Unnamed: 0 int64 0 68.7k | prefix stringclasses 2
values | in_put stringlengths 3 274 | out_put stringlengths 3 274 |
|---|---|---|---|
55,800 | am_tg | ተመልሶ ሲመጣ ተኝተው አገኛቸውና ጴጥሮስን እንዲህ አለው፦ “ስምዖን፣ ተኝተሃል? አንድ ሰዓት እንኳ ነቅተህ መጠበቅ አልቻልክም? | ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ |
55,801 | tg_am | ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ | ተመልሶ ሲመጣ ተኝተው አገኛቸውና ጴጥሮስን እንዲህ አለው፦ “ስምዖን፣ ተኝተሃል? አንድ ሰዓት እንኳ ነቅተህ መጠበቅ አልቻልክም? |
55,802 | am_tg | ወደ ፈተና እንዳትገቡ ነቅታችሁ ጠብቁ፤ ሳታሰልሱም ጸልዩ። እርግጥ፣ መንፈስ ዝግጁ ነው፤ ሥጋ ግን ደካማ ነው።” | ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ። |
55,803 | tg_am | ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ። | ወደ ፈተና እንዳትገቡ ነቅታችሁ ጠብቁ፤ ሳታሰልሱም ጸልዩ። እርግጥ፣ መንፈስ ዝግጁ ነው፤ ሥጋ ግን ደካማ ነው።” |
55,804 | am_tg | እንደገናም ሄዶ ስለዚያው ነገር ጸለየ። | ከም ብሓድሽ ከይዱ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። |
55,805 | tg_am | ከም ብሓድሽ ከይዱ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። | እንደገናም ሄዶ ስለዚያው ነገር ጸለየ። |
55,806 | am_tg | ዳግመኛም ተመልሶ ሲመጣ እንቅልፍ ተጫጭኗቸው ስለነበር ተኝተው አገኛቸው፤ በመሆኑም የሚሉት ነገር ጠፋቸው። | ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ እውን ኣይፈለጡን። |
55,807 | tg_am | ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ እውን ኣይፈለጡን። | ዳግመኛም ተመልሶ ሲመጣ እንቅልፍ ተጫጭኗቸው ስለነበር ተኝተው አገኛቸው፤ በመሆኑም የሚሉት ነገር ጠፋቸው። |
55,808 | am_tg | ለሦስተኛ ጊዜም ተመልሶ እንዲህ አላቸው፦ “ይህ የእንቅልፍና የእረፍት ሰዓት ነው? በቃ! ሰዓቱ ደርሷል! እነሆ፣ የሰው ልጅ ለኃጢአተኞች አልፎ ሊሰጥ ነው። | ሳልሳይ ሳዕ ተመሊሱ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! ይኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ! እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ይውሃብ ኣሎ። |
55,809 | tg_am | ሳልሳይ ሳዕ ተመሊሱ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! ይኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ! እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ይውሃብ ኣሎ። | ለሦስተኛ ጊዜም ተመልሶ እንዲህ አላቸው፦ “ይህ የእንቅልፍና የእረፍት ሰዓት ነው? በቃ! ሰዓቱ ደርሷል! እነሆ፣ የሰው ልጅ ለኃጢአተኞች አልፎ ሊሰጥ ነው። |
55,810 | am_tg | ተነሱ፣ እንሂድ። እነሆ፣ አሳልፎ የሚሰጠኝ ቀርቧል።” | ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። |
55,811 | tg_am | ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። | ተነሱ፣ እንሂድ። እነሆ፣ አሳልፎ የሚሰጠኝ ቀርቧል።” |
55,812 | am_tg | ወዲያውም ገና እየተናገረ ሳለ ከአሥራ ሁለቱ አንዱ የሆነው ይሁዳ መጣ፤ ከካህናት አለቆች፣ ከጸሐፍትና ከሽማግሌዎች የተላኩ ሰይፍና ቆመጥ የያዙ ብዙ ሰዎችም አብረውት ነበሩ። | ብኡብኡ ኸኣ፡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ህዝቢ መጹ። |
55,813 | tg_am | ብኡብኡ ኸኣ፡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ህዝቢ መጹ። | ወዲያውም ገና እየተናገረ ሳለ ከአሥራ ሁለቱ አንዱ የሆነው ይሁዳ መጣ፤ ከካህናት አለቆች፣ ከጸሐፍትና ከሽማግሌዎች የተላኩ ሰይፍና ቆመጥ የያዙ ብዙ ሰዎችም አብረውት ነበሩ። |
55,814 | am_tg | አሳልፎ የሚሰጠውም “እኔ የምስመው ሰው እሱ ነው፤ ያዙትና እንዳያመልጥ ተጠንቅቃችሁ ውሰዱት” በማለት አስቀድሞ ምልክት ሰጥቷቸው ነበር። | እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ እተሰማምዑሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። |
55,815 | tg_am | እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ እተሰማምዑሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። | አሳልፎ የሚሰጠውም “እኔ የምስመው ሰው እሱ ነው፤ ያዙትና እንዳያመልጥ ተጠንቅቃችሁ ውሰዱት” በማለት አስቀድሞ ምልክት ሰጥቷቸው ነበር። |
55,816 | am_tg | ይሁዳም በቀጥታ መጥቶ ወደ እሱ በመቅረብ “ረቢ!” ብሎ ሳመው። | ትኽ ኢሉ መጺኡ ድማ፡ ናብኡ ቐሪቡ፡ “መምህር” ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። |
55,817 | tg_am | ትኽ ኢሉ መጺኡ ድማ፡ ናብኡ ቐሪቡ፡ “መምህር” ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። | ይሁዳም በቀጥታ መጥቶ ወደ እሱ በመቅረብ “ረቢ!” ብሎ ሳመው። |
55,818 | am_tg | ሰዎቹም ያዙት፤ ደግሞም አሰሩት። | ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። |
55,819 | tg_am | ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። | ሰዎቹም ያዙት፤ ደግሞም አሰሩት። |
55,820 | am_tg | ይሁን እንጂ አጠገቡ ቆመው ከነበሩት አንዱ ሰይፉን በመምዘዝ የሊቀ ካህናቱን ባሪያ መትቶ ጆሮውን ቆረጠው። | ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ግና፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ። |
55,821 | tg_am | ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ግና፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ። | ይሁን እንጂ አጠገቡ ቆመው ከነበሩት አንዱ ሰይፉን በመምዘዝ የሊቀ ካህናቱን ባሪያ መትቶ ጆሮውን ቆረጠው። |
55,822 | am_tg | ኢየሱስ ግን መልሶ እንዲህ አላቸው፦ “ወንበዴ የምትይዙ ይመስል ሰይፍና ቆመጥ ይዛችሁ የመጣችሁት እኔን ለመያዝ ነው? | የሱስ ድማ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ |
55,823 | tg_am | የሱስ ድማ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ | ኢየሱስ ግን መልሶ እንዲህ አላቸው፦ “ወንበዴ የምትይዙ ይመስል ሰይፍና ቆመጥ ይዛችሁ የመጣችሁት እኔን ለመያዝ ነው? |
55,824 | am_tg | በየዕለቱ በቤተ መቅደስ እያስተማርኩ ከእናንተ ጋር ነበርኩ፤ ሆኖም ያን ጊዜ አልያዛችሁኝም። ይሁንና ይህ የሆነው ቅዱሳን መጻሕፍት እንዲፈጸሙ ነው።” | መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ነይረ፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። |
55,825 | tg_am | መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ነይረ፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። | በየዕለቱ በቤተ መቅደስ እያስተማርኩ ከእናንተ ጋር ነበርኩ፤ ሆኖም ያን ጊዜ አልያዛችሁኝም። ይሁንና ይህ የሆነው ቅዱሳን መጻሕፍት እንዲፈጸሙ ነው።” |
55,826 | am_tg | በዚህ ጊዜ ሁሉም ጥለውት ሸሹ። | ኵላቶም ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። |
55,827 | tg_am | ኵላቶም ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። | በዚህ ጊዜ ሁሉም ጥለውት ሸሹ። |
55,828 | am_tg | ሆኖም እርቃኑን ለመሸፈን በፍታ ብቻ የለበሰ አንድ ወጣት በቅርብ ርቀት ይከተለው ጀመር፤ ሊይዙትም ሞከሩ፤ | ግናኸ፡ ቅጭን በፍታ ኣብ ጥራይ ዝባኑ እተወንዘፈ ጐበዝ ደድሕሪኡ ሰዓቦ፣ ኪሕዝዎ ድማ ፈተኑ፣ |
55,829 | tg_am | ግናኸ፡ ቅጭን በፍታ ኣብ ጥራይ ዝባኑ እተወንዘፈ ጐበዝ ደድሕሪኡ ሰዓቦ፣ ኪሕዝዎ ድማ ፈተኑ፣ | ሆኖም እርቃኑን ለመሸፈን በፍታ ብቻ የለበሰ አንድ ወጣት በቅርብ ርቀት ይከተለው ጀመር፤ ሊይዙትም ሞከሩ፤ |
55,830 | am_tg | እሱ ግን በፍታውን ትቶ ራቁቱን አመለጠ። | ንሱ ግና በፍታኡ ሓዲጉ ጥራዩ ሃደመ። |
55,831 | tg_am | ንሱ ግና በፍታኡ ሓዲጉ ጥራዩ ሃደመ። | እሱ ግን በፍታውን ትቶ ራቁቱን አመለጠ። |
55,832 | am_tg | ኢየሱስንም ወደ ሊቀ ካህናቱ ወሰዱት፤ የካህናት አለቆች፣ ሽማግሌዎችና ጸሐፍትም በሙሉ ተሰበሰቡ። | ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ከኣ ተኣከቡ። |
55,833 | tg_am | ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ከኣ ተኣከቡ። | ኢየሱስንም ወደ ሊቀ ካህናቱ ወሰዱት፤ የካህናት አለቆች፣ ሽማግሌዎችና ጸሐፍትም በሙሉ ተሰበሰቡ። |
55,834 | am_tg | ይሁንና ጴጥሮስ እስከ ሊቀ ካህናቱ ግቢ ድረስ በርቀት ተከተለው፤ ከዚያም ከቤቱ አገልጋዮች ጋር ተቀምጦ እሳት ይሞቅ ጀመር። | ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። |
55,835 | tg_am | ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። | ይሁንና ጴጥሮስ እስከ ሊቀ ካህናቱ ግቢ ድረስ በርቀት ተከተለው፤ ከዚያም ከቤቱ አገልጋዮች ጋር ተቀምጦ እሳት ይሞቅ ጀመር። |
55,836 | am_tg | በዚህ ጊዜ የካህናት አለቆችና መላው የሳንሄድሪን ሸንጎ ኢየሱስን ለመግደል በእሱ ላይ የምሥክሮች ቃል እየፈለጉ ነበር፤ ነገር ግን ምንም አላገኙም። | ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን። |
55,837 | tg_am | ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን። | በዚህ ጊዜ የካህናት አለቆችና መላው የሳንሄድሪን ሸንጎ ኢየሱስን ለመግደል በእሱ ላይ የምሥክሮች ቃል እየፈለጉ ነበር፤ ነገር ግን ምንም አላገኙም። |
55,838 | am_tg | እርግጥ ብዙዎች በእሱ ላይ የሐሰት ምሥክርነት ይሰጡ ነበር፤ ሆኖም ቃላቸው ሊስማማ አልቻለም። | ብዙሓት ብሓሶት ይምስክሩሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። |
55,839 | tg_am | ብዙሓት ብሓሶት ይምስክሩሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። | እርግጥ ብዙዎች በእሱ ላይ የሐሰት ምሥክርነት ይሰጡ ነበር፤ ሆኖም ቃላቸው ሊስማማ አልቻለም። |
55,840 | am_tg | አንዳንዶችም ተነስተው እንዲህ ሲሉ በሐሰት ይመሠክሩበት ነበር፦ | ገለ ሰባት ተንሲኦም፡ ከምዚ እናበሉ ብሓሶት መስከሩሉ፦ |
55,841 | tg_am | ገለ ሰባት ተንሲኦም፡ ከምዚ እናበሉ ብሓሶት መስከሩሉ፦ | አንዳንዶችም ተነስተው እንዲህ ሲሉ በሐሰት ይመሠክሩበት ነበር፦ |
55,842 | am_tg | “‘ይህን በእጅ የተሠራ ቤተ መቅደስ አፍርሼ በሦስት ቀን ውስጥ በእጅ ያልተሠራ ሌላ እገነባለሁ’ ሲል ሰምተነዋል።” | “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ።” |
55,843 | tg_am | “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ።” | “‘ይህን በእጅ የተሠራ ቤተ መቅደስ አፍርሼ በሦስት ቀን ውስጥ በእጅ ያልተሠራ ሌላ እገነባለሁ’ ሲል ሰምተነዋል።” |
55,844 | am_tg | በዚህ ጉዳይም ቢሆን የምሥክርነት ቃላቸው ሊስማማ አልቻለም። | ኣብዚ እውን፡ ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን። |
55,845 | tg_am | ኣብዚ እውን፡ ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን። | በዚህ ጉዳይም ቢሆን የምሥክርነት ቃላቸው ሊስማማ አልቻለም። |
55,846 | am_tg | ከዚያም ሊቀ ካህናቱ በመካከላቸው ቆሞ ኢየሱስን “ምንም መልስ አትሰጥም? እነዚህ ሰዎች በአንተ ላይ ስለሰጡት ምሥክርነት ምን ትላለህ?” ሲል ጠየቀው። | እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ ማእከሎም ተንሲኡ ንየሱስ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። |
55,847 | tg_am | እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ ማእከሎም ተንሲኡ ንየሱስ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። | ከዚያም ሊቀ ካህናቱ በመካከላቸው ቆሞ ኢየሱስን “ምንም መልስ አትሰጥም? እነዚህ ሰዎች በአንተ ላይ ስለሰጡት ምሥክርነት ምን ትላለህ?” ሲል ጠየቀው። |
55,848 | am_tg | እሱ ግን ዝም አለ፤ ምንም መልስ አልሰጠም። ሊቀ ካህናቱም እንደገና “አንተ ብሩክ የሆነው አምላክ ልጅ ክርስቶስ ነህ?” እያለ ይጠይቀው ጀመር። | ንሱ ግና ስቕ በለ፡ ኣይመለሰን እውን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። |
55,849 | tg_am | ንሱ ግና ስቕ በለ፡ ኣይመለሰን እውን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። | እሱ ግን ዝም አለ፤ ምንም መልስ አልሰጠም። ሊቀ ካህናቱም እንደገና “አንተ ብሩክ የሆነው አምላክ ልጅ ክርስቶስ ነህ?” እያለ ይጠይቀው ጀመር። |
55,850 | am_tg | ኢየሱስም “አዎ ነኝ፤ እናንተም የሰው ልጅ በኃያሉ ቀኝ ተቀምጦ በሰማይ ደመና ሲመጣ ታያላችሁ” አለ። | የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ። |
55,851 | tg_am | የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ። | ኢየሱስም “አዎ ነኝ፤ እናንተም የሰው ልጅ በኃያሉ ቀኝ ተቀምጦ በሰማይ ደመና ሲመጣ ታያላችሁ” አለ። |
55,852 | am_tg | በዚህ ጊዜ ሊቀ ካህናቱ ልብሱን ቀዶ እንዲህ አለ፦ “ከዚህ በላይ ምን ምሥክሮች ያስፈልጉናል? | ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ “ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧ |
55,853 | tg_am | ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ “ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧ | በዚህ ጊዜ ሊቀ ካህናቱ ልብሱን ቀዶ እንዲህ አለ፦ “ከዚህ በላይ ምን ምሥክሮች ያስፈልጉናል? |
55,854 | am_tg | አምላክን ሲሳደብ ሰምታችኋል። ታዲያ ውሳኔያችሁ ምንድን ነው?” ሁሉም ሞት ይገባዋል ብለው ፈረዱበት። | ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ እዩ ውሳነኹም፧” በለ። ኵላቶም ከኣ ሞት ከም ዚግብኦ ፈረዱ። |
55,855 | tg_am | ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ እዩ ውሳነኹም፧” በለ። ኵላቶም ከኣ ሞት ከም ዚግብኦ ፈረዱ። | አምላክን ሲሳደብ ሰምታችኋል። ታዲያ ውሳኔያችሁ ምንድን ነው?” ሁሉም ሞት ይገባዋል ብለው ፈረዱበት። |
55,856 | am_tg | አንዳንዶች ይተፉበት ጀመር፤ ፊቱንም ሸፍነው በቡጢ እየመቱት “ነቢይ ከሆንክ እስቲ ማን እንደመታህ ንገረን!” ይሉት ነበር። የሸንጎው አገልጋዮችም በጥፊ እየመቱ ወሰዱት። | ገሊኣቶም ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ “እስከ ተነበ!” እውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። |
55,857 | tg_am | ገሊኣቶም ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ “እስከ ተነበ!” እውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። | አንዳንዶች ይተፉበት ጀመር፤ ፊቱንም ሸፍነው በቡጢ እየመቱት “ነቢይ ከሆንክ እስቲ ማን እንደመታህ ንገረን!” ይሉት ነበር። የሸንጎው አገልጋዮችም በጥፊ እየመቱ ወሰዱት። |
55,858 | am_tg | ጴጥሮስ ግቢው ውስጥ በታች በኩል ሳለ ከሊቀ ካህናቱ ሴት አገልጋዮች አንዷ መጣች። | ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣጸድ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ኻህናት መጸት፣ |
55,859 | tg_am | ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣጸድ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ኻህናት መጸት፣ | ጴጥሮስ ግቢው ውስጥ በታች በኩል ሳለ ከሊቀ ካህናቱ ሴት አገልጋዮች አንዷ መጣች። |
55,860 | am_tg | እሳት ሲሞቅ አይታ ትኩር ብላ ተመለከተችውና “አንተም ከዚህ ከናዝሬቱ ኢየሱስ ጋር ነበርክ” አለችው። | ንጴጥሮስ ኪስሕን ከሎ ምስ ረኣየቶ፡ ጠመተቶ እሞ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። |
55,861 | tg_am | ንጴጥሮስ ኪስሕን ከሎ ምስ ረኣየቶ፡ ጠመተቶ እሞ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። | እሳት ሲሞቅ አይታ ትኩር ብላ ተመለከተችውና “አንተም ከዚህ ከናዝሬቱ ኢየሱስ ጋር ነበርክ” አለችው። |
55,862 | am_tg | እሱ ግን “ሰውየውን አላውቀውም፤ ምን እንደምታወሪም አላውቅም” ሲል ካደ፤ ከዚያም ወደ መግቢያው ሄደ። | ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ኢሉ ኸሓደ፣ ናብቲ መእተዊ ድማ ከደ። |
55,863 | tg_am | ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን እየ፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ኢሉ ኸሓደ፣ ናብቲ መእተዊ ድማ ከደ። | እሱ ግን “ሰውየውን አላውቀውም፤ ምን እንደምታወሪም አላውቅም” ሲል ካደ፤ ከዚያም ወደ መግቢያው ሄደ። |
55,864 | am_tg | አገልጋይዋም እዚያ አየችውና በአጠገቡ ለቆሙት “ይህ ከእነሱ አንዱ ነው” ብላ እንደገና ትናገር ጀመር። | እታ ገረድ ረኣየቶ እሞ ነቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ከም ብሓድሽ፡ “እዚ ኻባታቶም እዩ” ኽትብሎም ጀመረት። |
55,865 | tg_am | እታ ገረድ ረኣየቶ እሞ ነቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ከም ብሓድሽ፡ “እዚ ኻባታቶም እዩ” ኽትብሎም ጀመረት። | አገልጋይዋም እዚያ አየችውና በአጠገቡ ለቆሙት “ይህ ከእነሱ አንዱ ነው” ብላ እንደገና ትናገር ጀመር። |
55,866 | am_tg | አሁንም ካደ። ከጥቂት ጊዜ በኋላ ደግሞ በዚያ ቆመው የነበሩት ጴጥሮስን እንደገና “የገሊላ ሰው ስለሆንክ፣ በእርግጥ አንተም ከእነሱ አንዱ ነህ” ይሉት ጀመር። | ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ፡ እቶም ደው ዝበሉ ኸም ብሓድሽ ንጴጥሮስ፡ “ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። |
55,867 | tg_am | ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ፡ እቶም ደው ዝበሉ ኸም ብሓድሽ ንጴጥሮስ፡ “ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። | አሁንም ካደ። ከጥቂት ጊዜ በኋላ ደግሞ በዚያ ቆመው የነበሩት ጴጥሮስን እንደገና “የገሊላ ሰው ስለሆንክ፣ በእርግጥ አንተም ከእነሱ አንዱ ነህ” ይሉት ጀመር። |
55,868 | am_tg | እሱ ግን “ይህን የምትሉትን ሰው አላውቀውም!” ሲል ይምልና ራሱን ይረግም ጀመር። | ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። |
55,869 | tg_am | ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። | እሱ ግን “ይህን የምትሉትን ሰው አላውቀውም!” ሲል ይምልና ራሱን ይረግም ጀመር። |
55,870 | am_tg | ወዲያውኑ ዶሮ ለሁለተኛ ጊዜ ጮኸ፤ ጴጥሮስም “ዶሮ ሁለት ጊዜ ሳይጮኽ ሦስት ጊዜ ትክደኛለህ” ሲል ኢየሱስ የተናገረው ቃል ትዝ አለው። ከዚያም እጅግ አዝኖ ያለቅስ ጀመር። | ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ፣ ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ። ምኽኣል ስኢኑ ኸኣ፡ በኸየ። |
55,871 | tg_am | ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ፣ ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ። ምኽኣል ስኢኑ ኸኣ፡ በኸየ። | ወዲያውኑ ዶሮ ለሁለተኛ ጊዜ ጮኸ፤ ጴጥሮስም “ዶሮ ሁለት ጊዜ ሳይጮኽ ሦስት ጊዜ ትክደኛለህ” ሲል ኢየሱስ የተናገረው ቃል ትዝ አለው። ከዚያም እጅግ አዝኖ ያለቅስ ጀመር። |
55,872 | am_tg | ወዲያውኑ በማለዳ የካህናት አለቆች፣ ሽማግሌዎችና ጸሐፍት ማለትም መላው የሳንሄድሪን ሸንጎ አባላት ተሰብስበው ተማከሩ፤ ኢየሱስንም አስረው በመውሰድ ለጲላጦስ አስረከቡት። | ምስ ወግሐ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን፡ ኰታስ ኵሎም ኣባላት እቲ ዋዕላ ተማኸሩ፣ ንየሱስ ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ ሃብዎ። |
55,873 | tg_am | ምስ ወግሐ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን፡ ኰታስ ኵሎም ኣባላት እቲ ዋዕላ ተማኸሩ፣ ንየሱስ ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ ሃብዎ። | ወዲያውኑ በማለዳ የካህናት አለቆች፣ ሽማግሌዎችና ጸሐፍት ማለትም መላው የሳንሄድሪን ሸንጎ አባላት ተሰብስበው ተማከሩ፤ ኢየሱስንም አስረው በመውሰድ ለጲላጦስ አስረከቡት። |
55,874 | am_tg | ጲላጦስም “አንተ የአይሁዳውያን ንጉሥ ነህ?” ሲል ጠየቀው። እሱም መልሶ “አንተው ራስህ ተናገርከው” አለው። | ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። |
55,875 | tg_am | ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። | ጲላጦስም “አንተ የአይሁዳውያን ንጉሥ ነህ?” ሲል ጠየቀው። እሱም መልሶ “አንተው ራስህ ተናገርከው” አለው። |
55,876 | am_tg | የካህናት አለቆቹ ግን በእሱ ላይ በርካታ ክስ መደርደራቸውን ቀጠሉ። | ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ብብዙሕ ነገር ይኸስስዎ ነበሩ። |
55,877 | tg_am | ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ብብዙሕ ነገር ይኸስስዎ ነበሩ። | የካህናት አለቆቹ ግን በእሱ ላይ በርካታ ክስ መደርደራቸውን ቀጠሉ። |
55,878 | am_tg | በዚህ ጊዜ ጲላጦስ “ምንም መልስ አትሰጥም? በስንት ነገር እየከሰሱህ እንዳሉ ተመልከት” ሲል እንደገና ጠየቀው። | ጲላጦስ ድማ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እንሆ፡ ብኽንደይ ነገር ይኸስሱኻ ኣለዉ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ሓተቶ። |
55,879 | tg_am | ጲላጦስ ድማ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እንሆ፡ ብኽንደይ ነገር ይኸስሱኻ ኣለዉ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ሓተቶ። | በዚህ ጊዜ ጲላጦስ “ምንም መልስ አትሰጥም? በስንት ነገር እየከሰሱህ እንዳሉ ተመልከት” ሲል እንደገና ጠየቀው። |
55,880 | am_tg | ሆኖም ኢየሱስ ምንም ተጨማሪ መልስ አልሰጠም፤ በመሆኑም ጲላጦስ ተገረመ። | የሱስ ግና ደጊም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፣ ጲላጦስ ድማ ተገረመ። |
55,881 | tg_am | የሱስ ግና ደጊም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፣ ጲላጦስ ድማ ተገረመ። | ሆኖም ኢየሱስ ምንም ተጨማሪ መልስ አልሰጠም፤ በመሆኑም ጲላጦስ ተገረመ። |
55,882 | am_tg | ጲላጦስ ሁልጊዜ በዚህ በዓል ወቅት፣ ሕዝቡ ይፈታልን ብለው የጠየቁትን አንድ እስረኛ የመፍታት ልማድ ነበረው። | በብበዓል፡ ሓደ ዝለመንዎ እሱር ይፈትሓሎም ነበረ። |
55,883 | tg_am | በብበዓል፡ ሓደ ዝለመንዎ እሱር ይፈትሓሎም ነበረ። | ጲላጦስ ሁልጊዜ በዚህ በዓል ወቅት፣ ሕዝቡ ይፈታልን ብለው የጠየቁትን አንድ እስረኛ የመፍታት ልማድ ነበረው። |
55,884 | am_tg | በወቅቱ፣ በመንግሥት ላይ ዓመፅ በማነሳሳት ሰው ገድለው ከታሰሩ ዓመፀኞች መካከል በርባን የሚባል ሰው ይገኝ ነበር። | ሽዑ፡ ምስቶም ኣብ ናዕቢ ነፍሲ ዝቐተሉ መናዓብቲ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ። |
55,885 | tg_am | ሽዑ፡ ምስቶም ኣብ ናዕቢ ነፍሲ ዝቐተሉ መናዓብቲ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ። | በወቅቱ፣ በመንግሥት ላይ ዓመፅ በማነሳሳት ሰው ገድለው ከታሰሩ ዓመፀኞች መካከል በርባን የሚባል ሰው ይገኝ ነበር። |
55,886 | am_tg | ሕዝቡም መጥተው ጲላጦስ እንደ ልማዱ ያደርግላቸው ዘንድ ይጠይቁት ጀመር። | እቶም ህዝቢ ኸኣ ደዪቦም፡ ከምቲ ዘልመዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። |
55,887 | tg_am | እቶም ህዝቢ ኸኣ ደዪቦም፡ ከምቲ ዘልመዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። | ሕዝቡም መጥተው ጲላጦስ እንደ ልማዱ ያደርግላቸው ዘንድ ይጠይቁት ጀመር። |
55,888 | am_tg | እሱም መልሶ “የአይሁዳውያንን ንጉሥ እንድፈታላችሁ ትፈልጋላችሁ?” አላቸው። | ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። |
55,889 | tg_am | ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። | እሱም መልሶ “የአይሁዳውያንን ንጉሥ እንድፈታላችሁ ትፈልጋላችሁ?” አላቸው። |
55,890 | am_tg | ጲላጦስ ይህን ያለው የካህናት አለቆች አሳልፈው የሰጡት በቅናት ተነሳስተው እንደሆነ ያውቅ ስለነበር ነው። | ከመይሲ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ፡ ጲላጦስ ፈሊጡ ነበረ። |
55,891 | tg_am | ከመይሲ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ፡ ጲላጦስ ፈሊጡ ነበረ። | ጲላጦስ ይህን ያለው የካህናት አለቆች አሳልፈው የሰጡት በቅናት ተነሳስተው እንደሆነ ያውቅ ስለነበር ነው። |
55,892 | am_tg | ይሁንና የካህናት አለቆቹ በኢየሱስ ምትክ በርባንን ይፈታላቸው ዘንድ እንዲጠይቁ ሕዝቡን አነሳሱ። | ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ክንዳኡ ንበርባን ምእንቲ ኺፈትሓሎም ኪልምኑ ኣለዓዓልዎም። |
55,893 | tg_am | ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ክንዳኡ ንበርባን ምእንቲ ኺፈትሓሎም ኪልምኑ ኣለዓዓልዎም። | ይሁንና የካህናት አለቆቹ በኢየሱስ ምትክ በርባንን ይፈታላቸው ዘንድ እንዲጠይቁ ሕዝቡን አነሳሱ። |
55,894 | am_tg | ጲላጦስም እንደገና መልሶ “እንግዲያው የአይሁዳውያን ንጉሥ የምትሉትን ምን ባደርገው ይሻላል?” አላቸው። | ጲላጦስ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። |
55,895 | tg_am | ጲላጦስ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። | ጲላጦስም እንደገና መልሶ “እንግዲያው የአይሁዳውያን ንጉሥ የምትሉትን ምን ባደርገው ይሻላል?” አላቸው። |
55,896 | am_tg | እነሱም “ይሰቀል!” ብለው እንደገና ጮኹ። | ንሳቶም፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። |
55,897 | tg_am | ንሳቶም፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። | እነሱም “ይሰቀል!” ብለው እንደገና ጮኹ። |
55,898 | am_tg | ሆኖም ጲላጦስ “ለምን? ምን ያጠፋው ነገር አለ?” አላቸው። እነሱ ግን “ይሰቀል!” እያሉ የባሰ ጮኹ። | ጲላጦስ ከኣ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ብዝያዳ ጨደሩ። |
55,899 | tg_am | ጲላጦስ ከኣ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ብዝያዳ ጨደሩ። | ሆኖም ጲላጦስ “ለምን? ምን ያጠፋው ነገር አለ?” አላቸው። እነሱ ግን “ይሰቀል!” እያሉ የባሰ ጮኹ። |
Subsets and Splits
No community queries yet
The top public SQL queries from the community will appear here once available.