tr { amh
stringlengths
4
246
tig
stringlengths
3
240
ኃላፊነት ያለው አንድ ሰው ተገቢ ያልሆነ ነገር ሲፈጽምብን ለአምላክ ያለን ታማኝነት ሊፈተን ይችላል።
ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብጌጋ ምስ ዚፈርደና፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ይፍተን እዩ።
ከሁሉም በላይ በመንፈሳዊ ነገሮች ላይ በየዕለቱ ማሰላሰላችን አእምሯችንን ድንቅ አድርጎ ለፈጠረው አምላክ ክብር ያመጣል፤ እሱም በአሁኑ ጊዜ ደስተኛ እንድንሆን ያደርገናል፤ ወደፊት ደግሞ ጽድቅ በሰፈነበት አዲስ ዓለም ውስጥ የዘላለም ሕይወት በመስጠት ይባርከናል።
ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት በብመዓልቱ ምስትንታን ንፈጣሪ እቲ ዜደንቕ ኣእምሮና ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ፣ ንሱ ኸኣ፡ ሕጂ ሓጐስ፡ ኣብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ።
መከራ ሲደርስበት አልዛተም፤ ከዚህ ይልቅ በጽድቅ ለሚፈርደው ለይሖዋ ራሱን በአደራ ሰጥቷል፤ እኛም የኢየሱስን ምሳሌ እንከተላለን።
መከራ ኺጸግብ ከሎ ድማ፡ ነቲ ብጽድቂ ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ኣየፈራርሀን።
ኢየሱስ፣ ደቀ መዛሙርቱን እንዲጠብቃቸው ወደ ይሖዋ ጸልዮአል።
ሓደ እዋን፡ የሱስ ንየሆዋ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሕልዎም ብጸሎት ለሚንዎ እዩ።
እኛም የኢየሱስን ምሳሌ በመከተል፣ የመምረጥ ነፃነታችንን ለይሖዋ ክብር ለማምጣትና የእሱን ፈቃድ ለመፈጸም እንጠቀምበት።
ንሕና እምበኣር ንየሱስ ንምሰሎ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትና እውን ንየሆዋ ንምኽባርን ፍቓዱ ንምግባርን ነውዕሎ! እዚ ግና ብሓቂ ዚከኣል ድዩ፧
ተሞክሮ ያላቸው እነዚህ ወንድሞች፣ ባለትዳሮች በአምላክ ቃል ውስጥ የሚገኘውን ምክር ተግባራዊ እንዲያደርጉ ሊረዷቸው ይችላሉ።
እቶም ምኩራት ኣሕዋት ከኣ ነቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ ንምትግባር ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።
አምላክ ታማኞቹን እንደሚባርክ ብሎም ከቀድሞ ሕይወታቸው እንዲሁም አሁን ካሉበትና ወደፊት ሊያጋጥማቸው ከሚችለው ሁኔታ ጋር በተያያዘ የሚሰማቸውን ጭንቀት ለመቋቋም እንደሚረዳቸው እርግጠኛ ሁን።
ኣምላኽ ንእሙናቱ ዓስቢ ኸም ዚህቦም፡ ንዝሓለፈን ንናይ ሎምን ንናይ መጻእን ጭንቀት ኪዋጽእሉ ድማ ከም ዚሕግዞም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
ሁላችንም ስህተት ስለምንሠራ እኛም ሌሎችን ልንበድል እንደምንችል ማስታወሳችን ጠቃሚ ነው።
ኵላትና ጕድለት ስለ ዘሎና፡ ንኻልኦት ከነጕህዮም ከም እንኽእል ክንዝክር ኣሎና።
እንግዲያው እምነታችንን ማጠናከራችንን እና ለይሖዋ እንደምናደርገው በማሰብ በሙሉ ነፍሳችን ማገልገላችንን እንቀጥል።
ስለዚ፡ ሕጂ እምነትና ነደልድል፡ ንየሆዋ ድማ ብምሉእ ነፍስና ነገልግሎ።
የአምላክን ቃል በማንበብና ባነበብነው ላይ በማሰላሰል ጥበብን፣ ጥልቅ ማስተዋልን፣ እውቀትን፣ የማመዛዘን ችሎታንና ጤናማ አስተሳሰብን ማዳበር እንችላለን።
ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን፡ ጥበብን ልቦናን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምምዝዛንን ልብምናን ከነጥሪ ንኽእል ኢና።
ይስሐቅን መሥዋዕት ሊያደርገው እንደሆነ እያወቀ ከይስሐቅ ጋር እንደሚመለስ ለአገልጋዮቹ ሲናገር እየዋሸ ነበር?
ይስሃቅ ከም ዚስዋእ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ከም ዚምለስ ኪነግሮም ከሎስ፡ ይሕስዎም ድዩ ነይሩ፧
መጽሐፍ ቅዱስ፣ የትዳር ጓደኛ የሚፈልጉ የአምላክ አገልጋዮች በጌታ ብቻ እንዲያገቡ ይኸውም ራሱን ወስኖ የተጠመቀና በመጽሐፍ ቅዱስ መሥፈርቶች የሚመራ የይሖዋ አገልጋይ ብቻ እንዲያገቡ ይመክራል።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም መጻምድቲ ዚደልዩ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብጐይታ ጥራይ ኪምርዓዉ፡ ማለት ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀን ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ተሰማሚዑ ዚነብርን ኣገልጋሊ የሆዋ ኺምርዓዉ እዩ ዚመኽሮም።
በሌላ በኩል ደግሞ ከፍተኛ ትምህርት በመከታተል ታላላቅ ነገሮችን ለማግኘት የምንጥር ከሆነ ዓለምን እንደምንወድ የሚያሳይ ሊሆን ይችላል።
ወይ ከኣ፡ ንዓለም ምፍታው ኪብሃል ከሎ፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ብምክትታልን ብኻልእ መገድን ዓበይቲ ነገራት ክትረክብ ምጽዓር እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።
ኃጢአተኞች ብንሆንም እንኳ ኃጢአት ሕይወታችንን እንዲቆጣጠረው ከመፍቀድ ሌላ አማራጭ እንደሌለን አድርገን ልናስብ አይገባም።
ሓጥኣን እኳ እንተ ዀንና፡ ሓጢኣት ኪቈጻጸረና ግና ክንፈቅድ የብልናን።
ምናልባት ሕሊናው አሁንም ደካማ ሊሆንና ተጨማሪ ሥልጠና ሊያስፈልገው ይችላል፤ አሊያም በአንዳንድ ጉዳዮች ላይ በጣም ጥብቅ ሊሆን ይችላል።
ምናልባት ሕልናኡ ገና ድኹም ስለ ዝዀነ፡ ዝያዳ ስልጠና የድልዮ ይኸውን፡ ወይ እውን ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ተነቃፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ጳውሎስ ወንድሞቹን ኃጢአት ለሰውነታችሁ ምኞት ተገዢ እንድትሆኑ በማድረግ ሟች በሆነው ሰውነታችሁ ላይ መንገሡን እንዲቀጥል አትፍቀዱ በማለት አሳስቧቸዋል።
ጳውሎስ ንኣሕዋቱ፡ ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ።
አንድ የደች ጋዜጣ፣ የአብያተ ክርስቲያናት መሪዎች ባደረጉት ስብሰባ ላይ የነበረውን ሁኔታ አስመልክቶ ሲዘግብ እንዲህ ብሏል፦ አየሩ ሞቃት በመሆኑ የብዙዎቹ አለባበስ በመዝናኛ ቦታ እንደሚታየው ዓይነት ነው።
ሓንቲ ኣብ ነዘርላንድስ እትሕትም ጋዜጣ ብዛዕባ ኣኼባ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ምናዳ ሃሩር ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ዘይምዕሩግ ክዳውንቲ ትርኢ ኢኻ በለት።
እያንዳንዱ ክርስቲያን የመምረጥ ነፃነት ስለተሰጠው፣ ሁለት ክርስቲያኖች ሁልጊዜ ፍጹም አንድ ዓይነት ውሳኔ ያደርጋሉ ብሎ መጠበቅ አይቻልም።
ናይ ምምራጽ ናጽነት ንዅላትና ስለ እተዋህበና፡ ክልተ ክርስትያናት ወትሩ ሕደ ውሳነ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።
በእርግጥም የምናደርጋቸው ውሳኔዎች ለውጥ ያመጣሉ።
እምበኣር፡ ብሕታዊ ውሳነታትና ኣገዳስነት ኣለዎ።
ጳውሎስ በጻፋቸው ደብዳቤዎች ላይ ለእምነት ባልንጀሮቹ ያለውን አድናቆት ገልጿል።
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያን ብጾቱ ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ።
ነቅተን መጠበቅ ያለብን ለምን እንደሆነ እናውቃለን።
ንቑሕ ክትኰነሉ ዘሎካ ምኽንያት ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።
በዘመናችን እንደ ጣዖት የሚመለኩ ብዙ ነገሮች አሉ፤ አንዳንድ ጊዜ ሰዎች እነዚህን ነገሮች እንደ ጣዖት እያመለኳቸው እንዳሉ እንኳ ላይገነዘቡ ይችላሉ።
ሎሚ፡ ኣምልኾ ጣኦት ብዙሕ መልክዕ እዩ ዘለዎ፣ አረ ገሊኡስ ብቐሊሉ ኸተለልዮ እኳ ኣይከኣልን እዩ።
በመጀመሪያው መቶ ዘመን የነበረው የበላይ አካል ለጉባኤዎች በጻፈው ደብዳቤ መጨረሻ ላይ የሰፈረው ይህ የመሰናበቻ ሐሳብ ጠንካራ ሁኑ ተብሎም ሊተረጎም ይችላል።
እታ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ናብ ኵለን ጉባኤታት ዝለኣኻ ደብዳበ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ቓላታ በርትዑ ተባሂሉ እውን ኪትርጐም ይኽእል እዩ።
ይሖዋን ብቻ ማምለክ ከፈለግን በሕይወታችን ውስጥ ለእሱ ብቻ ልንሰጠው የሚገባውን ቦታ ሌላ ነገር እንዲወስደው ሌላው ቀርቶ እንዲጋራው እንኳ ልንፈቅድ አይገባም።
ንየሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ምእንቲ ኽንህቦ፡ ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ጥራይ ክንህቦ ዚግባእ ቦታ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ከይንህቦ ኽንጥቀቕ ኣሎና።
አንድ ሰው አቅሙን ማወቁ በሚያሳየው ባሕርይ ላይ ለውጥ ያመጣል፤ መጽሐፍ ቅዱስ መጀመሪያ በተጻፈበት ቋንቋ ይህ አገላለጽ በዋነኝነት የሚያመለክተው ይህን ሳይሆን አይቀርም።
እቲ በቲ በዅሪ ቛንቋ እተዳለወ ጽሑፍ ከኣ፡ ዓቕምና ምፍላጥና ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልወና ዜጕልሕ እዩ ዚመስል።
በወንድሞቻችን ወይም በእህቶቻችን ላይ ቂም ይዘን ከሆነ ይቅር ለማለት ዝግጁ የሆነውን ይሖዋን መምሰል ይኖርብናል።
ኣብ ኣሕዋትና ወይ ኣብ ኣሓትና ቕር ዘበለና ነገር እንተ ኣልዩ ነቲ ንይቕረታ ድልዊ ዝዀነ የሆዋ ኽንመስሎ ይግባእ።
ከዚያ ጊዜ ወዲህ፣ ከኢየሱስ ጋር በሰማይ የሚገዙት ቅቡዓን ቀሪዎችና ከዚህ ሥርዓት ጥፋት ተርፈው ወደ አዲሱ ዓለም የሚገቡት እጅግ ብዙ ሕዝብ እየተሰበሰቡ ነው።
ድሕሪኡ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ቕቡኣትን እቶም ካብ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ድሒኖም ናብ ሓዳስ ዓለም ዚኣትዉ ብዙሓት ህዝቢ ኺእከቡ ጀሚሮም እዮም።
እኛም አንዳንድ የበላይ ባለሥልጣናት ክብር ሊሰጣቸው እንደማይገባ ይሰማን ይሆናል፤ ሆኖም አምላክ ባዘዘው መሠረት ሁኔታው በሚፈቅድበት ጊዜ ሁሉ ለእነሱ በመገዛት ለይሖዋ ታማኝ መሆናችንን ማሳየት እንችላለን።
ንሕና እውን ዋላ እኳ ገሊኦም ሰበ ስልጣን ኣኽብሮት ዘይግብኦም እንተ መሰሉና፡ ዚከኣል ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ከምቲ ኣምላኽ ዚደልየና ኣብ ልዕሌና ንዘለዉ ሰበ ስልጣን ተገዛእቲ ብምዃን፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና።
እዚህ ግብ ላይ ለመድረስ ወደ ይሖዋ ትጸልያለህ?
እሞኸ ብዛዕባ እዚ ትጽሊ ዲኻ፧
ከመጽሐፍ ቅዱስ የተማርነውን ነገር በተግባር በማዋል ይሖዋን የሚያስደስቱ ውሳኔዎችን ማድረግ እንችላለን።
ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና።
መዝናኛን፣ አለባበስንና አጋጌጥን፣ የገንዘብ አያያዝን እንዲሁም ከሌሎች ጋር ያለንን ግንኙነት በተመለከተ ውሳኔ የሚጠይቁ ነገሮች በየዕለቱ ያጋጥሙናል።
በብመዓልቱ ብዛዕባ መዘናግዒ፡ ኣከዳድና፡ ኣመለኻኽዓ፡ ኣተሓሕዛ ገንዘብ፡ ምስ ሰብ ተሳኒኻ ብዛዕባ ምንባር ውሳነ ኽንገብር የድልየና እዩ።
ያም ሆኖ ዮናታን አጸፋውን አልመለሰም።
ዮናታን ግና ከም ግብሩ ኣይፈደዮን።
ዋናው ቁም ነገር፣ በአምላክ ቃል ላይ ለማሰላሰል እምብዛም አስፈላጊ ካልሆኑ ነገሮች ላይ ጊዜ መግዛት መቻላችን ነው።
ስለዚ፡ በብመዓልቱ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸነስተንትን፡ ካብቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ግዜ ኽንዕድግ ኣገዳሲ እዩ።
በዓለም ዙሪያ በሚገኙ ጉባኤዎች አማካኝነት የሚሰጠን መመሪያ ጥረታችንን አስተባብረን እንድንሠራ ያስታጥቀናል።
እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዚርከባ ጉባኤታት ኣቢሉ ዚውሃበና መምርሒታት፡ ንጻዕርታትና ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎ የዳልወና እዩ።
ልጁም ተመሳሳይ ኃይል አለው።
ወዱ እውን ከምኡ ዓይነት ሓይሊ ኣለዎ።
ይህ በጣም አስፈላጊ የሆነው ለምንድን ነው?
እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ይሖዋ ማንኛውንም ነገር የሚያደርገው በፍቅር ተነሳስቶ ስለሆነ አገልጋዮቹ በሙሉ የእሱ ዓይነት ፍቅር እንዲያሳዩ ይፈልጋል።
ኣምላኽ ንዅሉ ነገራት ብፍቕሪ ተደሪኹ ስለ ዚገብሮ፡ ፍቕሪ ዓብላሊት ባህርይ ኣምለኽቱ ኽትከውን እዩ ዚደሊ።
በዚያ የነበረው ምኩራብ አለቆች ወንድሞች ሆይ፣ ሕዝቡን የሚያበረታታ የምትናገሩት ቃል ካላችሁ ተናገሩ አሏቸው።
መራሕቲ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ምኵራብ ንዓታቶም፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንህዝቢ ዚንገር ገለ ዜተባብዕ ቃል እንተ ኣልዩኩም፡ ንገሩ በልዎም።
እያንዳንዱ ቀን የራሱ ተፈታታኝ ሁኔታዎች አሉት፤ በመሆኑም ክርስቲያኖች አሁን ያላቸው ጭንቀት እንዳይበቃቸው፣ ስላለፈው ወይም ስለ ወደፊቱ ጊዜ እያሰቡ መጨነቅ አያስፈልጋቸውም።
ዝዀነት መዓልቲ ናይ ርእሳ ጭንቀት ስለ ዘለዋ፡ ክርስትያናት ንዝሓለፈ ጭንቀት ወይ ንጭንቀት መጻኢ ናብ ናይ ሎሚ ጭንቀት ኪውስኽዎ የብሎምን።
በተመሳሳይ እኛም መንፈሳዊ ፍላጎታችንን የሚያረካ ምግብ ለመመገብ ጥረት ማድረግ አለብን።
ንሕና እውን ንልብና በቲ ንዓና ብብሕቲ ዜድልየና መንፈሳዊ ምግቢ ንምዕንጋል ኽንጽዕር ኣሎና።
ለምሳሌ፣ ጳውሎስ በሮም ከነበሩት ወንድሞች መካከል አንዳንዶቹ ለራሳቸው ፍላጎት ባሪያዎች እንደነበሩ ጽፏል፤ ይህም የፆታ ፍላጎትን አሊያም የምግብ፣ የመጠጥ ወይም ሌላ ዓይነት ፍላጎትን ሊጨምር ይችላል።
ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት ንኸብዶም ይግዝኡ ምንባሮም ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ንጾታዊ ትምኒቶም ዚግዝኡ፡ ወይ ምግብን መስተን ካልእ ነገራትን ዚሃርፉ ምዃኖም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
በእርግጥም በዘመኑ መጨረሻ ለይሖዋ የምናቀርበው አምልኮ እጅግ የላቀ ነው።
እወ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘሎ ዓይነት ኣምልኾ፡ ብሓቂ ልዕል ዝበለ እዩ።
እንዲያውም መውጫ መንገዱን ያዘጋጅልናል።
እወ፡ መዋጽኦ ይገብረሎም እዩ።
የውጭ አገር ሰዎች ወደ መንግሥት አዳራሻችን መጀመሪያ ሲመጡ ሞቅ አድርገን በመቀበል ደግነት ልናሳያቸው እንችላለን።
ካብ ካልእ ዓዲ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባል፡ ክንልውሃሎም ንኽእል ኢና።
የዚህ ሥርዓት አምላክ የሆነው ሰይጣን የይሖዋን ሕዝብ የሚጠላና የሚቃወም ቢሆንም እንኳ መንፈሳዊ ብልጽግና ማግኘታችን አስገራሚ ነው።
ብፍላይ ከኣ፡ ህዝቢ የሆዋ እቲ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ ዝዀነ ሰይጣን እናጸልኦምን እናተጻረሮምን ክነሱ፡ ብመንፈስ ይብልጽጉ ምህላዎም ዜደንቕ እዩ።
አንዳንድ ጊዜ ደግሞ ውሳኔያችንን እንድንቀይር የሚያደርግ አዲስ መረጃ እናገኝ ይሆናል።
ወይ ከኣ ውሳነና ኸነዐሪ ምኽንያት ኪዀነና ዚኽእል ሓድሽ ሓበሬታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።
በዛሬው ጊዜ ይሖዋ ታላቅ የማስተማር ዘመቻ እያካሄደ ሲሆን ሁላችንም በዚህ ሥራ መካፈል እንችላለን።
ኵላትና ኣብዚ ሎሚ የሆዋ ዚመርሖ ዘሎ ዓብዪ ወፈራ ስብከት ክንካፈል ንኽእል ኢና።
ማርያም፣ ኢየሱስ ለሰዎች እስካሁን ያላሳየው ኃይል እንዳለው ተማምና ይሆን?
ከመይሲ፡ ንሱ ወዲ እቲ ልዑል ከም ዚብሃል ትፈልጥ ነይራ እያ።
እሱን እያመለክን ሌሎች አማልክትንም ማምለክ አሊያም ለእሱ በምናቀርበው አምልኮ ውስጥ የሐሰት ትምህርቶችንና ልማዶችን መቀላቀል አንችልም።
ንዕኡ እናኣምለኽና፡ ንኻልኦት ኣምልኽቲ ኸነምልኽ፡ ወይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ሓሳባትን ተግባራትን ከነተኣታቱ ኣይንኽእልን ኢና።
የሰው ልጆች በሙሉ የኃጢአትንና የሞትን እርግማን የወረሱት እንዴት ነው?
ደቂ ሰብ ነቲ ኣብ ኵላትና ወሪዱ ዘሎ መዓት፡ ማለት ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ እዮም ወሪሶምዎ፧
እንግዲያው አምላክ፣ ክርስቲያኖች በሥጋዊ ነገሮች ላይ ማተኮር እንደሌለባቸው በጳውሎስ በኩል ማሳሰቢያ መስጠቱ የሚያስገርም አይደለም።
ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ብጳውሎስ ኣቢሉ ንክርስትያናት ናይ ስጋ ብዛዕባ ምሕሳብ ዘጠንቀቖም።
አለባበሳችን ለአምላክ ያደርን ነን ለሚሉ ሰዎች የሚገባ መሆን ይኖርበታል።
ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለዎም ከም ዚግባእ ክንክደን ኣሎና።
አምላክ ሳኦልን ከሥልጣኑ ወዲያው ስላላወረደው፣ የእሱ መጥፎ ድርጊት ለተገዢዎቹም ሆነ በቅርቡ ለነበሩት ሰዎች ፈተና ሆኖባቸው ነበር።
ኣምላኽ ንሳኦል ብኡብኡ ኻብ ዝፋኑ ስለ ዘየውረዶ፡ እቲ ሕማቕ ኣካይዳኡ ንተገዛእቱን ንዅሎም እቶም ዚቐርብዎን ፈቲንዎም እዩ።
በሕይወታችን ውስጥ የምናደርጋቸው ከበድ ያሉ ውሳኔዎች በመንፈሳዊ ጤንነታችን ላይ ከፍተኛ ተጽዕኖ ሊያሳድሩ ይችላሉ።
ከቢድ ብሕታዊ ውሳነታት ኣብ መንፈሳዊ ጥዕናናን ድሕንነትናን ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።
እርግጥ እንዲህ ማድረግ ሁልጊዜ ቀላል ላይሆን ይችላል።
እዚ ወትሩ ቐሊል ከይኸውን ይኽእል እዩ።
ኢየሱስ ይህን ሲል፣ አላስፈላጊ ወይም ከልክ ያለፈ ጭንቀት ችግሮችን ለመፍታት እንደማይረዳ ለደቀ መዛሙርቱ ማስተማሩ ነበር።
ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዘይግቡእ ወይ ክቱር ጭንቀት፡ ጸገም ከም ዘይፈትሕ እዩ ዚነግሮም ነይሩ።
መንፈሳዊ እርዳታ ለማግኘት ጸልየው ጸሎታቸው መልስ ስላገኘ ግለሰቦች የሚገልጹ ተሞክሮዎችን ብዙ ጊዜ እንሰማለን።
ውልቀ ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ንምርካብ ድሕሪ ምጽላዮም፡ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ዚሕብር ተመክሮታት ብዙሕ ሳዕ ንሰምዕ ኢና።
በአሥራዎቹ ዕድሜ የሚገኙ አራት ልጆች ያሏቸው በሩዋንዳ የሚኖሩ የአንድ ቤተሰብ አባላት እንዲህ ብለዋል፦ ይህን መጽሐፍ ቅዱስ ስለሰጡን ይሖዋን እንዲሁም ታማኝና ልባም ባሪያን በእጅጉ እናመሰግናቸዋለን።
ኣባላት ሓንቲ ኣርባዕተ መንእሰያት ዘለዉዋ ሩዋንዳዊት ስድራ ኸምዚ ኢሎም እዮም፦ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ስለ እተዋህበና፡ ንየሆዋን ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ብሓቂ ነመስግኖም ኢና።
ያም ቢሆን ሰዎች የመንግሥቱን ምሥራች እንዲቀበሉ ማስገደድ አንችልም።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ንሰባት ገዲድና ነቲ ብስራት መንግስቲ ኸም ዚቕበልዎ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና።
ይህ በዛሬው ጊዜም ሆነ ወደፊት የሚኖርን ከዕፀዋት የተዘጋጀ መድኃኒት አያመለክትም።
እዚ ግና ሕጂ ንዘሎ ወይ ኣብ መጻኢ ንዚህሉ ኻብ ኣትክልቲ ዚርከብ ፈውሲ ዜመልክት ኣይኰነን።
እውነተኛ አገልጋዮቹ በዓለም አቀፉ የወንድማማች ማኅበር ውስጥ ሐሴት እንዲያደርጉና የተትረፈረፈ መንፈሳዊ ምግብ እንዲያገኙ እያደረገ ነው።
ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኣኺሉ ዚተርፍ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚረኽቡ ይገብር ኣሎ።
እናቱና አያቱ ከጨቅላነት ዕድሜው አንስቶ አስተምረውታል።
ኣዲኡን ዓባዩን ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዘን እየን ምሂረናኦ።
እኛም ሌሎችን የሚያበረታታ ነገር መናገር የምንችል ከሆነ ለምን ዝም እንላለን?
ንሕና እውን ዜተባብዕ ቃል ክንዛረብ ንኽእል እንተ ዄንና፡ ስለምንታይ ዘይንዛረብ፧
የጉዳዩን ክብደት ለማጤንና ግለሰቡን ልናነጋግረው ይገባ እንደሆነ ለመወሰን ጊዜ ወስደን ማሰባችን አስተዋይነት ነው።
እቲ ጕዳይ ኪዝረበሉ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ግዜ ወሲድና ምሕሳብና ልብምናና እዩ ዜርኢ።
ይሖዋ ይህችን ምድር የሚያጸዳበትን ጊዜ ለማየት ይጓጉ እንዲሁም በዚያ ከሚገኘው በረከት መካፈል ይፈልጉ ነበር።
የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኼጽርያ ሃረር ይብሉ፡ ክፍሊ እቲ ብሩኽ መጻኢ ኪዀኑ እውን ይደልዩ ነይሮም እዮም።
ሆኖም የሳኦል ልጅ ዮናታን ለይሖዋ ታማኝ መሆኑን አሳይቷል።
ወዲ ሳኦል ዮናታን ግና ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ።
ኢየሱስ በንግግሩ ልኩን እንደሚያውቅ አሳይቷል፤ ይህን ያደረገው አድማጮቹ የሚናገረው ነገር በራሱ እውቀትና ጥበብ ላይ የተመሠረተ ሳይሆን ከይሖዋ የመጣ እንደሆነ እንዲያውቁ ይፈልግ ስለነበር ነው።
ብትሕትና ኸምኡ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣብ ፍልጠቱ ወይ ጥበቡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ተመስሪቱ ኸም ዚዛረብ ሰማዕቱ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ እዩ።
ከእነዚህ መሠረታዊ ሥርዓቶች አንጻር የአዳራሹ ሁኔታ ከምንሰብከው ምሥራች ጋር የሚስማማ መሆን አለበት፤ ይህም ፍላጎት ያሳዩ ሰዎችን ምንጊዜም ወደ ስብሰባዎቻችን ለመጋበዝ ነፃነት እንዲሰማን ያደርጋል።
ምስዚ ስርዓታት እዚ ብዚሰማማዕ መገዲ፡ ኵነታት ኣዳራሽና ምስቲ ንኻልኦት እነካፍሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ተገደስቲ ሰባት ናብ ኣዳራሽና ንምዕዳም ናጽነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ።
ይህም ሰዎች ለምንነግራቸው ሕይወት አድን መልእክት ጆሮ እንዲሰጡ ሊያደርግ ይችላል።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽትና ኣቓልቦ ይረክብ።
ሌሎች በምሳ እረፍታቸው ወቅት እንዲህ ያደርጋሉ።
ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቶም ከምኡ ይገብሩ እዮም።
በተገቢው ጊዜ ተገቢውን ቃል መናገራችን ልባቸው እንዲነካ ሊያደርግ ይችላል።
ብግቡእ ግዜ ግቡእ ቃላት ምዝራብ፡ ልቦም ኪኸፍቱ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።
በእነዚህ ጥቅሶች ላይ የአምላክ ስም ቀድሞ በነበረበት ቦታ እንዲገባ የተደረገበት ዋነኛ ምክንያት፣ ማሶሬቶች ከገለበጡት የዕብራይስጥ ቅጂ 1,000 ዓመት በፊት በተዘጋጁት የሙት ባሕር ጥቅልሎች ላይ ስሙ ስለሚገኝ ነው።
ኣብዚ ቦታታት እዚ ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ እተመልሰሉ ምኽንያት፡ እቲ ንጽሑፍ እብራይስጢ ማሶራውያን ብ1,000 ዓመት ዚቕድሞ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን ነቲ ስም ሒዙ ስለ እተረኽበ እዩ።
የብዙዎች ፍቅር ቢቀዘቅዝም እኛ ግን የወንድማማች ፍቅራችን ምንጊዜም እንዲቀጥል ማድረግ አለብን።
ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ፍቕሪ እናዘሓለት እትኸይድ እኳ እንተ ዀነት፡ ሕውነታዊ ፍቕርና ኸም እትጸንዕ ግና ከነረጋግጽ ኣሎና።
ጳውሎስና በርናባስ፣ በጵስድያ በምትገኘው አንጾኪያ በነበሩበት ጊዜ ያጋጠማቸውን ነገር እንመልከት።
ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ንርአ።
ይሖዋ ከፍተኛ መጠን ያለውን ዕዳችንን በመሰረዝ ላደረገልን ነገር አድናቆት ካለን እኛም ሌሎችን ከልባችን ይቅር ለማለት እንነሳሳለን።
የሆዋ ነቲ ዓብዪ ዕዳና ብምስራዝ ዝገበረልና ነገር ነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ካብ ልብና ይቕረ ኽንብለሎም ንደሊ ኢና።
እኛ ሁለት ነገሮችን ማድረግ ይኸውም በመንፈሳዊ ንቁ መሆንና በጸሎት መጽናት አለብን።
ንሕና ድማ ክልተ ነገር ክንገብር፡ ማለት ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውንን ኣዘውቲርና ኽንጽልን ኣሎና።
መጽሐፍ ቅዱስ መመካከር ከሌለ የታቀደው ነገር ሳይሳካ ይቀራል፤ በብዙ አማካሪዎች ግን ይሳካል ይላል።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም ይብለና።
አንዳንድ ወላጆች ልጆቻቸውን የማያደንቁት፣ የራሳቸው ወላጆች ምንም ዓይነት ማበረታቻ ሰጥተዋቸው ስለማያውቁ ነው።
ገሊኦም ወለዲ፡ ወለዶም ዘየተባብዕዎም ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም እውን ንውሉዳቶም ኣይንእዱን እዮም።
እዚህ ላይ መጣጣር ተብሎ የተተረጎመው የግሪክኛ ግስ፣ አንድን ነገር ምናልባትም በቀላሉ የማይደረስበትን ነገር ለመያዝ መንጠራራት የሚል መልእክት ያስተላልፋል።
እታ ምምጥጣር ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ምናልባት እውን ክንዮ እቲ ኽትበጽሖ እትኽእል ንዘሎ ነገር ንምሓዝ ኣእዳውካ ምዝርጋሕ ተመልክት።
ይህም ታሞ በአልጋ ላይ ተኝቶ ሳለ አምላክ የሚሰጠውን ድጋፍ ይጨምራል።
እዚ ድማ ኣብ ዓራት ሕማሙ ምድጋፍ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።
ታላቁ መከራ የሚጀምርበትን ጊዜ ማፋጠን እንደማንችልም የታወቀ ነው።
እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኻብቲ እተመደበሉ ግዜ ቐዲሙ ኸም ዚጅምር እውን ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና።
በትዳር ውስጥ ለሚፈጠሩ ችግሮች መንስኤው የትዳር ጓደኛሞች ከእውነታው የራቁ ነገሮችን መጠበቃቸው ሊሆን ይችላል።
ገሊኦም ሰብ ሓዳር ዘይከውን ትጽቢት ብምሕዳሮም፡ ጸገማት የጋጥሞም እዩ።
መጠመቅ በጣም አስፈላጊ የሆነበትን ምክንያት ቆም ብሎ ማሰብን ልማድ አድርግ።
ስለምንታይ ክትጥመቕ ከም ዘሎካ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ሕሰብ።
ሰይጣን ሰዎችን ለማሳሳት ከሚጠቀምባቸው በርካታ ዘዴዎች አንዱ መንፈሳዊ ፍጥረታት የሉም የሚለውን ሐሳብ ማስፋፋት ነው።
ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንሰባት ንምትላል ዚጥቀመሉ ብዙሕ መገድታት፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘየለዉ ዚገልጽ ሓሳብ ከም ዜስፋሕፍሕ ምግባር እዩ።
ግርጌ ሐዋርያው ጳውሎስ ይህን የጻፈው ስለ ሴቶች ቢሆንም መሠረታዊ ሥርዓቱ ለክርስቲያን ወንዶችም ይሠራል።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ኣንስቲ እኳ ይዛረብ እንተ ነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና ንክርስትያን ሰብኡት እውን ዚምልከት እዩ።
እንዲሁም ትምህርታችን አንድ እንዲሆን አጥብቆ ያሳስበናል።
ኵላትና ብሓደ ዓይነት ሰረተ እምነት ክንምራሕ ድማ የተባብዓና እዩ።
ይሖዋ ንስሐ የሚገቡ ኃጢአተኞች ወደ እሱ የሚመለሱበትን ጊዜ በጉጉት እንደሚጠባበቅ ይተማመናሉ።
የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ኪቕበሎም ወትሩ ተሃንጥዩ ኸም ዚጽበ ይኣምኑ እዮም።
ለምሳሌ ያህል፣ በልስጥራ ከባድ ተቃውሞ አጋጥሟቸው የነበረ ቢሆንም ወደዚያ ተመልሰው በመሄድ አዳዲስ ደቀ መዛሙርትን በእምነት ጸንተው እንዲኖሩ አበረታተዋል።
ንኣብነት፡ ኣብ ልስጥራ ኸቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ምእንቲ ኼተባብዕዎም ናብኡ ተመሊሶም ከይዶም እዮም።
ይህም ከትዳር ጓደኛችን ጋር አንድነት እንዲኖረን የሚያደርግ ከመሆኑም ሌላ በሰማይ ወዳለው አባታችን ይበልጥ እንድንቀርብ ያስችለናል።
እዚ ኸኣ ምስ መጻምድትና ሓድነት ከም ዚህልወና ኺገብር፡ ናብ ሰማያዊ ኣቦና እውን ብዝያዳ ኬቕርበና እዩ።
ባለፉት ዓመታት አንዳንድ እኩዮችህን አልፎ ተርፎም ወንድሞችህንና እህቶችህን ጨምሮ በርካታ ሰዎች ሲጠመቁ ተመልከተህ ይሆናል።
ብዙሓት ሰባት እንተላይ ገሊኦም መዛኑኻን ኣሕዋትካን ኪጥመቑ ርኢኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
አለባበሳችን ሌሎችን የሚያሸማቅቅ ወይም ዓይናቸውን የት እንደሚያሳርፉ እንዲጨንቃቸው የሚያደርግ መሆን የለበትም።
ኣከዳድናና ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኬሸቝርሮ ወይ ገጹ ኸም ዚመልስ ኪገብሮ የብሉን።
እነዚህ ነገሮች ከባድ ኃጢአት ፈጽሞ ሁለት ዓይነት ሕይወት እየመራ መሆኑን የሚጠቁሙ ናቸው ብላችሁ ለመደምደም አትቸኩሉ።
እዚ ምልክት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝዀነ፡ ማለት ክልተ ዓይነት ህይወት ይመርሕ ከም ዘሎ ጌርካ ተቐላጢፍካ ኣይትደምድም።
ይሖዋ ከእሱ ጋር የመሠረትነውን ዝምድና በአባትና በልጅ መካከል ካለው ግንኙነት ጋር እንዳመሳሰለው አስታውስ።
ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ምስ ናይ ወላድን ውሉድን ከም ዜመሳስሎ ኣይትረስዕ።
አንተስ በልዩ የአገልግሎት ዘመቻዎች እንድንካፈል የሚሰጡንን መመሪያዎች ለመታዘዝ ጥረት ታደርጋለህ?
እሞኸ ኣብ ፍሉይ ወፈራታት ስብከት ንምስታፍ ንዚውሃብ መምርሒ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ ዲኻ፧
አንድ የአምላክ አገልጋይ በሕይወቱ ውስጥ የሚያስጨንቅ ነገር ጨርሶ እንደማይገጥመው መናገሩ እንዳልሆነ ግልጽ ነው።
ኣገልጋሊ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጭነቕን እዩ ማለቱ ኣይኰነን።
ከመጠመቅህ በፊት ራስን መወሰን ምን ትርጉም እንዳለው በሚገባ መረዳት ይኖርብሃል።
ቅድሚ ምጥምቕካ፡ ትርጉም ወፈያ ኸም እተረድኣካ ርግጸኛ ኽትከውን ኣሎካ።
ያም ሆኖ ጴጥሮስ በጴንጤቆስጤ ዕለት ዳዊት ወደ ሰማያት አልወጣም ብሏል።
ኰይኑ ግና፡ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ፡ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዳዊት፡ ናብ ሰማያት ኣይዓረገን ኢሉ እዩ።
ተገቢ የሆነ አለባበስ ለይሖዋ ድርጅትም ክብር ያመጣል።
ብዘይካዚ፡ ግቡእ ኣከዳድና ንውድብና ጽቡቕ ስም የውህባ እዩ።
ይሖዋ በምድርም ሆነ በሰማይ ስላሉት በቢሊዮን የሚቆጠሩ የማሰብ ችሎታ ያላቸው ፍጥረታት በሚገባ ያውቃል።
የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ዘለዉ ቢልዮናት መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎ።
እንደ ጳውሎስ ሁሉ አንዳንድ የአምላክ አገልጋዮችም ነጠላ ሆነው ለመኖር ወስነዋል፤ ይህ ደግሞ የቤተሰብ ኃላፊነት እንዳይበዛባቸው ስለሚያደርግ የመንግሥቱን አገልግሎት በቅንዓት ለማከናወን አስችሏቸዋል።
ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ከም ጳውሎስ፡ ብዙሕ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ከይሃለዎም ገዛእ ርእሶም ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ከይተመርዓዉ ኺጸንሑ መሪጾም እዮም።