ ምሰለገሰ ይዝከር,ሰብ ብህወት እናሃለወ ኣይምስከረሉን |
| በላሕ ካራስ ፡ ካብ ዓፅማ ኣይትሓልፍን,ሓይሊ (ተኽእሎ) ገደብ ኣለዎ። |
| ገንዘብን ሓጥያትን ተዋህላሊ,ገንዘብን ሓጥያትን ቀስ ብቀስ እዮም ዝእከቡ |
| ኣብ ክንደይ ንሳ መጥሓን ይፈርሳ,ፀገም ዝገጥም ኣብ ዓቕሚ ዝሓፅሮም እዩ |
| ኣቦይ ጋሻ፥ኣነ ዓሻ,ዝሐሸ ዝፈልጥ ኣይብልናን |
| ካብ ሕሜት ጥሜት,ካብ ሕሜት ዝርከብ ጥቕሚ የለን |
| እዝጊ ክገብር ፦፡ ወርሒ ፀሓይ ይገብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
| እዝጊ ክገብር ዳኛ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
| እዝጊ ክገብር ፀሓይ ቀትሪ የንብር,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
| እዝጊ ክፀልእ ዝናብ ክመፅእ ደገ የውፅእ,እግዝኣብሄር ተፈቕዱ ኩሉ ይከኣል እዩ |
| ቄልዓ እንተለበመስ ኣብ መንገዲ ምሻን አይሓድግን,ልምዲ ብቐልሉ ኣይጠፍእን |
| ኣብ ኣፉ ዝሃቡዎስ ስሱዕ ይብሉዎ,ዝተፈጠረሉ ዕድል ዝተጠቐመ ሰብ ክትወቕሶ ኣይግባእን |
| ኣብ ሓደ ዝፋን ክልተ ምንጋስ ኣብ ሓደ ርእሲ ክልተ መልሓስ,ውሳነ ዝህብ ሓደ ሰብ ክኸውን ኣለዎ |
| ንጥዕምቲ ብኸያት ቅብጥርጥር ትፅይቓ,ምቅብጣር ንብኽያት ተግድዳ |
| ኣቦይ ዝበልዕዎ ጠጥፅሙ ፥ ንዓይ ገዲፎሙለይ ፀፀገሙ,ናይ ወላዲ ሓጥያት ንዉሉድ |
| ቄልዓ ዝበለ ፦ ቄልዓ ኣኸለ,ሰብ ብኣነጋግሪኡ ይምዘን |
| ኣብ መርዓ ዘይተረኸበስ ፡ ኣብ ኣርበዓ,ኣብ ሓጐስካ ሰብ ኣይሕወሰካን |
| እዝጊ ይምሓርካ ይብሉ መመዒኦም እዝጊ ይቕተልካ ይብሉ ወወዒኦም,ብኣፎም ፀቡቕ ይምነዩልካ ብዉሽጦም ግን ሞትኻ ይምነዩ |
| ጌጋ ናይ ሰብ እዩ,ሰብ ይሰሓሓት እዩ |
| ቅዱሳን አብዘይተቋፀርሉ ያራኽኸቡ ፡ ሓጥኣን ኣብ እተቋፀርሉ ይሰኣኣኑ,ንፁሃት ሰባት ከይሓሰብዎ ይራኸቡ ክፉኣት ድማ ተቛፅሮም ዋላ ኣይራኸቡን |
| ኣታ ወዲ ኣታ ወዲ፤ኣይትሓዘኒ ነዛ ኢደይ ከይትዓዲ,ኣካልዊ ርክብ ( ንፍቕሪ ይኹን ንፅልኢ) ተመራፂ ኣይኮነን |
| ጋሻ ክረምቲ ካብታ ድራርካ እታ መንፀፍካ,ጋሻ ክረምቲ ካብ ዝበልዖስ ዝንፀፎ የተሓሳስበካ |
| ቀጣን መዓልትስ መተዓዛዘቢት,ናይ ሽግር ግዜ መተዓዛዘቢ |
| ኣብ ውግእ ዘይወዓለ ፡ በሊሕ,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ቐልል ይመስሎ |
| ካብ ሕሱም በቕሊ ብሩኸ ኣድጊ ይሓይሽ,ካብ ፅሬት ዘይብሉ ብዙሕ ንእሽትይ ፅሩይይ ሓይሽ |
| "ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዖታት ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ መዓታት ኣበይ ርኢኻዮ? |
| ኣመፃፅእኡዶ ስሒተዮ ",ውፅኢት ነገራት ብኣመፃፅአኦም ክፍለጡ ይኽእል እዩ |
| ኣብ ኣንፈ ኩናት ፍርሂ ኣብ ኣንፊ ብልዒ ህርፊ,ዋጋ ከይከፈልካሉ ክትጥቀም ምድላይ |
| ኣብ ማእኸል ድውያት ሓደ ኢዱ ብርቂ,ዕግበት ኣንፃራዊ እዩ |
| ሕራይ በላ ኣይተጻዕድወላ,እሺ በላ ግን ኣይቲግበረላ |
| ካብ ሀገር ዝገዝእ ሰብነቱ ዝገዝእ ይበልፅ,ባዕልኻ ምቁፅፃር ልዕሊ ኹሉ ነገር እዩ |
| ህሩፍ ንኣመሉ መገዲ ዕዳጋ ይጸቦ,ስሱዕ ዝረኸበ ተረኸበ ኣይዓግብን |
| ኣብ ምድርቤት ተፃዒኑ ኣብ ገበላ ኣይዘንብል,መፍትሒታት ዘላቕነት ክህልዎም ኣለዎ |
| ሃህ ንዝበለ ኣንበሳ ኣይትቃለሶ፡ ስጋ ኣኾልሶ,ፀገማትካ ብሜላ ፍታሕ |
| ጋሻን ሞትን ዝመፅሉ ኣይፈለጥን,ጋሻን ሞትን መዓዝ ከምዝመፁኻ ኣይፈለጥን |
| ኣብገዛ ዘይፈረደ ፤ኣብደገ ኣይፈርድን,ገዝኡ ዘየመሓድረ ካልኦት ከመሓድር ኣኽእልን |
| ኣብአ- ዘይነበረ ፤ ኩቦ ዘይወርወረ,ምንም ኣስተዋፅኦ ዘይገበረ |
| ቁሩብ ዝእምነቱ ቁሩብ ዝኸሕደቱ,ብንእሽቶይ ነገር ዝኣምን ብንእሽቶይ ይኽሕደካ |
| ንፀብሒ መን ይፈልጦ ? መንቀላወጢ,ገዛ ገዛ ዝዘውር ሰብ ናይ ምግቢ ፅሬት ምምዛን ይለምድ |
| ላዕላዩ ዝተዘርገ ታሕታዩ ነይጸረየ,ብደግኡ ዉድእ ዝመስል ግን ዉሽጡ ክፉእ |
| ንጥዕምቲ ፀወታ ሃበኒ ፀየቐታ,ምልማን ንፅቡቕ ፀዋታ የበላሽ |
| ማይ ንኹሉ ይወቕያሞ ንዳዕሮሰ የጣቕዓሉ,ንገልኦም ዓብይ ዝኾነ ነገር ንገልኦም ድም ምንም |
| ጋሳን ድንግልን ዘይሓደ ጊዜ ኣይበቁልን,ሓደ ግዜ ጥራሕ እዩ ዝኸዉን |
| ማንቲለ ዘሊላ ዘሊላ ናብ መሬት ሰብ ነይሩ ነይሩ ናብ ሞት,ምንም ዋላ ተገበርኻ መጨረሻኻ ግልፂ እዩ |
| ማይ ባሕሪ ዘይረአየ ማይ ፃሕሊ ረአኹ በለ,ንዘይፈልጥዎ ነገር ብርቂ እዩ |
| ማይ ተፀሞቕኝካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን |
| ማይ እንተሓቐንካዮ ማይ,ዘይልወጥ ነገር ምንም ተትገብሮ ኣይልወጥን |
| ኣብ ከተማ ለጋስ ኣብ ዓመቱ ዘጋፍ,ኣብ ከተማ ገንዘብ ብዘይኣግባብ ምጥፍፋእ ኣብ ሽግር እዩ ዘእትው |
| ካብ ሓፁር እሾኽ ሓፁር ሰብ ይፀንዕ,ምንም ዓይነት ገደብ (ክልከላ) ሰብ ክኣምነሉ ኣለዎ |
| ቁም ከም ዕላማ ጥበቕ ከም ጫማ,ንነገር ብጥብቂ ሓዞ |
| ኣብ ስቕ ዘሎ ደስታ ፡ ኣብ ፍቕሪ ዘሎ ፀዋታ,ወግዒን ጨዋታን ኣብ ምቹው ኩነታት እዮም ጥዑማት |
| "ኣብ ፅቡቕ ዘሎ ኣብ ክፉእ ዘሎ ይመስሎ፡፤ ኣብ ክፉእ ዘሎ ኣብ ፅቡቕ |
| ዘሎ ይመስሎ",ስምዒት ምሉእነት ኣንፃራዊ እዩ። |
| ጓል ዝተበኮረ ምስ ኣቦይ 'ዝጊ ዝተማኸረ,ቦኽሪ ጓል ፅብቕ እዮ |
| ደም ስኒ ፡ ካብ ትፍ ትብሎ ትውሕወጦ ይበዝሕ,ሽግርኻ ካብትናገሮ ኣብ ዉሽጥኻ ትሕዞ ይበዝሕ |
| እዝጊ የርእዮም ንጉስ የመልክቶም,ትኽክልኛ ውሳነ ካብ ፈጣሪ ጥራሕ እዩ |
| ካብ ሎሚ ዝገርገረ ዝብኢ ኣየሕድረናን,ብጣዕሚ ከሸግረና እዩ |
| ኣቦ ካብ ዝሰኣነ ፤ ጠባይ ዝሰኣነ,እቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ጠባይ እዩ |
| ኣቦ ኣይኸሰስ ፥ ንሂጉ አይኹልሰስ,ክትገብሮም ዘይትኽእል ነገራት ኣለዉ |
| ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይወስዶ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይወስዶ,ኣብ ኩሉ ቦታ ፀገም ይገጥም እዩ |
| ካህን ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስኻ ንጉስ ዘይሓዝካሉ አይገንዘብካ,መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ስርዓት የለን |
| ኳሓሎ መሲለንስ ፡ መንቋሮ,ፈተውቲኻ ዝመስላስ ግን ፀለእትኻ |
| ኣቲ ጓለይ ፥ ይብላ መቐለ ሓንቲ ጓል ዘይብለን,ብዘይብለን ይምከሓ |
| ቀጢነ ሪኡኒስ ጅማት ለሚኑኒ,ንዕቁኒ |
| ካባና ዘይፈልጣ ተጎንቢሐን ይጠርጣ,ካባና ዝሐሸ ዘይፈልጣስ ብዙሕ ዝፈልጣ የምስላ |
| ኣብ ክንደይ ሓይሎም ፡ ንዋጋእ ኢሎም ንንፉዕ አቕቲሎም,ኲናት ጀግና እዩ ዝውድእ |
| ኣብ ቤትካ ይኣትዉኻ ዕራቐትካ ይርእዩኻ,ሚስጢር ከባቲነት ገዛ ክኽበር ኣለዎ |
| ኣብ ክንደይ ኣእምሮኦም ይኸፍእ ፈኸረኦም,ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ ይፉክር |
| ኣብ ከብዲ ዘሎ ፡ ወዲ'ዶ ጓል ንበሎ,ንምፍላጡ ዝኸብድ ነገር |
| ማይ ንዝፀምእ ፡ ምኸሪ ንዝሰምዕ,ነገር ንዝጥቀመሉ ሃቦ |
| ጋሻ ቅድም ወርቂ ደሓር ብሩር ደሓር ጨርዊ,ጋሻ ላፀንሓ ምስኸደ ክብሩ ይቕንስ |
| ጋዕስን ስዋን ብሓደ መዓልቲ ኣይበፅሕን,ንኹሉ ነገር ገዜ የድለዮ እዩ |
| ኣብ መቕሎ ዘሎ ዘየንጣዕጥዐ ፡ ኣብ ሰፍኢ ዘሎ,ኣብ ዓብዪ ፀገም ዘሎ ከማርር ኣይረኣይን፣ ዝበዝሕ ዘማርር እቲ ኣብ ዝነኣሰ ፀገም ዘሎ እዩ |
| ቀራናት ፈሪሔንስ ንጓዕማማት,ሓይሊ ንዘለዎ ፈርሕካስ ንደካማ ምብዳል |
| ንጋሻኻ እተቕርበሉ ሰኣን ይብል ሕሱም ረጋሚ,ምንም ነገር ኣይሃልኻ |
| ኣቡኡ ዝፀልአ ኣቦ እንዳማቱ ይፀርፍ,ክብሪ ካሊእ ሰብ ምንካእ ክብርኻ እዩ ዝነክእ |
| ኣብ ቅድሜኻ ዘይተፀብሐት እንጀራ ፡ ቆሪስካ አይትብልዓያ,ምትእማማን ክፍጠር ዘለዎ ፊት ንፊት ክኾን ከሎ እዩ |
| ማዕተብ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን,ሓቂ ትፍተን እምበር ኣይትሰዓርን |
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ሓንፈፅ አብ ግዳም ዘሎ ድኻ የውቅዕ,ክባር ነገር ድኻ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ ዝሕልዎ |
| ኣብ ሰበይትን ኣብ ማይን ፡ ዘይበፅሕ የልቦን,ማይን ናይ ሓዳር መጣማሪትን ንኹሉ ሰብ ኣድለይቲ ነገራት እዮም |
| ማይ ናብ ሩባኡ ዕንዳይ ናብ ኣዲኡ,ኣብ መጨረሻ ናብ እትኸዶ እኻ ትኸይድ |
| ሃይሞኖት ዘይብሉ ሰብን፡ ልጓም ዘይብሉ ፈረስን ሓደ,ዓላማ ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
| ኣቦ ዘይብሉ ቄልዓ ዘጋፍ ፤ ኣላይ ዘይብሉ ብፅራይ ደርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
| ኣቦ ኻልእ ዝፀርፍ ፥ ነቡኡ ከፅርፍ,ንኻልኦት ዝገበርካዮ ተመልሱ ንባዕልኻ እዩ |
| ኣብ ኢድካ ዝሓዝካዮ ወርቂ ፡ ዳርጋ ጨርቂ,ዝኾነ ነገር ምስ ረኸብካዮ ዋግኡ ይቕንሰካ እዩ |
| አብ ኩናት ዘይወዓለ ሃጥር,ሽግር ዘረኣየስ ሰብ ንባዕሉ ጀግና ይመስሎ |
| ጌጋ በትሪ ንሓደ መዓልቲ ጌጋ ፀርፈ ንጥንቲ,ሕማቕ ምዝራብ ንዝልኣለም ክትጠኣስ ይገብረካ |
| "ኢድካ ኣብ ቀላይ ምለስ እንተረኸብካ ዓሳ ትሕዝ እንተሰኣንካ ተሓ |
| ፂብካ ትወፅእ",ስራሕን ምፍታንን ኣይጎድእን |
| ቃል መቕቱል ይብል ዓረበታይ,ሕማቕ ዘረባ የቕትለካ እዩ |
| መገዲ ምሰ ወዲ ዓዲ,ምስ እትፈልጦ ሰብ ስራሕ |
| ኣቦኻ ነበረ ፥ ከምዚ ነይገበረ,ካብ ኣቦኻ ዝገደድኻ እኻ |
| ጋሻ እንተሃብዎ ይብላዕ እንተኸልእዎ ይጠላዕ,ጋሻ ኰይንካ መሪፅካ ክትተኣናገድ ኣይትኽእልን |
| "ጋሻ መጀመሪያ ወዲዝጊ ደሓር ወዲሰብ ሳልሳይመ ዓልቲ ወዲ |
| ኸልቢ",ጋሻ ኰይንካ ነዊሕ ክትቅኒ ኣይትኽእልን |
| ኣብ ሰማይ ጣዕሳ የልቦ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ቅፅዓት የልቦ,ነገራት ድሕሪ ምዃኖም ክምለሱ ኣይኽእሉን |
| ካብ ህበይ ቆንጆ እንታይ ይምረዖ,ዝምረፅ ነገር የብሉን |
| ቄርበት እንድሕሪ ነቂፁ ፡ ስም እንድሕሪ ወዒኡ እቲ አይጥቕለል እቲ ኣይምለስ,ሓደ ግዜ ዝተንከረ ነገር መምለሲ የብሉን |
| ኣብ እምኒ ኮንካ ኣይንዋሕን,ብተፈጥሮ ናትካ ዘይኮነ ብቖዋምነት ፀገምካ ኣይፈትሐልካን |
| ቁመትን ሸመትን ተመኒኻ ኣይርከብን,ነገር ስለዝደለኻዮ ጥራሕ ኣይርከብን |
| ሓሶት ኣየቕይሕን እዩ,ካብ ሓሶት ምንም ኣይርከብን |
| ኣብ እንዳቦኻ ኣይትከተር ፡ ኣብ እንዳኖኻ ፆም ኣይትሕደር,ኣቦ መኽብሪ ይኾነካ እኖ ድማ ፀገምካ ተቕልለካ |
| ኢድካ ሓሊፋ ትዕናሕካ,ከም ግብርኻ ተፈደይ |
| በሊዕካ ከም ኣንበሳ ደቂስካ ከም ሬሳ,ሓደ ነገር ብደምቢ ገበሮ |
| ኣብ ቆፎ ዘሎ ከውርዳ ፍንትኸሸን ይፈትሓ,ዝሐሸ ነገር ክትረክብ ዝሓዝካዮ ኢኻ እትስእን |
| ቈይምካ ተኸራኸር ፡ ዜርካ ተመሳኸር,ቅዋም ይሃልይካ፣ መረዳአታ እውን ግን ኣክብ |
| ካብ ሃገሩ ዝወፀ ክሳብ ዝምለስ እንተፀዓንዎ ኣድጊ እንተለጎምዎ ፈረስ,ሰብ ኣብ ኣዱ እዩ ዝኸብር |
| በሊዓ በሊዓ ጨው የብሉን ፡ ፡ ከይዳ ከይዳ መገዲ የብሉን,ዝደለኻዮ ምስረኸብኻ ክተመስግን ኣለካ |
| ኣብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ ከም ዝደበሰካ,ኣብ ገዛኻ ንኣጋይሽካ ምቕሉል ክትኮን ኣለካ |
| አብ ገዝኡ ዝዕበ ፡ከም ትኻን,ኣብ ገዛኻ ጋሻ እንትህልወካ ምቕሉል ክትከውን ኣለካ |
| እግሪ ብፃይካ ርኢኻ ፣ ደብል,ምስ መሳርሕትኻ ተስማዕሚዕኻ ክትከይድ ኣለካ |
| ኣብ ምንታይ ቌምካ ንዝጊሄር ትሓምዮ,ብደረጃኻ ብዘለካ ሓበሬታ ጥራሕ ኢኻ ክትዛረብ ዘለካ |
| ኣብ ጊዜ ድራርካ ዝመፀካ ፥ ከም ዝደበሰካ,ንሰባት ኣብ ስተዘጋጀውሉ ጊዜ ጥራሕ ክትጉብንዮም ኣለካ |
| ኣቕሓ ስኢንና ሓቢርና በሊዕና እምበር መኣዝ መዛኑ ኬንና,ፀገም ንምሕላፍ ምስ ካልኦት ክትተሓባበር ኣለካ |
| ኣብ መርዓ ጓላ ፡ ቀላቕል ምዓላ,ኣብ ጉዳይካ ብደምቢ ክትሰርሕ ኣለካ |
| በሰለ ንብላዕ ፡ በፅሐ ንዝራእ,ኣብ ሰራሕ ግዜ ስራሕ ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ድማ ኣዕርፍ |
| ኣብ ዓቐብ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ፡ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ,ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሃሉ ፀገም ይገጥመካ እዩ |
| ኣብ ውሻጠ ተፃዒና ኣብ ምድር ቤት አይተዝብል,መፍትሒታትካ ዘለቕቲ ክኾኑ ኣለዎም |
| ንጉስ ዝፈርዶን ፡ ጥንስቲ እትወልዶይን ኣይፍለጥን,ብሩህ ኣይኮነን |
| ንጉስ የናብር ፍትሒ ይሕብር,ብንጉስ እኻ ትመሓደር ብፍትሒ ድማ ትምራሕ |
| ሓዊ ሓሚሙ እንተደቀሰስ ፡ ሓሰር ክበጽሖ ከደ!,ተደኽምኻ ኩሉ ይንዕቐካ |
| ማየ ማይ ይኸይድ ዓሳ ጐልጐል ጐልጐል ትኸይድ ቃርሳ,ነገራት ኣብ በቢቦትኦ ኽኾኑ ኣለዎም |
| ንጉራዴ በውላጋኣ ዝሓዛ ይመልካ,ነገር ብመትሓዝኡ ተሕዝካዮ ትዕወት እኻ |
| በሊዓ ትጠሚ ነዓይ ከተሕሚ,ናተይ ስም ክተጥፍእ ከምዘተግብረላ ተምስል |
| ኣብዘይናታ ፥ አይትማወታ,ናታ ኣብዘይኾነ ነገር ኣይተጨንቃ |
| ኣቦኻ ርገም ፥ኣቦኻ መርቕ,ናይ ኣቦኻ ግብሪ ናባኻ እዩ |
| ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን,ናይ ፈላጥ ሰብ ዘረባ ሕርኽራኽ የብሉን |
| ኣቦይ ዘምፅአለይ ፥ገምቦይ ዘፍልሓለይ,ናይባዕለይ እዩ |
| ኣብ ዘይንብረቱ ፡ ይስበር ምሕኩልቱ,ናይኻ ኣብዘይኾነ ነገር ትሰርሕ ባዕልኻ ኣይትጉዳእ |
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቄልዓ ፡ ኣይትልከ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ቖልዓ ኣይትተንክፍ |
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ |
| ኣብ ጥቓ ትኪ ዘላ ዓይኒ ፥ አይትተንኪ,ንምብካይ ቐርቡ ዘሎ ዓይኒ ኣይትተንክፍ |
| ኣቦይ ፍቓዱ ፡ባዕፅሎም ዝነኣዱ,ንባዕለካ ምድናቕ |
| ኣብታ ናታ ፡ ኣይትማወታ,ንባዕላ ግደፈላ |
| ንግራት ዓረሞ ደረቱ ንነገር ፈፅሚ ደረቱ,ንነገር መፈፀምታ ኣለዎ |
| ቁልዓ እናመንደዱ ጨው እናነገዱ,ንነገር ቀስ ብቀስ ኣኽዶ |
| ቁሩብ ቆሎ፣ የብፅሕ ናብ ሕንሻሮ,ንእሽተይ ሕዝካ ብዙሕ ትረክብ |
| ጋምስታ ብመረብ ትዕበ,ንእሽተይ ነገር ሕዞም ይዕበዩ |
| ቁርዲድስያ ቁምነገረኛ ክበሃል ኣብ ቆርበት ተጣቢቹ ይመውት,ንክትነኣድ ዘይትኽእሎ ኣይትስራሕ |
| ቆርበት ብዕንጉለ ይምለጥ ፡ ጎራሕ በዘራርብኡ ይፍለጥ,ንኹሉ እተሸንፈሉ መንገዲ ኣሎ |
| ካባኻ ንዘይሓልፍ ጋሻ ጠጠዊቕኝካ ሰዓሞ,ንዘይተርፈካ ነገር ቐልጥፍካ ግበሮ |
| ኣተሓልባ ገመልን ፥ዘረባ ፈታዊኻን ብደውካ,ንዝጠቕመካ ነገር ተገደሰሉ |
| ንጉስ እንተረአኹስ ጥራዕ ጥራዕ ይመፀኒ,ንጉስ እንትርኢ ሽግርኻ ተናገር ይብለኒ |
| ንጉሆ ዘይትስእሲ ፡ ሓደ እግሩ ደገ ይሕድር,ንግሆ ዘይትስእ ተዘጋጅዩ ክሓድር ኣለዎ |
| ንጉስ እንክቹጣዕ ፡ ቀሰይ ኢልካ ውፃእ,ንግስ እንትናደድ ካብ ከባቢኡ ረሓቕ |
| ጠላም ብፃዩ ረቢ ፈዳዩ,ንጠላም እግዝኣብሄር ይፈድዮ |
| ማሕበርካ በኾረ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ,ኣሎኒ ትብሎ ነገር ኣይበላሸያካ |
| እፈትዎ እምበር ይፈትወኒ'ዩ ኣይትበል,ኣብ ናይ ባዕልኻ ስምዕት እበይ ኣብ ናይ ካልኦት ርግፀኛ ኣይትኹን |
| ኣብ ዘይነገርካ ህልኸ ፤ ኣብ ዘይፀብሕኻ ጥልቕ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ |
| ኣብ ዘይናትካ ኣይትበኣስ ፡፤ ደሕር ከይትጠዓስ,ኣብዘየእትወካ ነገር ኣይትእቶ |
| ኣብ ዘይርስቱ ፥ይስበር ምሕኩልቱ,ኣብዘይምለከተካ ኣትዩ ንባዕሉ ኣሕመቐ |
| ኣብ ዘይቦትኡ ዝተሰብረ ንምፅጋኑ አሸገረ,ኣብዘይምለከቶ ትዩ ዝተሽገረ ንክትሕግዞ ኣይምቹን |
| ኣብ ዘይመንጠቢትክን ፥ ኣይትእትዋ ኢድክን,ኣብዘይምልከተክን ኣይትእተዋ |
| ኣብ ዘይሞታ ፡ የማውታ,ኣብዘይምልከታ ኣትያ ትሽገር |
| ኣብ ዘይፈልጦ ጭብጢ ዚአቱ ፤ ንሸፋጢ ጥሪቱ ፥ ንዳኛ ንዋቱ,ኣብዘይትፈልጦ ነገር ምእታው ትርፉ ክሳራ እዩ |
| "ኣብ ዘይዓድኻ ሽመትን ፥ አብ ውሽጢ ፀልማት ሳዕስዒትን ፤ ዝርእዮ |
| የብሉን",ኣብዘይትፍለጠሉ ምንም ተገበርኻ ዝርእየካ የለን |
| ኣቦኻሲ ገፊሕ ደምበ እምበር ፤ ገፊሕ ገዛ ኣይግደፈልካ,ኣቦኻ ሃፍቲ እምበር ብዙሕ ቖልዓ ኣይግደፈልካ |
| ንጉስን ጳጳስን ታቦትን ማሕረስን,ኣይስማእምዑን |
| ቀጣን ኣውያትስ ፡ መተዓዛዘቢት ክልተ ደቅኖ,ኣጓጕል ነገር መተዓዛዘቢ እዩ |
| ኦም ሓዝ ሓረግ ክተሓዝ,እቲ ዋና ነገር ሓዝ |
| ኣብ ከብዲ ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ገንኢ ዘሎ መብራህቲ,እትፈልጦ ነገር እንተዘይተጠቕምካሉ ትርጉም የብሉን |
| ቂፄልዓ እንተፀገበስ ፡ ዘይጠሚ ይመስሎ,እንተመልኡልካስ ዝጎድል ኣይመስለካን |
| እዝጊ ፀድፊ ፈጠረ'ሞ ፡ መደያይቦ ድማ ፈጠረ,እግዝኣብሄር ንኹሎም ሽግራት መፍተሒ ኣለዎ |
| ኣቦኺ ቀሺ፤ ሕውኺዛቹናይ ፥ኮፍ ኢልኪ ቁረቢ,ከም ቤተሰብኺ ፅቡቕቲ ሰብ ኹኒ |
| ንዖም ኣርብዓ ፋሲካ ደረቱ ንግራት ዓረሞ ደረቱ,ኩሉ ነገር መፈፀምታ ኣለዎ |
| ቁንጪ ሓሚሙ ቁማል ተሓጐሙ,ካልኦት ብዝገበርዎ ሕማቕ ነገር ኻልእ ይቕፃዕ |
| ካባና ዝገዳ ብሚሔ ማይ ይወርዳ,ዝገደዱ ዓያሹ |
| እዝግን ንጉስን አይቅበፁን,ካብ እግዝኣብሄርን ንጉሱን መፍተሒ ኣጠፍእን |
| ካብ ሓቂ ዝሕሽ ሓይሶት ፡ ካብ ምጋእ ዝሕሽ ምስሓት,ካብ ዝጎድኣካ ሓቂ ዘይጓዳእ ሕሾት ይሓይሽ |
| ኣብ ዘረባ ፤ ዘሎ ዓፀባ,ካብዙሕ ዘረባ ትርፉ ችገር እዩ |
| ኪድ ኣይትበሉ ከም ዝኸይድ ግበሮ,ክድ እልካ ኣቲዛረቦ ንክኸይድ ግን ደፋፍኣዮ |
| ኣብ ገዛ ዝለመደስ ፥ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ኣይተፅምሙና በለ,ኹሉ ነገር ከም ከዛኻ ኣይኮነን |
| ጠስሚ ኣብ ርእሳ ዘረባ ኣብ መልሓሳ,ኹሉ ኣብ እዳ |
| ኣብ ዝሑል ፀባ ዝለመደ ፅንፅያ ፥ ኣብ ውዑይ ፀባ እትዩ ሞተ,ኹሉ ከም ዝለመድኻዮ ኣይኮነን |
| ንጉስ ዘይሓዝካሉ ኣይገንዘብካ እዝጊ ዘይሓዝካሉ ኣይነፍስካ,ወናኒ ዘይብሉ ነገር ትርጉም የብሉን |
| ቄልዓስ ይጐዩ እምበር ኣይቅድምን,ዋላ ንግዝይኡ ተቐልጠፍካ ቐዲሙ ንዝጀመረ ኣትቕዲሞን |
| ኣቦ ዘይብሉ ዘጋፍ ፤ ቤት ዘይብሉ ሃርጋፍ,ዋና ዘይብሉ ነገር መዕለቢ የብሉን |
| ኣቦ ዘለዎ ዝበኪ ፤ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ,ዘለዎ ዘንፀርፅር ንዘይብሉ ከኽፍእ እዩ |
| እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ?,ዘይህብ ክልምን የብሉን |
| ኣእማን ዝፈናቕል ብተመን ይንከስ,ዘይምልከቶ ዝሰርሕ ሕማቕ ይረክብ |
| ኣብዘይ ክእለቱ ፥ ይስበር ምሕኩልቱ,ዘይትኽእኮ ነገር ኣይትስራሕ |
| ኣቦኻ ዘይገበሮ ኣይትግበር ፥ ከበሮ ቀትሪ ኣይትህረም,ዘይኸዉን ነገር ኣይትግበር |
| ኣብ ዘይዓቕመን ፥ ይስበራ ዓፅመን,ዘይዓቕምኻ ነገር ኣይትስራሕ |
| ንጥሙይ ቅጫ ንፅሙእ ዋንጫ,ዘድልዮ ነገር ሃቦ |
| ንፈላሲ ዳዊት ንሕፈስታይ ነዊት ንቄልዓ ሰዊት,ዘድልዮም ነገር ሃቦም |
| ማይ ኢላ ከይዳስ ማይ ረሲዓ አተወት ,ዝሓሰበቶ ጉዳይ ከይገበረት ተመልሰት |
| ማይ ከምዘይነፅፍ ዓሳ ከምዘይመውት,ዝተመቻቸየ ግበሮ |
| ጌጋ ዘርኢ ንሓደ ዓመት ጌጋ መውስቦ ንዝንተ እለት,ዝተሰሓሓተ መውስቦ ናይ ዘንተ እለት ናስሕ እዩ |
| ኣቦይ ፋሲል ፡ እዛ ሞትኩም ናይጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል |
| ኣቦይ ፋሲል ፥፤ እዛ ኣዳቕሳኹምስ ናይ ጥሜት ትመስል,ዝተሽገርካ ትመስል |
| ንጥንቲ ዝኸውን ምኸር ፡፣ንስኒ ዝኸውን ንኸስ,ዝጠቅም ነገር ምረፅ |
| ኣብ ከብዲ ፅጉብ የለን ጥሙይ,ዝፀገበ ሰብስ ዝጠመየ ዘሎ ኣይመስሎን |
| ጋሻ ፣ ዓሻ,ጋሻ ምንም ኣይፈልጥን |
| ጋሻ ኣየሰንየኒ እንተቐነየኸ ይጠልመኒ,ጋሻ ኣይእመንን |
| ንጓል ወዲ ዓዲ ይሕፀያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ |
| ንጓል ወዲ ዓዳ የሕፅያ,ጓል ዝቐረባ እዩ ዝምርዐዋ |
| ኣቦይ ሰመረ ፤፥ ግራትኩም ሰብ ገበረ,ፅቡቕ ነገር ገይሩ |
| በላሕናያ ክብላስ ፃሕሊ ይዓጥና,ፍልጠት ዘብልካ ፈላጥ እየ ማለት ኣይፅብቑን |
| በሊዑ ዘይምርቕን ዕዳጋ ውዒሉ ዘይጥይቕን ሓደ,ክተመስግን ኣለካ |
| ቋቕስያ ናብ ጥራጥ,ንእሽተይ ዝመጠኑ |
| ቈልዓ አይወልድ ሓዊ አይፈርድ,ገና ዘይበፅሐ |
| ቆልመፅመፅ ዝኣመሉ ሕምባሻ ይልሕስ,ኣመል ክትገድፎ ከቢድ እዩ |
| ቃላት ዝደጋገሙ ኣይኮነን ንምስማዕ ፡ እንታይደኣ ንምፅናዕ,ብምድግጋም እዩ ዝፅናዕ |
| ማንቲለ ካብ ሓብታዶይ ትፍለ,ሓደ ዓይነት |
| ማአሰር ዘይብሉ ማእይ ይሰንዶይ,ዘይተወድአ ነገር ኣይረብሕን |
| ማይ ነሓሰ ጥዑም እዩ ኣይስተን ዘረባ ድኻ ልኡም እዩ ኣይስማዕን,ተሰማዕነት ዝህልወካ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ እንትህልወካ እዩ |
| ጠስሚ ኣብ ከብዲ ከልቢ ኣይትሓድርን,ዘይእመን ሰብ ብክባር ነገር ኣይትእምኖ |
| ጊዜ ዘይገልፆ ምስጢር መንፊት ዘይግንፍሎ ክርዳድ የልቦን,ኩሉ ነገር ዝግለፅ ድሕሪ ጊዜ እዩ |
| ደሓን ደሕን ይብሉኻ ፡ ክሳብ ዝሓምሉኻ,ኩሉ ድሕንነትካ ዝጥይቐካ ብሓቂ ተገዲሱልካ ኣይኮነን |
| ደረቐኛ ሓምሓም ፡ ንእምኒ ሓደጋ ትወድቃ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
| ደረቐኛ ቁንዉ ፡ ስር ኢሉ ናብ ቅርቅርቲ,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
| ደረቐኛ ኣንጭዋ ፡ ኣብ ክሳድ ድመ ትሰራሰር,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
| ደረቐኛ ኣንጭዋ ፣ ኣፍንጫ ድሙ ተሽትት,ኣጉል ድፍረት ሓደገኛ ስራሕ እዩ ዘስረሐካ |
| ኩነትካ ኣብ ቃልካ ውርዝነትካ ኣብ ህድኣትካ,ምህዳእ ፅቡቕ ባህሪ እዩ |
| ካባና ዘይሕሻ ብኣና ይውዕላ,ብዝትሕተካ ኢኻ ትሕመ |
| ካብ መምህሩ ደቀመዝሙሩ ካብ ቀለም ከለም,ካብ ምምሃር ምስትውዓል ይሓይሽ |
| እዝጊክ ሓዝንስ ወዲ ዋጣ ቀሺ ኾነ,ወዲ ቐሺ ደራፊ ክኸውን ውሑድ ተርእዮ እዩ |
| እግርን መንገድን ከይተፈላለያ ይነብራ,ተፈጥሮኣዊ መደብ ስራሕ ( እግሪ ንምኻድ ) |
| ንጉስን ህበይን ባዕሉ ይኹምር ባዕሉ ይብትን,መንግስቲ ግጭት ኮነ ኢሉ ዝፈጥረሉ ጊዜ ኣሎ እዩ |
| "ንፅሕፃሕ እግሪ ኣልዒልካሉ ንኸልቢ ሃዲምካሉ እቲ ኣይፅገስ እቲ |
| ኣይምለስ",ኣብ ፀገም ዘጋድድ ነገር ኣይትግበር |
| ንፅብሓት ተዋግአላ ንኣየት ተፋተወላ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ |
| ንፆም ግድፈቱ ንበዓል ስዕረቱ,ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ |
| ንፈላጥ ኣይትፍለጠሉ ንበሊሕ ኣይትቑረፀሉ,ጎበዝ ሰብ ዓርሱ ይኽእል እዩ |
| ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ ሕማቕኝ ንፉዕ እንተወለደ ተቐልተ,ንዕዉት ሰብ ዝኽተል ዕዉት ክኸውን ግድን እዩ |
| ንፋስ ኣህሪምካ ንሰብ ኣስሚዕካ,ኩሉ ሰብ ይስመዓዮ |
| ኣርሓ ከይሰወደ ፃህያይ ሱር ከይሰደደ,ፀገማት ብገንኦም ምፍታሕ |
| ኣርእዮም ኣይኸልኡኻ ፡ ኣስሚዖም ኣይጥለሙኻ,ዝሃረፍካዮ ነገር ኣዪኽሉእኻ |
| ኣርኪባስያ ዓርቢ ሞይታ,ትኽክለኛ ሰዓት ኣይኮነን |
| ኣሳጉማኡ ርእዮም ጭብጦኡ የሕድግዎ,ትሑት ከይዲ ኣፈፃፅማኻ ክትረኽቦ ዝግበአካ ከይትረክብ ይገብር እዩ |
| ኣስሚዖም ካብ ዝጠልሙኻ ብኩናት ይውግኡኻ,ቃል ዝኣተኻዮ ምጥላም ከቢድ ጥቕዓት እዩ |
| ኣስተውዒልካ ትናገር ከይትርታፅ፡ ተዓጢቕካ ትቓለሰ ከይትምንታእ,ድልዊ ኰይንካ ነገራት ምፍፃም የዐውተካ እዩ |
| ኣሻዓል ድኸነት ኣብ ቤት እንተገደፍካያ፡ ኣብ ግዳም ወፂኣ ተእዊ,ስእነት ኣብ ዝኸድካዮ እዩ ዝግለፅ |
| ኣሽንኳይ ነፀላ ወሲኻትሉ መዛወሪ ፡ ብቐደማኳ ዘዋሪት እግሪ,ዘዋሪት እያ |
| "ኣሸንኳይ ንሞት ንእርጋን""ኳ ይፀንሕዎ በለ ኣንበሳ",እርጋን ካብ ሞት ዝኸፍአ እዩ |
| ኣሸንኳይ ንቤቱ ፡ ይተርፍ ንጐረቤቱ,ብርቱዕ ሰራሕተኛ |
| ኣሻበኸን ሓደ ጣሳ ከይሰተኸን በለታ እንቁርዖብ ነንጭዋ,ፈጢንኪ ሰኺርኪ |
| ኣቐምጥ ዝበልዎ ኣየጥፍእ ፡ ኣፀብኝ ዝበልዎ ኣየኸፍእ,ሓላፍነታዊ |
| ኣቐምጥ ዝበልዎ ዘጥፍእ ኣፀብቕ ዝበልዎ ዘኸፍእ ፡ ንሓዋሩ ክኸፍእ,ዘይሓላፍነታዊ ሰብ ኣብ ሕማቕ ይወድቕ |
| ኣቡን ቀሺ ድዩም? ንንዳማቶምኳ ዘቐሽሹ,ዝተፈለጠ ቐሺ |
| ኣቡኡ ዝላፃይኡ አዲኡ ዝተሓዚቱ ከይተጐድአ ይነብር,ዝድግፉኻ ውለዲ እንትህልዉኻ ኣይትጕዳእን |
| ኣቡኡን ኣዲኡን ዝሞቱሉ ፅግኢን ነግፊን ከም ዝገደፍሉ,ውርሲ ዝርከብ ክልቲኦም ወለዲ እንትሞቱ እዩ |
| ኣብ ልዕሊ ቆፀራ ኣይቋፀሩ ኣብ ልዕሊ ጥሉል ኣየቃፅሉ,ትሑዝ ጊዜ |
| ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣይፈርዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ ስልጣን ገደብ |
| ኣብ ልዕሊ ግዚ ኣይግዝቱ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ኣይኣጉዱ,ናይ መወዳእታ ስጕምቲ |
| ኣብ ሓባል እትረአ ኩሕሲ,ዝትጋደደ ሕመቕ |
| ኣብ ሓው የለን ቀረባ ኣብ እምኒ የለን ዕምባባ,ደረጃ ክወፀሉ ዘይግባእ ዝምድና |
| ኣብ መንጐ ክልተ ጎባይ ፡ ዝተሓብአ ብዕራይ,ኣብ መንጎ ህርኩታት ሰራሕተኛታት ዝመሳሰል ሃካይ ሰራሕተኛ |
| ኣብ ምሳሕ ዘይፀውዕዎ ደብተራ የላዓዕል ሻራ,ሴራ ዝብገስ ካብ ጥቕሚ ምጕዳል እዩ |
| ኣብ ክሳድ ሓዲዳ ኣላትኒ ዕዳ,ብዛዕባ ዕዳ እናማረርካ ክባራት መመላኽዒ ክትገዝእ ሓቢሩ ኣይኸይድን |
|
|