amh stringlengths 4 246 | tig stringlengths 3 240 |
|---|---|
ደስታው እየጠፋ እንደሆነ፣ የእምነት ባልንጀሮቹን መተቸት እንደጀመረ ወይም ድብቅ እየሆነ እንደመጣ አስተውላችሁ ሊሆን ይችላል። | ምናልባት ሓጐሱ ይጠፍእ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ይነቕፎም፡ ወይ ምስጢራዊ ዀይኑ ይህሉ ይኸውን። |
በቤተሰብህ ፊት እንዲህ ዓይነት ልመና ማቅረብ ሊያሳፍርህ አይገባም። | ስድራ ቤትካ ኸምዚ ዓይነት ጸሎት ክትጽሊ ኸለኻ ኸይሰምዑኻ ኢልካ ኽትስከፍ የብልካን። |
በራስ ያለመተማመን ስሜት ሊያድርብን እንደሚችል ያውቃል። | ክንሻቐል ከለና ወይ ርእሰ ምትእምማን ኪጐድለና ኸሎ ይርድኣልና እዩ። |
በሥራው ዓለም ያሉ በርካታ ሰዎችም በሥራ ቦታቸው ጨርሶ ማበረታቻ እንደማያገኙ በምሬት ይናገራሉ። | ሓያሎ ሰራሕተኛታት ስለ ዘይንኣዱ፡ ኣብ ስራሕ ምትብባዕ ዚብሃል ከም ዘየለ ይዛረቡ እዮም። |
በመሆኑም ቅድሚያውን ወስደን ሞቅ አድርገን ልንቀበላቸውና ልባዊ አሳቢነት ልናሳያቸው ይገባል። | ስለዚ፡ ብተበግሶና ፍቕርን ተገዳስነትን ከነርእዮም ኣሎና። |
አምላክ የሰጣቸው እነዚህ ተስፋዎች በጥቅሉ ለሰው ልጆች ሳይሆን በግለሰብ ደረጃ ለአንተ እንደተሰጡ አድርገህ አስብ። | እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓኻ ብውልቂ እውን ከም ዚምልከተካ ጌርካ ርኣዮ። |
የጠበቅነው ነገር አለመሳካቱን እያሰብን የምንብሰለሰል ከሆነ ተስፋ ልንቆርጥ እንችላለን። | ብዛዕባ እቲ ዝጐሃናሉ ነገራት ነስቈርቍር እንተ ዄንና፡ ብቐሊሉ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። |
በተጨማሪም በቅድመ ክርስትና ዘመን እንደኖሩት የይሖዋ አገልጋዮች፣ አምላክ ቃል በገባቸው ነገሮች ላይ ማሰላሰል እንዲሁም የእሱን ትእዛዛት መጠበቅ አለብን። | ድሕሪኡ፡ ከምቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ብዛዕባ ተስፋታት የሆዋ ኣዘውቲርና ኸነስተንትንን ንስርዓታቱ ኽንእዘዞን ኣሎና። |
መጽሐፍ ቅዱስ በአንድ ሰው በአዳም በደል የተነሳ ሞት በአዳም ዘሮች ላይ እንደነገሠ ይናገራል። | መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኣበሳ እቲ ሓደ ሰብ ኣዳም፡ ሞት ኣብ ልዕሊ ዅሎም ዘርኢ ኣዳም ከም ዝነገሰ ይገልጽ እዩ። |
ይሖዋ በልግስና በሰጠን ጸጋ አማካኝነት በፍቅር እንደሚንከባከበን ማወቁ እንዴት ያበረታታል! ኃጢአተኞች በመሆናችን፣ ይሖዋ ባይረዳን ኖሮ ተስፋ አይኖረንም ነበር። | የሆዋ ብጸጋኡ ፍቕራዊ ሓልዮት ዜርእየና ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ሓጥኣን ስለ ዝዀንና፡ የሆዋ እንተ ዘይሕግዘና ነይሩ ተስፋ ኣይምሃለወናን። |
አምላክ ለሩት እንዲህ አድርጎላታል። | ኣምላኽ ንሩት ከምኡ እዩ ገይሩላ። |
አንድ የመንግሥት አዳራሽ ተገንብቶ ከተጠናቀቀ በኋላ ደግሞ የምናመልከውን አምላክ ባሕርያትና ማንነት ይኸውም የሥርዓት አምላክ መሆኑን የሚያንጸባርቅ እንዲሆን በንጽሕና መያዝ አለበት። | ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተሃንጸ፡ ንባህርያት እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ስርዓት ዜንጸባርቕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብጽሬትን ብጽፈትን ክንሕዞ ኣሎና። |
አብርሃም አምላክ ይስሐቅን ከሞት እንኳ ሳይቀር ሊያስነሳው እንደሚችል ተገንዝቦ ነበር። | ኣምላኽ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል እዩ ሓሲቡ። |
በመሆኑም በርካታ የመጽሐፍ ቅዱስ ተማሪዎች የነበሩበትን ቤተ ክርስቲያን መልቀቃቸውን የሚገልጽ ደብዳቤ አዘጋጁ። | ስለዚ፡ ብዙሓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣብያተ ክርስትያኖም ከም ዝወጹ ዚገልጽ ደብዳበ ኣዳለዉ። |
ጳውሎስ ከኋላዬ ያሉትን ነገሮች እየረሳሁ ከፊቴ ወዳሉት ነገሮች እንጠራራለሁ፤ . . . የሰማያዊውን ሕይወት ሽልማት አገኝ ዘንድ ግቡ ላይ ለመድረስ እየተጣጣርኩ ነው በማለት ጽፏል። | ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሸቶ ኣቢለ እግስግስ ኣለኹ ኢሉ ጸሓፈ። |
ከአንደኛው የዓለም ጦርነት በፊት በነበሩት አሥርተ ዓመታት ቻርልስ ቴዝ ራስልና ተባባሪዎቹ፣ የሕዝበ ክርስትና ድርጅቶች የመጽሐፍ ቅዱስን እውነት እንደማያስተምሩ ተገንዝበው ነበር። | ቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ሓያሎ ዓመታት ይገብር፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ውድባት ህዝበ ክርስትያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ይምህራ ኸም ዘየለዋ ፈለጡ። |
በተመሳሳይ አንተም ትጋት የተሞላበት የግል ጥናት ማድረግህ ለሚቀርቡልህ ጥያቄዎች መልስ እንድትሰጥ፣ ማንኛውንም ጥርጣሬ እንድታስወግድ እንዲሁም እምነትህን እንድታጠናክር ሊረዳህ ይችላል። | ብተመሳሳሊ፡ ንስኻ እውን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብትግሃት ምስ እትገብር፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትረኽበሉ፡ ጥርጣረታትካ ኸተወግድ፡ እምነትካ ድማ ከተድልድል ኢኻ። |
ይሁንና እኛም ሆንን ወንድሞቻችን ፍጽምና ይጎድለናል። | ንሕና ዀንና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይጹማት ምዃንና ንፈልጥ ኢና። |
የመጽሐፍ ቅዱስ ባለቤት የሆነው ይሖዋ አምላክ፣ ጸሐፊዎቹ ስሙን በተደጋጋሚ ጊዜያት እንዲጠቀሙበት በመንፈሱ መርቷቸዋል። | እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንጸሓፍቱ፡ ንስሙ ብብዝሒ ኺጥቀሙሉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። |
እኛ ወደምንኖርበት አገር በቅርቡ የመጡ የሌላ አገር ሰዎች አንዳንድ ጊዜ ዓይናፋርነት እንደሚታይባቸውና ከሌሎች ጋር መቀላቀል እንደሚከብዳቸው አስተውለን ይሆናል። | ኣብ ዓዲ ስደት ዚነብሩ ሓደስቲ ሰባት፡ ሓፋራትን ምስ ሰብ ዘይሕወሱን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። |
ይቅር ማለታችን የደረሰብንን በደል ባያስቀረውም በወደፊት ሕይወታችን ላይ በጎ ተጽዕኖ እንደሚያሳድር ጥርጥር የለውም። | ይቕረ ምባል ንሕሉፍ ከም ዘይቅይሮ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንመጻኢ ግና ብርግጽ ናብ ጽቡቕ ይቕይሮ እዩ። |
እንዲህ በማድረጋቸውና አምላካዊ ባሕርያትን በማንጸባረቃቸው መጥፎ ስም ይሰጣቸው እንዲሁም ስደት ይደርስባቸው ነበር። | በዚ ምኽንያት እዝን ብምኽንያት እቲ ንኣምላኽ ዜኽብር ጠባዮምን፡ ካልኦት ሰባት የካፍእዎምን መስጐጕቲ የውርዱሎምን ነበሩ። |
ኃጢአት ስንሠራ ይሖዋ ይቅር እንዲለን መለመን እንችላለን። | ኣብ ሓጢኣት ክንወድቕ ከለና፡ ይቕረ ምእንቲ ኺብለልና ንየሆዋ ንሓትቶ ኢና። |
በዚህ ምሳሌያዊ አገላለጽ ላይ እንደተጠቀሱት አሥር ሰዎች ሁሉ ምድራዊ ተስፋ ያላቸው ክርስቲያኖችም የአንድን አይሁዳዊ ልብስ አጥብቀው ይዘዋል። | እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ከምቶም ምሳልያውያን ዓሰርተ ሰብ፡ ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ሒዞም ኣለዉ። |
ምክንያቱም ከዚህ ይበልጥ ትልቅ ቦታ ልንሰጠው የሚገባ መንፈሳዊ ፍላጎት አለን። | ከመይሲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ኣሎ። |
ብዙ ሰዎች እኛን የሚመዝኑን ውጫዊ ገጽታችንን ተመልክተው ነው። | ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዘሎ ርእዮም፡ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ርእይቶ ይህልዎም እዩ። |
ጴጥሮስ ከዚህ ምክር ጥቅም እንዳገኘ ግልጽ ነው። | ጴጥሮስ ከኣ ካብዚ ተማሂሩ እዩ። |
የአምላክ ስምና የስሙ መቀደስ ትልቅ ቦታ የሚሰጠው ጉዳይ እንደሆነ የሚያሳዩ ብዙ የመጽሐፍ ቅዱስ ጥቅሶች አሉ። | ኣብ ሓያሎ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽን ነቲ ስም ምቕዳሱን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ጐሊሑ ኣሎ። |
እርግጥ ነው፣ አንዳንድ ጊዜ ፈተናውን መቋቋም የማንችልበት ደረጃ ላይ እንደደረስን ይሰማን ይሆናል። | ሓቂ እዩ፡ ሓድሓድ እዋን፡ እቲ ጸገማትና ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። |
ኢየሱስ በሰማይ የሚኖረው አባታችን የሚያስፈልገንን ነገር እንደሚያውቅ ተናግሯል። | ኣቦ ብሓቂ ዜድልዮም ነገር ከም ዚፈልጥ ገሊጹ እዩ። |
በተጨማሪም ይሖዋ ለደግነታችን ወሮታውን እንደሚከፍለን ቃል ገብቷል። | ስለቲ ዘርኣናዮ ለውሃት ዓስብና ኸም ዚህበና ድማ ቃል ኣትዩ ኣሎ። |
ኢዮስያስ አምላክን የሚያስደስተውን ነገር በቅንዓት አከናውኗል። | ዮስያስ ብቕንኣት ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ዘበለ ገይሩ እዩ። |
ክርስቲያኖች ከገለልተኝነት ጋር የተያያዘ ጉዳይ ሲነሳ ተገቢውን ምላሽ ለመስጠት አእምሯቸውንና ሕሊናቸውን ማሠልጠን ይኖርባቸዋል። | ክርስትያናት ምስ ገለልትነት ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪልዓል ከሎ ግቡእ መልሲ ምእንቲ ኺህቡ፡ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ኬሰልጥኑ ኣለዎም። |
ባለትዳሮች እርስ በርስ በመተባበር ለይሖዋ ውዳሴ ለማምጣት ምን ማድረግ ይችላሉ? | ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ንምውዳስ ብኸመይ ኪተሓባባሩ ይኽእሉ፧ |
ኢየሱስ አገልግሎቱን ለማከናወን ያለው ጊዜ ውስን ነበር። | የሱስ ንኣገልግሎቱ ንምፍጻም ውሱን ግዜ እዩ ነይርዎ። |
ደቀ መዛሙርቱ ፍጹም ባይሆኑም እንኳ በእነሱ ላይ ይተማመን ስለነበር ከእሱ የሚበልጥ ሥራ እንደሚያከናውኑ ነግሯቸዋል። | ደቀ መዛሙርቱ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ፡ ብኣታቶም ይተኣማመን ነበረ፡ ካብ ዝገበሮ ዝዓቢ ግብርታት ከም ዚገብሩ እውን ነገሮም። |
ደስ የሚለው ግን የኃጢአት ተገዢዎች ወይም ባሪያዎች ላለመሆን መምረጥ እንችላለን። | እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ድሕሪ ደጊም ብሓጢኣት ከይንግዛእ ወይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓጢኣት ከይንኸውን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። |
ውሳኔ ማድረግ የእያንዳንዳችን ኃላፊነት ነው፤ በተጨማሪም ጥበብ የሚንጸባረቅበትና ትክክለኛ ውሳኔ ማድረግ የምንችለው ቅዱስ ጽሑፋዊ እውቀት ሲኖረን ነው። | ነፍሲ ወከፍና ብርእስና ውሳነ ኽንገብር ኣሎና፣ ቅኑዕ ኣብ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ተመስሪትና ድማ ኢና ጥበባውን ቅኑዕን ምርጫ ኽንመርጽ እንኽእል። |
በጥቅሱ ዙሪያ ካለው ሐሳብ መረዳት እንደምንችለው ዳዊት ይሖዋን የጠየቀው፣ ለተቸገረ ሰው አሳቢነት ለሚያሳይ ግለሰብ የሚያደርገውን ነገር ለእሱም እንዲያደርግለት ነው። | ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከም እንርእዮ፡ የሆዋ ኸምቲ ንድኻ ንዚሓሊ ሰብ ዚገብረሉ፡ ዳዊት እውን ከምኡ ኺገብረሉ እዩ ደልዩ። |
ሽማግሌዎችም ጊዜ ወስደው ምርምር ማድረግ አለባቸው። | ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት እውን ግዜ መዲቦም መጽናዕቲ ኺገብሩ ኣለዎም። |
ምርምር ልታደርጉባቸው ከምትችሏቸው ትኩረት የሚስቡ ትንቢቶች አንዱ ላይ ይገኛል። | ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ማራኺ ትንቢት ኣሎ። |
እንዲያውም በአንድ ወቅት በአካባቢው ያሉ የተወሰኑ ቀሳውስትን ሰብስቦ አወያይቷቸው ነበር፤ ይህን ያደረገው እነዚህ ሰዎች፣ እሱና ተባባሪዎቹ ከመጽሐፍ ቅዱስ ያገኟቸውን እውነቶች እንደሚቀበሉና ለጉባኤዎቻቸው አባላት እንደሚያስተምሩ ተስፋ አድርጎ ነው። | ሓደ ግዜ፡ ነቲ ንሱን ብጾቱን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብዎ ሓቅታት ተቐቢሎም ንምእመናኖም እንተ መሃሩ ኢሉ ድማ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ኣቕሽሽቲ ኣኼባ ገበረ። |
እንደ ጥንቶቹ ክርስቲያኖች ሁሉ በይሖዋ ላይ ጠንካራ እምነት እናዳብራለን፤ እንዲሁም በማንኛውም ሁኔታ ውስጥ በድፍረት መናገር እንችላለን። | ከመይሲ፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእማንን ኣብ ኵሉ ዅነታት ብትብዓት ምዝራብን ንምሃር ኢና። |
ኢየሱስ ስለ አምላክ መንግሥት መናገር ያስደስተው ነበር። | የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ። |
የሰዎችን ልብ መማረክ የምንችለው ጉራ በመንዛት ወይም አላስፈላጊ ትኩረት ወደ ራሳችን በመሳብ ሳይሆን የሰከነና ገር መንፈስ በማሳየት እንደሆነ እንገነዘባለን። | ኣብ ልቢ ሰባት ክንኣቱ እንኽእል፡ ብጃህራ ወይ ዘይግቡእ ትዅረት ናብ ርእስና ብምስሓብ ዘይኰነስ፡ ብህዱእን ልኡምን መንፈስ እዩ። |
የይሖዋ ምሥክር ያልሆኑ ሰዎች ለአገራቸው፣ ለዘራቸው ወይም ለባሕላቸው አልፎ ተርፎም ለብሔራዊ የስፖርት ቡድናቸው ልዩ ታማኝነት ማሳየት እንዳለባቸው ይሰማቸው ይሆናል። | ከማና ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት፡ ንሃገሮም፡ ንዓሌቶም፡ ንባህሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንሃገራዊት ጋንታ ስፖርት ኣዝዮም እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። |
ለምሳሌ በ2014 የአገልግሎት ዓመት ከ275,500 የሚበልጡ ሰዎች ተጠምቀው የይሖዋ ምሥክሮች ሆነዋል፤ ይህም በአማካይ በየሳምንቱ 5,300 የሚያህሉ ሰዎች ይጠመቃሉ ማለት ነው። | ንኣብነት፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2014 ልዕሊ 275,500 ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠሚቖም እዮም፣ እዚ ድማ፡ ኣብ ሰሰሙን ብገምጋም ኣስታት 5,300 ተጠሚቖም ማለት እዩ። |
ፈተና ሲያጋጥመን ንጹሕ አቋማችንን ለመጠበቅ እንዲረዳን አምላክን አዘውትረን እንለምነዋለን? | ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ንጽህናና ንኽንሕሉ ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ንኣምላኽ ኣዘውቲርና ንልምኖ ዲና፧ |
ወደ ፈተና የሚያስገባን አምላክ አይደለም። | ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ፈተና ኣየእትወናን እዩ። |
ይህን ያደረገው ለሰዎች ስለሚያስብና ለጋስ የሆነውን በሰማይ ያለውን አባቱን ምሳሌ ስለተከተለ ነው። | ነቲ ተኣምር ዝፈጸሞ ንሰባት ይሓልየሎም ስለ ዝነበረን ለጋስ ብምዃን ንሰማያዊ ኣቦኡ ኺመስሎ ስለ ዝደለየን እዩ። |
ታዲያ አመለካከታቸው የተለወጠው ለምንድን ነው? | ኣተሓሳስባኦም እተለወጠ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ |
በወጣትነት ዕድሜህ ያለህበት ሁኔታ ለየት ያለ ሊሆን ስለሚችል ነው። | ምኽንያቱ፡ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። |
በትዳራቸው ውስጥ ከባድ ችግር ያጋጠማቸው ባለትዳሮች፣ ሽማግሌዎች እንዲረዷቸው መጠየቅ አለባቸው። | ከቢድ ጸገማት ዘለዎም ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደልዩ ኣለዎም። |
ከዚህም ሌላ በጥንታዊ የቅዱሳን መጻሕፍት ቅጂዎች ላይ በተደረገ ተጨማሪ ጥናት ምክንያት ላይ የአምላክ ስም እንዲገባ ተደርጓል። | ብተወሳኺ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ፡ ኣብ ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ ኣሎ። |
በቅድመ ክርስትና ዘመን የነበሩ የአምላክ ምሥክሮች እምነታቸው ምንጊዜም ጠንካራ እንዲሆን የረዳቸው ሌላው ነገር ደግሞ ጸሎት ነው። | ጸሎት እውን ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር እምነቶም ኬደልድሉ ብዙሕ ሓጊዝዎም እዩ። |
ይሖዋ አንዳንድ ጊዜ ለምንጠይቀው ነገር አፋጣኝ ምላሽ የማይሰጠን ለምንድን ነው? | የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ልመናና ብኡብኡ ምላሽ ዘይህበሉ ስለምንታይ እዩ፧ |
ታላቁ መከራ ከመጀመሩ በፊት አሁንም እንኳ ጠንካራ የወንድማማች ፍቅር ማዳበር ያስፈልገናል። | ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ገና ቕድሚ ምጅማሩ፡ ሓያል ሕውነታዊት ፍቕሪ ተድልየና እያ። |
ኢየሱስ የመጀመሪያ ተአምሩን የፈጸመው በገሊላ በምትገኘው በቃና በተከናወነ የሠርግ ድግስ ላይ ነው። | የሱስ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ተኣምር፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ እተገብረ መርዓ እዩ። |
የመስክ አገልግሎት ስምሪት ስብሰባ ካደረግን በኋላ የመንግሥቱን መልእክት ለሰው ሁሉ ለመስበክ እንወጣለን። | ንኣገልግሎት ወፍሪ ድሕሪ ምእካብና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ንምንጋር ንኸይድ ኢና። |
በጣም ታማኝ የሆነ የአምላክ አገልጋይም እንኳ ይሖዋ በክርስቶስ በኩል ያሳየን ጸጋ የግድ ያስፈልገዋል። | ልዕሊ ዅሉ እሙን ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዚግለጽ ጸጋ የሆዋ የድልዮ እዩ። |
ጥሩ ውሳኔ ማድረግ ከአምላክ ጋር ያለንን ዝምድና እንደሚያጠናክረው ሁሉ መጥፎ ውሳኔ ማድረግም ከይሖዋ ጋር ያለንን ዝምድና ያበላሸዋል። | ጽቡቕ ውሳነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ የድልድሎ፡ ሕማቕ ውሳነ ግና የበላሽዎ እዩ። |
አብርሃም ምን ማለቱ ነበር? | ኣብርሃም እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ |
ክርስቲያኖች ከእምነት ባልንጀራቸው ጋር በትዳር ሲጣመሩ፣ ራሱን ለይሖዋ የወሰነና ንጹሕ አቋማቸውን ጠብቀው እንዲመላለሱ የሚያግዛቸው አጋር ያገኛሉ። | ክርስትያናት ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ እንተ ተመርዕዮም፡ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየን ንጽህናኦም ምእንቲ ኺሕልዉ ኺሕግዞም ዚኽእልን መጻምድቲ እዮም ዚረኽቡ። |
ልክ እንደ ኖኅ፣ እኛም የጌታ ሥራ የበዛልን ለመሆን ከፍተኛ ጥረት እናደርጋለን። | ንሕና እውን ከም ኖህ፡ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ኺህልወና ኢና እንጽዕር። |
በየትኛውም ጊዜ በምድር ላይ የኖሩ የአምላክ አገልጋዮች፣ አምላክ ቃል ስለገባቸው ነገሮች ፍጻሜ በማሰባቸው ተጠቅመዋል። | ጥንቲ ዀነ ሎሚ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተስፋታት ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ዅነታት ይሓስቡ እዮም። |
ሌሎችን ይቅር የምንል ከሆነ ይሖዋም ይቅር ይለናል። | ንኻልኦት ይቕረ ንብለሎም እንተ ዄንና፡ የሆዋ እውን ይቕረ ኺብለልና እዩ። |
ምሥራቹን ከምናዳርስባቸው ግሩም መንገዶች አንዱ የአደባባይ ምሥክርነት ነው። | ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት፡ ብስራት ክንዝርግሓሉ እንኽእል ሓደ ብሉጽ ሜላ እዩ። |
ብዙ ሰዎች ለመዝናናት ብለው የሚያዩአቸው ወይም የሚፈጽሟቸው ነገሮች መጽሐፍ ቅዱስ ዓመፅ፣ የፆታ ብልግና፣ መናፍስትነት ወይም ርኩሰት እንደሆኑ የሚገልጻቸው ድርጊቶች ናቸው። | ብዙሓት ሰባት ንምዝንጋዕ ኢሎም ዚርእይዎ ወይ ዚገብርዎ ነገራት፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዓመጻ፡ ርኽሰት፡ መናፍስትነት፡ ወይ እከይ ገይሩ ዚቘጽሮ ተግባራት እዩ። |
የአምላክን መንግሥት ምሥራች እንድንሰብክ የተሰጠንን ትእዛዝ በመፈጸም ለባልንጀራችን እንዲህ ዓይነት ፍቅር እንዳለን እናሳያለን። | ንብጾትና ኸም እነፍቅር ከነርእየሉ እንኽእል መገዲ ድማ፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ብምፍጻም እዩ። |
ልክ እንደ ኢየሱስ ሁሉ ለእነሱም ይህ ዕድሜ በመንፈሳዊ እድገት የሚያደርጉበት አስደሳች ጊዜ ሊሆንላቸው ይችላል። | ከምቲ የሱስ ብንእስነቱ ዝነበሮ፡ እዋን ንእስነት ዜዕግብ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩሉ እዋን ኰይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። |
ኢየሱስ ከመሞቱ ጥቂት ቀደም ብሎ ደቀ መዛሙርቱን የዚህ ዓለም ገዢ ስለሆነው ስለ ዲያብሎስ ሦስት ጊዜ አስጠንቅቋቸዋል። | የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሰለስተ ሳዕ ኣጠንቂቕዎም እዩ። |
በዚህ ወቅት ለመስክ አገልግሎት ልምምድ ማድረግ ሁሉም የቤተሰቡ አባላት ውጤታማ በሆነ መንገድ ለመስበክ የታጠቁ እንዲሆኑ ይረዳቸዋል። | ኣባላት ስድራ ቤት ንኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ዚለማመዱ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምስባኽ ብዝሓሸ ኺዕጠቑ ይኽእሉ እዮም። |
አምላክ በገባልን በዚህ ቃል ላይ ያለን እምነት ለይሖዋ ያለን ፍቅር ምን ያህል ጥልቀት እንዳለው ያሳያል፤ ምክንያቱም ፍቅርና እምነት የማይነጣጠሉ ነገሮች ናቸው። | ፍቕርን እምንቶን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ዚኸዳ ባህርያት ስለ ዝዀና፡ መጠን እቲ ኣብዚ ተስፋ እዚ ዘሎና እምንቶ ዕምቈት እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። |
እነዚህ ወጣቶች በአምላክ ኃይል ላይ እምነት ስለነበራቸው የአንበሶችን አፍ ዘግተዋል እንዲሁም የእሳትን ኃይል አጥፍተዋል ሊባልላቸው ችሏል። | የግዳስ፡ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት፡ ኣፍ ኣናብስ ኪዓጽዉን ንሓይሊ ሓዊ ኼጥፍኡን ኣኽኢላቶም እያ። |
አንድ አዲስ ኃላፊነት ከመቀበላችን በፊት በጸሎት በመታገዝ ያለንበትን ሁኔታ በሐቀኝነት መመርመራችን አቅማችንን ያላገናዘበ ነገር ከማድረግ እንድንቆጠብ ይረዳናል። | ሓድሽ ሓላፍነት ክንቅበል ከለና፡ ንዅነታትና ብጸሎትን ብቕንዕናን ምምርማርና፡ ልዕሊ ዓቕምና ኸይንመጣጠር ይሕግዘና። |
አምላክ ቃል በገባልን አዲስ ዓለም ደፍ ላይ ነን። | ኣብ ድርኵዂት እታ ኣምላኽ ዘተስፈወና ሓዳስ ዓለም ኢና እንርከብ ዘለና። |
ነገር ግን አምላክ እንደሚረዳን እርግጠኛ በመሆን አመራሩን መጠየቅ እንችላለን። | ግናኸ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክንሓትት ንኽእል ኢና። |
አንዳንዶቹ የየዋሆችን ልብ እያታለሉ ነበር። | ገሊኣቶም ከኣ ገርህታት የስሕቱ ነይሮም እዮም። |
ከአምላክ ሉዓላዊነት ጋር በተያያዘ የተነሳው ጥያቄ መልስ ስላላገኘ ፈታኙ በዚህ ዓለም ተጠቅሞ እንዲፈትነን ይሖዋ ፈቅዶለታል። | እቲ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚምልከት ጕዳይ ሕጂ እውን ይቕጽል ስለ ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ ፈታኒ፡ በዛ ዓለም ተጠቒሙ ኺፍትነና ፈቒዱሉ እዩ። |
ውስጣዊ ሰላም ካለን ከቤተሰባችንም ሆነ ከጉባኤያችን አባላት ጋር ሰላማዊ ግንኙነት እንዲኖረን ጥረት እናደርጋለን። | ሓደ ኻብቲ ውሽጣዊ ሰላም ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ፡ ምስ ስድራ ቤትናን ምስ ጉባኤናን ሰላም ክንገብር ምጽዓር እዩ። |
ይሖዋ የፍትሕ አምላክ ነውና። | የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ። |
ለሌሎች ፍቅርና ምሕረት የማናሳይ ከሆነ አምላክ ሊወደን ወይም ይቅር ሊለን አይችልም። | ንኻልኦት ዘይነፍቅርን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና፡ ካብ ኣምላኽ ፍቕርን ይቕረታን ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። |
እንደ ኤልያስ ያሉ ሌሎች ደግሞ በየበረሃው፣ በየተራራው፣ በየዋሻውና በምድር ውስጥ ባሉ ጉድጓዶች ተቅበዝብዘዋል። | ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ድማ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም እዮም። |
ኢሳይያስ ስለ ይሖዋ ሲናገር ሙሉ በሙሉ በአንተ የሚመኩትን ትጠብቃለህ፤ በአንተ ስለሚታመኑ ዘላቂ ሰላም ትሰጣቸዋለህ ብሎ ነበር፤ ይህ ትንቢት በኢሳይያስ ዘመን ፍጻሜውን ያገኘ ሲሆን በዘመናችንም በላቀ ሁኔታ እየተፈጸመ ነው። | ኢሳይያስ፡ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ዚጽግዑ፡ ክትሕልዎም ኢኻ፣ ብኣኻ ስለ እተኣመኑ፡ ቀጻሊ ሰላም ክትህቦም ኢኻ ብምባል ኣብ ግዜኡ ፍጻመኡ ብዛዕባ ዝረኸበ፡ ሕጂ ግና ዝዓበየ ፍጻመ ብዛዕባ ዚረክብ ዘሎ ነገር ጽሒፉ ኣሎ። |
የይሖዋን ቦታ ሊይዙብን የሚችሉት ነገሮች ምንድን ናቸው? | እዚ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ |
ከዚህ ይልቅ ይሖዋ ታዛዥ ለሆኑ የሰው ልጆች የዘላለም ሕይወት ለመስጠት በኢየሱስ በኩል ያደረገውን ዝግጅት ያመለክታል፤ በእርግጥም ይህ በጉጉት የምንጠብቀው ነገር ነው። | ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት፣ እዚ ኸኣ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ነገር እዩ። |
የጽድቅ ሰባኪ የነበረው ኖኅ፣ አምላክ የማስጠንቀቂያ መልእክት እንዲያውጅ የሰጠውን ሥራ በታማኝነት አከናውኗል። | ኖህ ነቲ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ብተኣማንነት ብምእዋጅ፡ ሰባኽ ጽድቂ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። |
ታዲያ አመቺ አጋጣሚዎችን ተጠቅመን፣ ሌሎችን እንድንወዳቸውና እንድናደንቃቸው የሚያደርጉንን ምክንያቶች እንነግራቸዋለን? | ዚምሽእ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንኻልኦት ስለምንታይ ከም እነፍቅሮምን ከም እነድንቖምን ንዛረቦም ዲና፧ |
አምላክ፣ ሕይወት ያላቸውን የተለያዩ ነገሮች ለመፍጠር ዝግመተ ለውጥን እንደተጠቀመ ይሰማቸዋል። | ኣምላኽ ብመስርሕ ፍልቀት ገይሩ በብዓይነቱ ህይወት ከም ዝፈጠረ ይኣምኑ እዮም። |
ግባችን ከከባድ ኃጢአቶችም ሆነ ቀለል ተደርገው ከሚታዩ መጥፎ ድርጊቶች መራቅ ነው። | ከቢድ ኰነ ቀሊል ካብ ዚብሃል ሓጢኣት ክንርሕቕ ሸቶ ኽንገብር ኣሎና። |
የሰዎች ባሕልና ሃይማኖት ከቦታ ቦታ የሚለያይ በመሆኑ ለመናገር ተገቢ የሆነውን ጊዜ ስንመርጥ አስተዋዮች መሆን አለብን። | ባህልታትን ሃይማኖታዊ እምነታትን ብዙሕ ስለ ዚፈላለ፡ ንምዝራብ ግቡእ ግዜ ብዛዕባ ምምራጽ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና። |
ከዚህም ሌላ አምላክን ከልባቸው የሚፈልጉ ሁሉ የአእምሮ ሰላም፣ እርካታና ደስታ ስላላቸው ወደር የሌለው ሽልማት እያገኙ ነው። | ብዘይካዚ፡ ነቶም ብትግሃት ዚደልይዎ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣእምሮኣዊ ሰላምን ዕግበትን ሓጐስን ይህቦም እዩ። |
ከእነዚህ ፍላጎቶች መካከል ተስማሚ መኖሪያ፣ ቤተሰባችንን ለማስተዳደር የሚያስችለን ሥራ እንዲሁም የጤና ችግሮችን ለመወጣት የሚረዳን ጥበብ ይገኙበታል። | እንነብረሉ ቤት ኪህልወናን ስድራ ቤትና ንምእላይ ዜድልየና ስራሕ ክንረክብን ምስ ጉዳይ ጥዕና ዚተሓሓዝ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብርን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። |
ለይሖዋና ለመንግሥቱ ያለንን ታማኝነት ለሌላ ለማንኛውም ነገር ካለን ፍቅር እናስበልጣለን። | ከመይሲ፡ ንየሆዋን ንመንግስቱን እሙን ምዃን፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንላዕሊ የገድሰና እዩ። |
ይሖዋ እነዚህን ሁሉ ጸሎቶች የሚሰማ ከመሆኑም ሌላ በዚያው ቅጽበት ለመላእክት መመሪያ ይሰጣል እንዲሁም ከእነሱ ጋር ይነጋገራል። | ንሱ ድማ ነዚ ዅሉ ጸሎት እዚ ይሰምዖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ መምርሒ ኺህብን ምስ ሰማያውያን ፍጡራቱ ሓሳብ ኪላዋወጥን ይኽእል እዩ። |
ለምሳሌ ያህል፣ ልዩ መብት እንዳለን፣ አንዳንድ ሚስጥሮችን እንደምናውቅ ወይም ኃላፊነት ካላቸው ወንድሞች ጋር የተለየ ቅርርብ እንዳለን ጠቆም እናደርግ ይሆናል። | ንኣብነት፡ ፍሉይ መሰላት ከም ዘሎና፡ ምስጢራት ከም እንፈልጥ፡ ወይ ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ኣሕዋት ፍሉይ ርክብ ከም ዘሎና ዚእምት ሓሳባት ንዛረብ ንኸውን። |
እንደ አንድ አካል ተገጣጥመንና እርስ በርስ ተስማምተን የምንሠራ ከሆነ ብቻ ነው። | ከም ሓደ ሰብነት ንገጣጠምን ንዋደድን፡ ማለት ንተሓባበር እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ኣስልጦ ኽንረክብ እንኽእል። |
ይሁን እንጂ ኢየሱስ፣ ጴጥሮስ የተናገረው ነገር የተሳሳተ አመለካከት እንዳለው የሚጠቁም መሆኑን አስተውሏል። | የሱስ ግና እቲ ጴጥሮስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዜንጸባርቕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። |
ወንድሞቻችንን እንድናደንቅ የሚያደርግ ነገር ካስተዋልን ይህን ከማድረግ ወደኋላ የምንልበት ምን ምክንያት አለ? | ሓደ ሰብ ዜንእድ ነገር ኪገብር እንተ ርኢና ንንኣዶ። |
ኢዮብ ሞትን እስኪመኝ ድረስ በጠና ታሞ የነበረ ቢሆንም አምላክ ፈውሶታል! አምላክ የታመመን ሰው የመፈወስ ኃይል እንዳለው ጥርጥር የለውም። | እዮብ ሞት ክሳዕ ዚምነ ምስ ሓመመ፡ ኣምላኽ ኣሕውይዎ እዩ! እወ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ ንሕሙም ንምሕዋይ ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። |
Subsets and Splits
No community queries yet
The top public SQL queries from the community will appear here once available.