title stringlengths 0 410 | content stringlengths 0 775k | source stringclasses 21
values | category stringclasses 28
values | url stringclasses 267
values |
|---|---|---|---|---|
መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ - ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ | እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ ኪዮስክታት ምስጢር ኮይኑ ሎ። ንጋዜጣ ተነባቢ ዝገብሮ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብኡ ዝጽሓፍ ጽሑፋትን ዝህል ዎ ህዝባዊ ተኣማንነት እዩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ጋዜጣታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን እናዓዘዘ ምምጽኡ፡ መርኣያ ናይቲ ክንሃንጾ እንሕልን ዘሎና ኣሳታፊ ዝኾነ ህዝባዊ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ዲሞክራሲ ክውን ዝኸውን፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝ... | asmarino.com | null | |
መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ | መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ
ኣብ እዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ልጡል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚዚ ክሳብ ሞት ገለ ተማሃሮ ዘስዓበ ኩነታት መበጊሲኡ እንታይ ኮን ይከኸውን? ነዚ ሕቶ እዚ ሰብ ነናቱ ትንታኔታት ክህበሉ ቀንዩ ኣሎ። ብዓቢኡ ከኣ እቲ መንግስቲ ብማዕከናት ዜንኡ ኣቢሉ ዝፈነ ዎ ዘይምሉእ ሓበሬታ ተጸልዩ ክሳብ "ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጸጊቦም፡ ኣሕቐቶም ኣብ ምንታይ ክምዘሎዉ ዘንጊዖም" ወዘተ… ናብ ምባል... | asmarino.com | null | |
ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን | ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብዛዕባ ዝምድና ወጻኢ፡ ዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን፡ ኣገባብ ምቕያር ሰበ-ስልጣን፡ ጉዳይ ብልሽውናን ካልእ ኣርእስታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ጽጌናይ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ቃለ-መጠይቕ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ኣነሆ ንንባብ፡- | asmarino.com | null | |
ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር | ከም ዝፍለጥ ፕረዚደንት ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተማሃራይ ሰመረ ከሰተ ብሰሉስ ዕለት 31/07/01 ከባቢ ሰዓት 7፡45 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገዝኡ ብኽፍሊ ጸጥታ ካብ ዝውሰድ ንነጀው፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ዘይምርድዳእ ክርአ ጸኒሑን ኣሎን። የዕሚቑ ንዝሓስብ ሰብ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ (ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ) ሳዕቤኑ ተጸኒዑ ዝተገብረ ኣይመስልን ኢዩ። ንዝኾነ ነገር ካብ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐን ምስ ተፈንጀረካን ንምእላዩ ላዕልን ታሕትን ምባል፡ ከሎ ገና ህድእ ኢል... | asmarino.com | null | |
"ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ" | "ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ"
ብስዩም ጸሃየ
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ እዚ ዓውድ እዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም ብፍለይ ኣብ እዛ' (ኤርትራ እታ ካልእ ሃገር)እትብል ብ ረሪመላ ሱከ) ዝተባህለ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንኤርትራ እትስራሕ ዘላ ፊልም ትየሪ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ ከም ዳይሬክተር፡ መንእሰይ ፊሊፕ ከም ሰኣላይ፡ መንእሰይ ክርስትያን ከኣ ከም ናይ ድምጺ ቴክኒሻን ኮ... | asmarino.com | null | |
ንሎሚ ምስ መቓልሕ፡ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር | ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር
ሜ ጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ይበሃል። ኣብ ድርኮ መራጉዝ ብ4 መስከረም 1949 ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ስነ-ቅመማ ከጽንዕ ጀሚሩ። ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ... | asmarino.com | null | |
ቀስተደብና ረቡዕ ግንቦት 2001 - ቃለ-መጠይቕ ምስ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ | ጀነራል ዑቕብ ኣብርሃ ነዚ ብኣጋጣሚ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እነካይዶ ዘሎና ቃለ-መጠይቕ ንሕቶታትና ክትምለስ ፍቓደኛ ብምዃንካ ነመስግን። ብምቕጻል ናብ ካልእ ሕቶታትና ቅድሚ ምስጋርና ፈለማ ዑቕበ መንዩ?
ጀነራል ዑቕበ፡-ኣነ ብ29 ሕዳር 1949 ኣብ ደቀምሓረ (ሃዳሙ) ተወሊደ። ዕድመይ ንትምህርት ምስ ኣኸለ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። እዚ ኸኣ ክሳብ 1969 ዓ.ም ምዃኑ ኢዩ። ገለ ክፋል ናይ ግዜኣብ ደቀምሓረ ገለ ክፋል ከኣ ናብ ዓዲ (ድቅናዞ... | asmarino.com | null | |
ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን'ዩ? | 14 2004
ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን እዩ? ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ሓጺር ታሪኽ ህይወትን ኣስተዋጽኦን ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ተኽለ ከነቕርበልኹም ኢና። ቅድሚ እዚ ሓተታ እዚ ምቕራብና ግን እዚ ዚስዕብ ሓጺር መግለጺ ነቕርበልኩም። ዚዝከር እዩ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሰልቲ መደባት ኣብ ትሕቲ 'ኣስቴር ፍስሓጽዮን መን ኢያ? ' ከምኡ እውን 'ማሕሙድ ሸሪፎ መን እዩ? ' ዚብል ኣርእስትታት ኣቕሪብናልኩም ነርና። እንሆ ኸኣ ሕጂ 'ጴጥሮስ ሰሎሞን መን እዩ' ዚብል ታሪኽ-ህይወታዊ ሓተታ ነቕርበልኩም ኣሎና። ብመ ጀመርያ፡ ... | asmarino.com | null | |
ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) 13 2001 | 13 2001. - /
ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
"ፕረዚደንት ካብ ሕጊ ወጺኡ፡ ነዚ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይንሰላማዊ ተቓውሞን ብጎነጽ…ኪድርቁስ ኪፍትን ኣይግባእን"
"ካብዛ ኣካይዳ ጎብየ ትበሃል ተመዛዚት ሓረግ ክንናገፍ ከድሊ እዩ።"
ሕቶ፡-ቅሉዕ መልእኽቲኹም ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ጸዊዕኩም ከም እተነጽገ ይሕብር። ንኣኼባ ዘገድስ እንታይ ኩነታት ሃልዩ፡ ስለምንታይ'ከ ህጹጽ ኮይኑ? ኣኼባ ምጽዋዕከ ሕጋዊን ኣገባብን ዲዩ?
ድሩዕ፡ ማእከላይ... | asmarino.com | null | |
ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ | ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡ ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ እውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ብሙዃን ዘጻናናዕኩሙና ኣሕዋትናን ፈተውትናን፡ ስለቲ ዘርኣኹሙና ሕውነትን ፍቅርን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን ኣሎና። ክቡር ወላዲና ካብ ግዜ ጣልያን ጀሚሩ ብዙሕ ክርኢ ዝተዓደለ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ እዩ። ኣብዚ ልዕሊ 100-ዓመት ሓሊፉ ዝኸይድ ጉዕዞ ድማ ብብዙሕ ናይ ሕይወት ተመክሮ ዝሕለፍ ከም ሙኻኑ መጠን፡ ብብዙሕ ና... | asmarino.com | null | |
ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን | ክቡር ተጋዳላይን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ምስ ወዱ ክቆርስ ኢሉ ምስወጸ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረጋግጽ
ክቡራት ኤርትራውያን፦ ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ እዚ ስርዓት ንዝሓለፍ ብዙሓት ዓመታት ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ የእቲዎም ዝጸንሐ ... | asmarino.com | null | |
ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት'ዩ ብትግረ። | ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት እዩ ብትግረ። ኣትላንታ ጆርጅያ ካብ እዛ ክነብረላ ዝተዓደልኩ "ብሚዛነይስ ገነት" ከተማ ቻርሎት ሰሜን ኣመሪካ ብመኪና ኣርባዕተ ሰዓት ዝወስድ ርሕቀት ኢያ ትርከብ። ስለ ዝኾነ ድማ ቀብሪ መርዓ ሓዘን ዝመስል ምብጻሕ እንከጋጥም፤ ናብ ኣትላንታ ኣንጊህካ እንተ ገሽካ፡ ምሕዳርካ ናብ ቻርሎት ምምላስ ዝመስል እዩ ናብራናን ጉርብትናናን። እዛ ትማሊ ቐዳም ነሓሰ ኣርባዕተ ዝኸድኩዋ መገሻ ግን ንኤርትራውነት ብዝምልከት ፍልይ ዝበለ ትምህርትን ነጸብራቕን ክርእን ክሰምዕን ዝተጸበ... | asmarino.com | null | |
ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ። | ዝኸበርካ ዶክተር አብይ፡
ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም ድልውነቱ ዘረጋገጸ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣመልኪትና ኣብቲ እዋን ዝተሰመዓና ባህታን እቲ ጻውዒት ሰላም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክወሃቦ ብዘዕባ ዝኽእል እወንታዊ ወይ ውን ኣሉታዊ ምላሽ ብዝምልከት ዘለና ስክፍታታት ብንጹር ክንገልጽ ፈቲንና ኔርና። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገመት... | asmarino.com | null | |
ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት | ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት
እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት ዜጋታትና ከበሳብስ ዝጸንሔ ንሱ ዝርገቦም ገለ ገል ኣባላት እታ ቤት ማእሰርቲውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው። ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዑደት ናብ ዓዲ ኣቤቶ ጌሩ ከምዝነበረን ብሓላፍነት ክትሕተቱ ኢኩም ኢሉ ከም ዝኸደ ተወሳኪ ሓበሪታ ከምዘሎ ንሕብር። ኢሰያስ ካብ ሓላፍነት ንምሕዳም... | asmarino.com | null | |
ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ? | ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና ከነርክብ። | asmarino.com | null | |
ምዕባለታት ድሕሪ ኣክርያ | ምዕባለታት ድሕሪ ኣክርያ
ካብ ፍሽለት ናብ ፍሽለት ዝሰጋገር ዘሎ ዐቅሊ ጽበታዊ ፈተነ ምጉጅጃል ህዝቢ ኤርትራ መርኣያ ምፍላም ተሪር ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ይሕብሩ። ህግደፍ ነቲ ካብ ኣኽርያ ዝተፈሓሓመ እምብይታ ሕዝቢ ፈለማ ናይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጠቀነ ክህቦ ፈቲኑ ምስ ፈሸለ ነቲ ስሙር ተቃውሞ ብናይ ብሔር ምጉጅጃል (ናይ ኣክርያ ጉዳይ ናይ ጀበርቲ ዘለዓዓልዋ ናይበይኖም ግዳይ ደኣምበር ናይ ምስልምና ኣይኮነን ብምባል) ብላይ ሜላ ይጥቀም ምህላዉ ብተወሳኺ ይሕብሩ። ከምቲ ኣ... | asmarino.com | null | |
ተማሃሮ ካልኦት ቤትምህርትታት አኽሪያ ድጋፎም ይገልጹ | ተማሃሮ ካልኦት ቤትምህርትታት አኽሪያ ድጋፎም ይገልጹ
ተወሳኺ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ኣኽርያ
ሓይልታት ጸጥታን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምስቲ ተቃውሞ ምትእስሳር ኔርዎም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ሰባት ዝወስድዎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ይቅጽል ኣሎ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ቤትትምህርቲ ዲያእ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
1. ኢብራሂም ሽፋ
2. ማሕሙድ ዓብደልቃድር
3. ዓብደልዋስዕ ኣሕመድ
4. መሓመድ ኑር
5. ኣይተፈልጠን
ምስዚ ኣብዝተኣሳሰር'ድማ ... | asmarino.com | null | |
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን |
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን
ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተነስነሰ ጠያዪት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተቓለሐን ንኹሉ ኣማኒ ምስልምናን ክርስትናን ዘስደመመ ተርእዮ እዩ። ሎሚ እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ናይ ሓደጋ ደበና ከም ዝመጾ ክሓልፍ እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ሕቖን ከብድን ካብ ዝኾኑ ዓመታት ኣቚጺሮም ስለ ዘለዉ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብሰ... | asmarino.com | null | |
ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብ ኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት | ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብ ኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ከምኡ'ድማ ኣብ ጎደና ሓርነት ዘጋጠመ ናይ ተቃውሞ ሰልፍን ንዕኡ ንምብታን ዝሰዓበ ተኹስን ማእሰርትን ሎሚ ኩነታት ብተዛማዲ ሃዲኡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ'ድማ ኣብቲ እቶም ምስቲ ኩነታት ብምትእስሳር ተቀይዶም ዝነበሩ ተማሃሮን ኣዴታትን በብቅሩብ ይልቀቁ ኣለው። ድሮ ኣብ ኣኽርያ 5 ተማሃሮን 3 ኣዴታትን ተለቂቆም ኣለው። ንሶም ብዛዕባ ማእሰርቶም፡ ዝተገብረሎም መርመራን ካልእን ምስ... | asmarino.com | null | |
ኣኽርያ ኣብ ሓለዋ ወተሃዳራት ምህላዋ ተገሊጹ | ትማሊ እቲ ናዕቢ ብተኹሲ ድሕሪ ምብታኑን ሎም እውን ሓደ ሓደ መንእሰያት " ተሓቲትኩም ክትምለሱ ኢኹም" ተባሂሎም ከምእተኣስሩን ዓበይቲ ግን ከምዘይተተንከፉን ምንጭታትና ገሊፆም። ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብዝተኸስተ ናይ መንእሰያት ናዕቢ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ተኹሲ ከም ዝተሰምዐ ምንጭታት ካብታ ከተማ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። እቲ ናዕቢ ድሕሪ ምግጣሙ ሒደት ሰዓታት ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስመራ ተቓውሞታት ከም ዘምሰየን፡ ፓሊስ ቶኽሲ ከም ዝ... | asmarino.com | null | |
ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ መዓልቲ (10.31.17) ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት! | ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት!
ድሕረባይታ፥ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ካብ መፋርቅ 2014 ጀሚሩ ቤትትምህርታት ኮማዊ-ሰረት ክህልወን ዝብል መደብ ሒዙ ክንቀሳቀስ ጀሚሩ። ዕላማ እቲ መደብ ቤት ትምህርትታት ኣብ ትሕቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ክኣትዋ ዝብል ኮይኑ፡ ህዝቢ በብኸባቢኡ ተወዲቡ ኣብ ምሕደራን ፋይናንስን እተን ቤትትምህርትታት ከበርክት ዝብል እዩ።
እቲ ሓሳብ ናብ ሓለፍቲ ቤትምህርትታት ምስ ቀረበ ብዙሕ ተቃውሞ ገጢምዎ። እቲ ተቃውሞ፡ ዋላ እኳ እቲ ኣምር ከም ሓሳብ ቅቡል ... | asmarino.com | null | |
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትና ቀንጠብጠብ - ተቖጠብ!! |
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትና ቀንጠብጠብ - ተቖጠብ!!
ህግደፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንነጀው ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካዊ ትካላትና ብህግደፍ ተባሒቱ ከምዝጸንሐ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ እቶም ናይዚ ተርእዮ ግዳያት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራ እናበኸዩ ዘልዕልዎ ሓቂ ኮይኑ፡ ህግደፍ ግን እናኣሽካዕለለ ዘስሕቀሉ ጉዳይ እዩ። ንህዝቢ ስለ ዝጨቖነን ኣብ ትሕቲ ጫምኡ ስለ ዝረገጸን ሓበን ዝስመዖ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ከምኡ ኢሉ እናቐጸለ ክነብር እምበር ከመሓይሽ እዩ ኢል... | asmarino.com | null | |
'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን' | 'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን'
እዛ 'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን' ዘርእስታ ሓጻር ዓንቀጽ ካብታ ብተስፋሚካኤል ትኩእ 'ሃገሬ የህይወቴ ጥሪ' እትብል መዘከርታ መጽሓፍ ቆንጢረ ዘቕርባ ዘለኹ ኢያ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ጣልያን አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቶ መግዛእታዊ ፖሊቲካ አቃሊዐ ብመጠኑ ድማ ናይታ ወሳኒት ዝነበረት ውግእ ሓላይ ቀዳማይ ምንጪ ኮይና ዝረኸብክዋ ብምዃና ካብ አምሓርኛ ተርጒመ ንአንበብቲ ከቕርባ እንከለኹ ምስናይ ሓበኑ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ አብ ልዕሊ ጣልያን ዝተፈነወ ሀ... | asmarino.com | null | |
ውጽኢት ምይይጥ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎን፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃንን |
ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ
جمعية سنيت الإريترية
ውጽኢት ምይይጥ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎን፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃንን
ኣቐዲምና ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎ ንምርኻብ ዝወሰዶ ተበግሶ ኣዚና ነመስግን። ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ንብድሕሪ ሕጂውን ንኹሎም ውድባትን ሲቪካውን ፖለቲካውን ጽላላትን፣ ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብዘይ ኣፈላላይ እናተቐበለ ክዛተ ድሉው ምዃኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ይሕብር። ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ኣቀራርባን፣ መንፈስን... | asmarino.com | null | |
ርእሰ ምትላል! ምጽልማት ሓርነትን ምግሃስ ፍትሕን ዘስዓበ ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ኤርትራ ኢዩ!!! | ርእሰ ምትላል!
ምጽልማት ሓርነትን ምግሃስ ፍትሕን
ዘስዓበ ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ኤርትራ ኢዩ!!!
ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)
ሓምለ 22፡ 2017
``ኣንጻር ሓድሕዳ ዝተመቓቐለት ቤት ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ። `` ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮልን
እታ ``ምእንቲ ናይ ጽባሕ ራህዋ ሎሚ ድኸም፡ ጥመ`` እትብል ነእምሮ ህዝቢ ዘደንዘዘት፡ ነእዛኑ ዝለዀዀት ብዘይካ ጸልማትን ጥፍኣትን ካልእ ትርጉም ዘይብላ፡ ንምትላል ህዝቢ ዝተማህዘት ባዶ ጭርሖ ፋሺ... | asmarino.com | null | |
ካብ እንዳ ራእሲ ክሳብ'ንዳ ባሕረ'ጋሲ ዘላ ባእሲ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ'ያ ትኾና ፈውሲ! | ካብ እንዳ ራእሲ ክሳብ'ንዳ ባሕረ'ጋሲ ዘላ ባእሲ
ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ኢያ ትኾና ፈውሲ!
"ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል፡ ኣብ ውዲት ኣግኣዝያን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትንተናዊ ጽሑፍ" (ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ) [ 05/21/17] ዘርእስቱ ጽሑፍ ምሰ'ንበብኩ ኢየ እዚ ዝስዕብ ምሳለይ ክሕውስ ዝተበገስኩ። ቅድሚ ኹሉ ግን ወያነን ሻዕብያን ብ1998 ክንዋጋእ ንብገስ ኣለና ክብሉና እንከለዉ'ሲ፡ ዋ! ሰይጣንዶ ፈስዩልኩም ደቀይ! አረ በጃኹም፡ "ኢትቅተል" ኢያ ትብል ቀዳመይቲ ትእዛዝ ናይ ወለ እዚ... | asmarino.com | null | |
ተወሳኪ ሓበሪታ ካብ ኣባላት ዓርቢ ሓርንት ኣብ ጉዳይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ | እቲ ብሰንበት ዝነበረ ጉዳይ ዕርቂ ካብ ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ ዝጀመረ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ፓትርያርክ ዝርከብዎም ቀሺ በረኸት ዝበሃል ኣገልጋሊ ናይ ቤተክርስትያን እንዳቆርቆስ፡ ናይ ሰበኻ ዓዲ ቀይሕ ሓላፊ፡ ምስ ገለ ፈለስቲ ብምትሕብባር ናይ ዕርቂ ፈተነ ጌሮም ኔሮም። እቲ ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ፈተነ ዝሓዘት ጽሕፍቲውን ኣብ መርበባት ሓበሪታ (ኢንተርነት) ወጺኣ ኔራ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት (ገለ ቅርበት ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ከምዝበሉዎ) ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ከምይ ጌርካ ንህግደፍ ዝምእዘዝ ... | asmarino.com | null | |
ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ቅድስተ ማርያም ቅዳሰ ከምዝተሳተፉ ተረጋጊጹ | ትማሊ ሰንበት ሰነ 16 2017 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ኣብ እንዳ ቅድስተ ማርያም ቅዳሰ ከምዝተሳተፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። የግዳስ ዛጊት ናብ ቦትኦም ከምዘይተመለሱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት የረጋግጹ። እቲ ትማሊ ዝተገብረ ቅዳሰ ናይ ዕርቂ ደኣምበር ካብኡ ሓሊፉ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ናብ ንቡር ሂወት ዝመልስ ኩነት ከምዘይኮነ ንሕብር። ኣብ መግለጺ ሓደ ካብቶም ናይ ዕርቂ ሽማግለ፤ ዕላማ ናይዚ መደብ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ዝተገብረ ዕርቂ ንህዝቢ ንምግላጽ ምዃኑ ገሊጹ። ብምቅጻል እቶም ጳጳስ ተጸሊ... | asmarino.com | null | |
ሳልሳይ መልእኽቲ፡ ሕልናና ንመርምር ነቲ ዝተሰርቅናዮ ሃገራዊ ሰላማ ንምለስ | ሰላም ሰላም ኩሉኹም ኢርትራውያን ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡
ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም? ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ደሓን ኣሎኹ። እንሆ ካብ ካልእ ግዜ ቅልጥፍ ኢለ መጺኤ ከመይ ስቃይ ህዝብና ከብ ዝኸፍኤ ናብ ዝኸፍኤ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ክጠቅም ይኽእል ይኸውን ኢልካ ትሓስቦ ሓሳባት ሻቡ ክትካፈሎ ትደሊ። እወ ሓደ ዝኾነ ይኹን ሽግር መፍትሒ ክርከቦ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ መጀምርታ ሽግር ከም ዘሎ ምእማን እዩ። ብኣካል ተረኺብካ ኣብ እትዘረብሉ ይኹን ብጽሑፍ እዚ ዘ... | asmarino.com | null | |
ኵን ንባዕልኻ | ኵን ንባዕልኻ
ኣነ ክኸውን ባዕለይ ኵን ንባዕልኻ ቀልጢፉ ኣይሰለብ ልብኻ ረሸሽ ኢሉ ኣይድከም ብርክኻ ድምጺ ኣቡናት 'ከ ሰሚዕካ 'ዶ ቐኒኻ ክጠርዑ ተጣሪዖም እንዳበሉ ኣበሎ ሓውኻ ብዱዓት ምስ ተጋሰሱኻ ብምራን ባርነቶም ቀፊዶም ድሃዅኻ ጠይቂ ዲኻ ኣድጊ ክንድዚ ዘሕስሩኻ ካብ ድላዮም ኣልዒሎም ኣብ ድላዮም ዘንብሩኻ ከም ድስትን ሸሓንን ናይ ውሻጠ ኣቕሓ መርከብ ባርነቶምሲ ተውጻኣካ 'ላ ነነዲሓ ኣብ መንገዲ ትረኽበካ ኵላ ሸሸላሓ፡ ኵላ በበላሓ ማእከላይ ባሕሪ 'ኽኣ ትቕበለካ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣብ ማህጸና ከተን... | asmarino.com | null | |
መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ - ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ | እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ ኪዮስክታት ምስጢር ኮይኑ ሎ። ንጋዜጣ ተነባቢ ዝገብሮ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብኡ ዝጽሓፍ ጽሑፋትን ዝህል ዎ ህዝባዊ ተኣማንነት እዩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ጋዜጣታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን እናዓዘዘ ምምጽኡ፡ መርኣያ ናይቲ ክንሃንጾ እንሕልን ዘሎና ኣሳታፊ ዝኾነ ህዝባዊ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ዲሞክራሲ ክውን ዝኸውን፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5254-2020-09-11-04-37-10 | |
መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ | መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ
ኣብ እዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ልጡል ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚዚ ክሳብ ሞት ገለ ተማሃሮ ዘስዓበ ኩነታት መበጊሲኡ እንታይ ኮን ይከኸውን? ነዚ ሕቶ እዚ ሰብ ነናቱ ትንታኔታት ክህበሉ ቀንዩ ኣሎ። ብዓቢኡ ከኣ እቲ መንግስቲ ብማዕከናት ዜንኡ ኣቢሉ ዝፈነ ዎ ዘይምሉእ ሓበሬታ ተጸልዩ ክሳብ "ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጸጊቦም፡ ኣሕቐቶም ኣብ ምንታይ ክምዘሎዉ ዘንጊዖም" ወዘተ… ናብ ምባል... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5253-2020-09-11-03-50-00 | |
ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን | ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብዛዕባ ዝምድና ወጻኢ፡ ዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን፡ ኣገባብ ምቕያር ሰበ-ስልጣን፡ ጉዳይ ብልሽውናን ካልእ ኣርእስታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ጽጌናይ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ቃለ-መጠይቕ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ኣነሆ ንንባብ፡- | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5251-2020-09-07-08-38-47 | |
ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር | ከም ዝፍለጥ ፕረዚደንት ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተማሃራይ ሰመረ ከሰተ ብሰሉስ ዕለት 31/07/01 ከባቢ ሰዓት 7፡45 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገዝኡ ብኽፍሊ ጸጥታ ካብ ዝውሰድ ንነጀው፡ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዩኒቨርስትን ተማሃሮ ዩኒቨርስትን ዘይምርድዳእ ክርአ ጸኒሑን ኣሎን። የዕሚቑ ንዝሓስብ ሰብ እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ (ማእሰርቲ ሰመረ ከሰተ) ሳዕቤኑ ተጸኒዑ ዝተገብረ ኣይመስልን ኢዩ። ንዝኾነ ነገር ካብ ኣብ ጥርዙ ምስ በጽሐን ምስ ተፈንጀረካን ንምእላዩ ላዕልን ታሕትን ምባል፡ ከሎ ገና ህድእ ኢል... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5250-2001 | |
"ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ" | "ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ"
ብስዩም ጸሃየ
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ እዚ ዓውድ እዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም ብፍለይ ኣብ እዛ' (ኤርትራ እታ ካልእ ሃገር)እትብል ብ ረሪመላ ሱከ) ዝተባህለ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንኤርትራ እትስራሕ ዘላ ፊልም ትየሪ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ ከም ዳይሬክተር፡ መንእሰይ ፊሊፕ ከም ሰኣላይ፡ መንእሰይ ክርስትያን ከኣ ከም ናይ ድምጺ ቴክኒሻን ኮ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5248-2020-09-06-08-12-05 | |
ንሎሚ ምስ መቓልሕ፡ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር | ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር
ሜ ጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ይበሃል። ኣብ ድርኮ መራጉዝ ብ4 መስከረም 1949 ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ቤ/ት ድርኮ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ሓደ ዓመት ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤ/ት ሳንጆርጆ ድሕሪ ምምሃሩ፡ ናብ ቤ/ት ቤት ገርግሽ ሰጊሩ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ቤ/ት ልኡል መኮነን ክሳብ 11 ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዩኒቨርስቲ ብምእታው፡ ስነ-ቅመማ ከጽንዕ ጀሚሩ። ካልኣይ ዓመት ከይወድአ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5247-2020-09-06-06-48-46 | |
ቀስተደብና ረቡዕ ግንቦት 2001 - ቃለ-መጠይቕ ምስ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ | ጀነራል ዑቕብ ኣብርሃ ነዚ ብኣጋጣሚ ዓስራይ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እነካይዶ ዘሎና ቃለ-መጠይቕ ንሕቶታትና ክትምለስ ፍቓደኛ ብምዃንካ ነመስግን። ብምቕጻል ናብ ካልእ ሕቶታትና ቅድሚ ምስጋርና ፈለማ ዑቕበ መንዩ?
ጀነራል ዑቕበ፡-ኣነ ብ29 ሕዳር 1949 ኣብ ደቀምሓረ (ሃዳሙ) ተወሊደ። ዕድመይ ንትምህርት ምስ ኣኸለ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ተማሂረ። እዚ ኸኣ ክሳብ 1969 ዓ.ም ምዃኑ ኢዩ። ገለ ክፋል ናይ ግዜኣብ ደቀምሓረ ገለ ክፋል ከኣ ናብ ዓዲ (ድቅናዞ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5242-2020-09-01-00-23-04 | |
ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን'ዩ? | 14 2004
ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሙን መን እዩ? ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ሓጺር ታሪኽ ህይወትን ኣስተዋጽኦን ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን ተኽለ ከነቕርበልኹም ኢና። ቅድሚ እዚ ሓተታ እዚ ምቕራብና ግን እዚ ዚስዕብ ሓጺር መግለጺ ነቕርበልኩም። ዚዝከር እዩ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሰልቲ መደባት ኣብ ትሕቲ 'ኣስቴር ፍስሓጽዮን መን ኢያ? ' ከምኡ እውን 'ማሕሙድ ሸሪፎ መን እዩ? ' ዚብል ኣርእስትታት ኣቕሪብናልኩም ነርና። እንሆ ኸኣ ሕጂ 'ጴጥሮስ ሰሎሞን መን እዩ' ዚብል ታሪኽ-ህይወታዊ ሓተታ ነቕርበልኩም ኣሎና። ብመ ጀመርያ፡ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/5235-2020-08-15-06-04-37 | |
ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) 13 2001 | 13 2001. - /
ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
"ፕረዚደንት ካብ ሕጊ ወጺኡ፡ ነዚ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይንሰላማዊ ተቓውሞን ብጎነጽ…ኪድርቁስ ኪፍትን ኣይግባእን"
"ካብዛ ኣካይዳ ጎብየ ትበሃል ተመዛዚት ሓረግ ክንናገፍ ከድሊ እዩ።"
ሕቶ፡-ቅሉዕ መልእኽቲኹም ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ጸዊዕኩም ከም እተነጽገ ይሕብር። ንኣኼባ ዘገድስ እንታይ ኩነታት ሃልዩ፡ ስለምንታይ'ከ ህጹጽ ኮይኑ? ኣኼባ ምጽዋዕከ ሕጋዊን ኣገባብን ዲዩ?
ድሩዕ፡ ማእከላይ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/docs/5234-august-13-2001 | |
ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ | ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡ ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ እውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ ሓዘንና ተኻፈልቲ ብሙዃን ዘጻናናዕኩሙና ኣሕዋትናን ፈተውትናን፡ ስለቲ ዘርኣኹሙና ሕውነትን ፍቅርን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ብልቢ ነመስግን ኣሎና። ክቡር ወላዲና ካብ ግዜ ጣልያን ጀሚሩ ብዙሕ ክርኢ ዝተዓደለ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ እዩ። ኣብዚ ልዕሊ 100-ዓመት ሓሊፉ ዝኸይድ ጉዕዞ ድማ ብብዙሕ ናይ ሕይወት ተመክሮ ዝሕለፍ ከም ሙኻኑ መጠን፡ ብብዙሕ ና... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/obituary/5165-2019-07-01-03-58-45 | |
ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን | ክቡር ተጋዳላይን ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ምስ ወዱ ክቆርስ ኢሉ ምስወጸ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረጋግጽ
ክቡራት ኤርትራውያን፦ ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈትሑ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ እዚ ስርዓት ንዝሓለፍ ብዙሓት ዓመታት ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ የእቲዎም ዝጸንሐ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/5139-2018-09-18-03-13-33 | |
ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት'ዩ ብትግረ። | ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት እዩ ብትግረ። ኣትላንታ ጆርጅያ ካብ እዛ ክነብረላ ዝተዓደልኩ "ብሚዛነይስ ገነት" ከተማ ቻርሎት ሰሜን ኣመሪካ ብመኪና ኣርባዕተ ሰዓት ዝወስድ ርሕቀት ኢያ ትርከብ። ስለ ዝኾነ ድማ ቀብሪ መርዓ ሓዘን ዝመስል ምብጻሕ እንከጋጥም፤ ናብ ኣትላንታ ኣንጊህካ እንተ ገሽካ፡ ምሕዳርካ ናብ ቻርሎት ምምላስ ዝመስል እዩ ናብራናን ጉርብትናናን። እዛ ትማሊ ቐዳም ነሓሰ ኣርባዕተ ዝኸድኩዋ መገሻ ግን ንኤርትራውነት ብዝምልከት ፍልይ ዝበለ ትምህርትን ነጸብራቕን ክርእን ክሰምዕን ዝተጸበ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/5119-2018-08-06-17-16-21 | |
ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ። | ዝኸበርካ ዶክተር አብይ፡
ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም ድልውነቱ ዘረጋገጸ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣመልኪትና ኣብቲ እዋን ዝተሰመዓና ባህታን እቲ ጻውዒት ሰላም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክወሃቦ ብዘዕባ ዝኽእል እወንታዊ ወይ ውን ኣሉታዊ ምላሽ ብዝምልከት ዘለና ስክፍታታት ብንጹር ክንገልጽ ፈቲንና ኔርና። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገመት... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/5116-2018-07-29-14-17-17 | |
ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት | ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት
እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት ዜጋታትና ከበሳብስ ዝጸንሔ ንሱ ዝርገቦም ገለ ገል ኣባላት እታ ቤት ማእሰርቲውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው። ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዑደት ናብ ዓዲ ኣቤቶ ጌሩ ከምዝነበረን ብሓላፍነት ክትሕተቱ ኢኩም ኢሉ ከም ዝኸደ ተወሳኪ ሓበሪታ ከምዘሎ ንሕብር። ኢሰያስ ካብ ሓላፍነት ንምሕዳም... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/5111-2018-07-20-21-53-35 | |
ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ? | ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና ከነርክብ። | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/waza/5099-eritrea | |
ምዕባለታት ድሕሪ ኣክርያ | ምዕባለታት ድሕሪ ኣክርያ
ካብ ፍሽለት ናብ ፍሽለት ዝሰጋገር ዘሎ ዐቅሊ ጽበታዊ ፈተነ ምጉጅጃል ህዝቢ ኤርትራ መርኣያ ምፍላም ተሪር ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ይሕብሩ። ህግደፍ ነቲ ካብ ኣኽርያ ዝተፈሓሓመ እምብይታ ሕዝቢ ፈለማ ናይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጠቀነ ክህቦ ፈቲኑ ምስ ፈሸለ ነቲ ስሙር ተቃውሞ ብናይ ብሔር ምጉጅጃል (ናይ ኣክርያ ጉዳይ ናይ ጀበርቲ ዘለዓዓልዋ ናይበይኖም ግዳይ ደኣምበር ናይ ምስልምና ኣይኮነን ብምባል) ብላይ ሜላ ይጥቀም ምህላዉ ብተወሳኺ ይሕብሩ። ከምቲ ኣ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/5005-2017-12-11-01-31-29 | |
ተማሃሮ ካልኦት ቤትምህርትታት አኽሪያ ድጋፎም ይገልጹ | ተማሃሮ ካልኦት ቤትምህርትታት አኽሪያ ድጋፎም ይገልጹ
ተወሳኺ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ኣኽርያ
ሓይልታት ጸጥታን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ምስቲ ተቃውሞ ምትእስሳር ኔርዎም ኢሎም ዝጠርጠርዎም ሰባት ዝወስድዎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ይቅጽል ኣሎ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ቤትትምህርቲ ዲያእ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
1. ኢብራሂም ሽፋ
2. ማሕሙድ ዓብደልቃድር
3. ዓብደልዋስዕ ኣሕመድ
4. መሓመድ ኑር
5. ኣይተፈልጠን
ምስዚ ኣብዝተኣሳሰር'ድማ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4984-2017-11-06-03-15-00 | |
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን |
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን
ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተነስነሰ ጠያዪት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝተቓለሐን ንኹሉ ኣማኒ ምስልምናን ክርስትናን ዘስደመመ ተርእዮ እዩ። ሎሚ እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ናይ ሓደጋ ደበና ከም ዝመጾ ክሓልፍ እዩ ኢልካ ዝግደፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግደፍን ሕቖን ከብድን ካብ ዝኾኑ ዓመታት ኣቚጺሮም ስለ ዘለዉ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብሰ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4980-2017-11-04-00-52-58 | |
ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብ ኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት | ሓጺር ጸብጻብ ምዕባለታት ድሕረ-ተቃውሞ ካብ ኣስመራ፥ ብ ኣባላት ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ከምኡ'ድማ ኣብ ጎደና ሓርነት ዘጋጠመ ናይ ተቃውሞ ሰልፍን ንዕኡ ንምብታን ዝሰዓበ ተኹስን ማእሰርትን ሎሚ ኩነታት ብተዛማዲ ሃዲኡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ'ድማ ኣብቲ እቶም ምስቲ ኩነታት ብምትእስሳር ተቀይዶም ዝነበሩ ተማሃሮን ኣዴታትን በብቅሩብ ይልቀቁ ኣለው። ድሮ ኣብ ኣኽርያ 5 ተማሃሮን 3 ኣዴታትን ተለቂቆም ኣለው። ንሶም ብዛዕባ ማእሰርቶም፡ ዝተገብረሎም መርመራን ካልእን ምስ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4979-2017-11-03-03-04-44 | |
ኣኽርያ ኣብ ሓለዋ ወተሃዳራት ምህላዋ ተገሊጹ | ትማሊ እቲ ናዕቢ ብተኹሲ ድሕሪ ምብታኑን ሎም እውን ሓደ ሓደ መንእሰያት " ተሓቲትኩም ክትምለሱ ኢኹም" ተባሂሎም ከምእተኣስሩን ዓበይቲ ግን ከምዘይተተንከፉን ምንጭታትና ገሊፆም። ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብዝተኸስተ ናይ መንእሰያት ናዕቢ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ተኹሲ ከም ዝተሰምዐ ምንጭታት ካብታ ከተማ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። እቲ ናዕቢ ድሕሪ ምግጣሙ ሒደት ሰዓታት ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስመራ ተቓውሞታት ከም ዘምሰየን፡ ፓሊስ ቶኽሲ ከም ዝ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4975-2017-11-01-17-49-36 | |
ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ መዓልቲ (10.31.17) ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት! | ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት!
ድሕረባይታ፥ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ካብ መፋርቅ 2014 ጀሚሩ ቤትትምህርታት ኮማዊ-ሰረት ክህልወን ዝብል መደብ ሒዙ ክንቀሳቀስ ጀሚሩ። ዕላማ እቲ መደብ ቤት ትምህርትታት ኣብ ትሕቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ክኣትዋ ዝብል ኮይኑ፡ ህዝቢ በብኸባቢኡ ተወዲቡ ኣብ ምሕደራን ፋይናንስን እተን ቤትትምህርትታት ከበርክት ዝብል እዩ።
እቲ ሓሳብ ናብ ሓለፍቲ ቤትምህርትታት ምስ ቀረበ ብዙሕ ተቃውሞ ገጢምዎ። እቲ ተቃውሞ፡ ዋላ እኳ እቲ ኣምር ከም ሓሳብ ቅቡል ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4972-2017-11-01-02-14-26 | |
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትና ቀንጠብጠብ - ተቖጠብ!! |
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላትና ቀንጠብጠብ - ተቖጠብ!!
ህግደፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ንነጀው ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካዊ ትካላትና ብህግደፍ ተባሒቱ ከምዝጸንሐ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ እቶም ናይዚ ተርእዮ ግዳያት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራ እናበኸዩ ዘልዕልዎ ሓቂ ኮይኑ፡ ህግደፍ ግን እናኣሽካዕለለ ዘስሕቀሉ ጉዳይ እዩ። ንህዝቢ ስለ ዝጨቖነን ኣብ ትሕቲ ጫምኡ ስለ ዝረገጸን ሓበን ዝስመዖ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ከምኡ ኢሉ እናቐጸለ ክነብር እምበር ከመሓይሽ እዩ ኢል... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4970-2017-10-31-22-41-12 | |
'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን' | 'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን'
እዛ 'ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን' ዘርእስታ ሓጻር ዓንቀጽ ካብታ ብተስፋሚካኤል ትኩእ 'ሃገሬ የህይወቴ ጥሪ' እትብል መዘከርታ መጽሓፍ ቆንጢረ ዘቕርባ ዘለኹ ኢያ። እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ጣልያን አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቶ መግዛእታዊ ፖሊቲካ አቃሊዐ ብመጠኑ ድማ ናይታ ወሳኒት ዝነበረት ውግእ ሓላይ ቀዳማይ ምንጪ ኮይና ዝረኸብክዋ ብምዃና ካብ አምሓርኛ ተርጒመ ንአንበብቲ ከቕርባ እንከለኹ ምስናይ ሓበኑ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ አብ ልዕሊ ጣልያን ዝተፈነወ ሀ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4958-2017-10-19-04-35-36 | |
ውጽኢት ምይይጥ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎን፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃንን |
ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ
جمعية سنيت الإريترية
ውጽኢት ምይይጥ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎን፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃንን
ኣቐዲምና ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ሳንድየጎ ንምርኻብ ዝወሰዶ ተበግሶ ኣዚና ነመስግን። ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ንብድሕሪ ሕጂውን ንኹሎም ውድባትን ሲቪካውን ፖለቲካውን ጽላላትን፣ ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብዘይ ኣፈላላይ እናተቐበለ ክዛተ ድሉው ምዃኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ይሕብር። ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ሓድሽ ኣቀራርባን፣ መንፈስን... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4956-2017-10-18-11-07-30 | |
ርእሰ ምትላል! ምጽልማት ሓርነትን ምግሃስ ፍትሕን ዘስዓበ ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ኤርትራ ኢዩ!!! | ርእሰ ምትላል!
ምጽልማት ሓርነትን ምግሃስ ፍትሕን
ዘስዓበ ቀንዲ ጠንቂ ሃገራዊ መዓት ኤርትራ ኢዩ!!!
ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)
ሓምለ 22፡ 2017
``ኣንጻር ሓድሕዳ ዝተመቓቐለት ቤት ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ። `` ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮልን
እታ ``ምእንቲ ናይ ጽባሕ ራህዋ ሎሚ ድኸም፡ ጥመ`` እትብል ነእምሮ ህዝቢ ዘደንዘዘት፡ ነእዛኑ ዝለዀዀት ብዘይካ ጸልማትን ጥፍኣትን ካልእ ትርጉም ዘይብላ፡ ንምትላል ህዝቢ ዝተማህዘት ባዶ ጭርሖ ፋሺ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4932-2017-07-24-05-59-59 | |
ካብ እንዳ ራእሲ ክሳብ'ንዳ ባሕረ'ጋሲ ዘላ ባእሲ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ'ያ ትኾና ፈውሲ! | ካብ እንዳ ራእሲ ክሳብ'ንዳ ባሕረ'ጋሲ ዘላ ባእሲ
ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ኢያ ትኾና ፈውሲ!
"ዝሓዝናዮ ኣይነቃልል ከይንኣቱ ናብ ዕንፅል-ፅል፡ ኣብ ውዲት ኣግኣዝያን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትንተናዊ ጽሑፍ" (ካብ ህዳሰ ኢትዮጵያ) [ 05/21/17] ዘርእስቱ ጽሑፍ ምሰ'ንበብኩ ኢየ እዚ ዝስዕብ ምሳለይ ክሕውስ ዝተበገስኩ። ቅድሚ ኹሉ ግን ወያነን ሻዕብያን ብ1998 ክንዋጋእ ንብገስ ኣለና ክብሉና እንከለዉ'ሲ፡ ዋ! ሰይጣንዶ ፈስዩልኩም ደቀይ! አረ በጃኹም፡ "ኢትቅተል" ኢያ ትብል ቀዳመይቲ ትእዛዝ ናይ ወለ እዚ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4931-2017-07-23-00-45-23 | |
ተወሳኪ ሓበሪታ ካብ ኣባላት ዓርቢ ሓርንት ኣብ ጉዳይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ | እቲ ብሰንበት ዝነበረ ጉዳይ ዕርቂ ካብ ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ ዝጀመረ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ፓትርያርክ ዝርከብዎም ቀሺ በረኸት ዝበሃል ኣገልጋሊ ናይ ቤተክርስትያን እንዳቆርቆስ፡ ናይ ሰበኻ ዓዲ ቀይሕ ሓላፊ፡ ምስ ገለ ፈለስቲ ብምትሕብባር ናይ ዕርቂ ፈተነ ጌሮም ኔሮም። እቲ ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ፈተነ ዝሓዘት ጽሕፍቲውን ኣብ መርበባት ሓበሪታ (ኢንተርነት) ወጺኣ ኔራ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት (ገለ ቅርበት ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ከምዝበሉዎ) ዝስራሕ ዘሎ ድራማ ከምይ ጌርካ ንህግደፍ ዝምእዘዝ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4925-2017-07-19-15-19-34 | |
ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ቅድስተ ማርያም ቅዳሰ ከምዝተሳተፉ ተረጋጊጹ | ትማሊ ሰንበት ሰነ 16 2017 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ኣብ እንዳ ቅድስተ ማርያም ቅዳሰ ከምዝተሳተፉ ተረጋጊጹ ኣሎ። የግዳስ ዛጊት ናብ ቦትኦም ከምዘይተመለሱ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት የረጋግጹ። እቲ ትማሊ ዝተገብረ ቅዳሰ ናይ ዕርቂ ደኣምበር ካብኡ ሓሊፉ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ናብ ንቡር ሂወት ዝመልስ ኩነት ከምዘይኮነ ንሕብር። ኣብ መግለጺ ሓደ ካብቶም ናይ ዕርቂ ሽማግለ፤ ዕላማ ናይዚ መደብ ነቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ዝተገብረ ዕርቂ ንህዝቢ ንምግላጽ ምዃኑ ገሊጹ። ብምቅጻል እቶም ጳጳስ ተጸሊ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4922-2017-07-18-02-24-45 | |
ሳልሳይ መልእኽቲ፡ ሕልናና ንመርምር ነቲ ዝተሰርቅናዮ ሃገራዊ ሰላማ ንምለስ | ሰላም ሰላም ኩሉኹም ኢርትራውያን ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡
ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም? ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ደሓን ኣሎኹ። እንሆ ካብ ካልእ ግዜ ቅልጥፍ ኢለ መጺኤ ከመይ ስቃይ ህዝብና ከብ ዝኸፍኤ ናብ ዝኸፍኤ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ክጠቅም ይኽእል ይኸውን ኢልካ ትሓስቦ ሓሳባት ሻቡ ክትካፈሎ ትደሊ። እወ ሓደ ዝኾነ ይኹን ሽግር መፍትሒ ክርከቦ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ መጀምርታ ሽግር ከም ዘሎ ምእማን እዩ። ብኣካል ተረኺብካ ኣብ እትዘረብሉ ይኹን ብጽሑፍ እዚ ዘ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4919-2017-07-02-05-26-25 | |
ኵን ንባዕልኻ | ኵን ንባዕልኻ
ኣነ ክኸውን ባዕለይ ኵን ንባዕልኻ ቀልጢፉ ኣይሰለብ ልብኻ ረሸሽ ኢሉ ኣይድከም ብርክኻ ድምጺ ኣቡናት 'ከ ሰሚዕካ 'ዶ ቐኒኻ ክጠርዑ ተጣሪዖም እንዳበሉ ኣበሎ ሓውኻ ብዱዓት ምስ ተጋሰሱኻ ብምራን ባርነቶም ቀፊዶም ድሃዅኻ ጠይቂ ዲኻ ኣድጊ ክንድዚ ዘሕስሩኻ ካብ ድላዮም ኣልዒሎም ኣብ ድላዮም ዘንብሩኻ ከም ድስትን ሸሓንን ናይ ውሻጠ ኣቕሓ መርከብ ባርነቶምሲ ተውጻኣካ 'ላ ነነዲሓ ኣብ መንገዲ ትረኽበካ ኵላ ሸሸላሓ፡ ኵላ በበላሓ ማእከላይ ባሕሪ 'ኽኣ ትቕበለካ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣብ ማህጸና ከተን... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4916-2017-06-22-05-09-08 | |
ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ። | ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስዕ። ኣብዚ ሓጺር እዋን ኲነታት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ደረጃ ምብጽሑ ንቡዙሓት ዘሰከፈ ጉዳይ ኮዩኑ ተረኺቡ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ሓዲሽ ተርእዮ ዘይኮነስ፡ ንዐሰርተታት ዐመታት ተጠጂኡ ዝጸንሔ ሓንሳእ ክግንፍል ንዉሱን እዋናት ድማ ክሰክን ዝተዐዘብናዮ ኲነታት ኢዩ። ጠንቂ ናይ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ በጺሑ ዘሎ ቅልውላው ድማ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ባእታታት ናይቲ ዞባ (ብሓፈሽኡ ድማ ምስ ወጻእተኛታት) ዝሰፈነ ዘይተዐረቕ ግርጭታት ብርኡይን ብሱዉርን ኣብ ምፍሕፋሕ ደረጃ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4911-2017-06-15-03-05-13 | |
ዝኽረ ስዉዓት | ንዘክሮም ብኽብሪ
ነቶም ስለ ነጻነት
ስለ ሓርነት
ስለ ማዕርነት
ስለ ሕጊ
ስለ ልዑላውነት
ስለ ኅውነት
ስለ ሕዝቢ
ስለ ሃገር ዝተበጀዉ
ሕይወቶም ዘወፈዩ
ኣብ ሰዊት ዕድመኦም
ኣብ ግንባር ወዲቖም
ዝሓጸረ ሕይወቶም ዕምሪ
ፍትሓት ዘይረኸቡ ነባሪ
ሬሳታቶም ዝሓረሞ ቀብሪ
ሓመድ ወዲ ኣዳም ዘይዓለቦ ጸምሪ
ግናኸ ዝሃቡና ሕድሪ
ንዘክሮም ብኽብሪ
ብሰላም ይዕረፉ ንዘለዓለም ዝኽሪ። ንዘክሮም ጀብሃን ሻዓብያን ከይፈለና
የማናይ ጸጋማይ - ሓረስታይ ሸቃላይ ከይበልና
ብኃባር ጀጋኑ ተጋድሎ
ሰብ ነዊሕ ተመክሮ
ስብ ብዙሕ ተ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4910-2017-06-15-02-57-01 | |
ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን መትከላዊ መሪሕነት ቅድመ ኩነት ህላዌ ግዝኣተ-ሕጊ`ዩ!!! | ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን መትከላዊ መሪሕነት
ቅድመ ኩነት ህላዌ ግዝኣተ-ሕጊ`ዩ!!!
ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)
ግንቦት 8፡ 2017
ጻማ ክቡር መስዋእቲ ክቡር ናጽነት ካብ ዝጥለም፡ እነሆ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዘመን ቀዳማይ ዓመት ረጊጽና። ``ማሕበርካ ቦዀረ፡ ሻራኻ ተሳዕረ ኣይበሉኻ `` ከም ዝበሃል፡ ብሰሪ ብትም ምባልናን ተፋናጪልና በብውልቀ ምሕሳብናን፡ ውልቀመላኺ ዓጋቲ ስኢኑ ኣብ ዓለም ብዘይተራእየ ውስጠ ምጽናት መንእሰያትናን፡ ዕንወትን ድሕረትን ሃገርናን ብሚእቲ ዓመ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4908-2017-06-13-17-16-04 | |
ዋሪ! | ዋሪ!
ብርህቲ ቐለም ድምቕቲ ሕብሪ
ምስ ንፋስ ትጎዪ ቀጣን እግሪ፡
መዓንጣ ሰቲ ከም ናይ ነብሪ
መቓልሕ ድምጽኺ ደወል ደብሪ፡
ኣብ እቲ እዋን ቀውዒ
ብሰማይ ኣቢልኪ ክትዝምሪ
መቓልሕ ድምጽኺ
ብስራት እዩ ዝጥዕም ናይ ፈጣሪ። ዋሪ ኩሕለይቲ
መዓልቲ ምስ ለይቲ
ብጸልማት ብመብራህቲ፡
ካብ ገረብ ናብ እምኒ
ካብ ሳዕሪ ናብ እኽሊ
ካብ ኦም ናብ ምድሪ
ክትነጥሪ ክትነፍሪ፡
ወንጭፍ ከዕጥቐኒ ዒቃ ዘጽሓገኒ፡
ኩሉ ተግባራትኪ
ሎሚ ትዝ እንክብለኒ
ጎቦታት ናይ ዓደይ እዩ ዘኻኽረኒ። ዋሪ ደቃቕ ዓይኒ
ካብ ርሑቕ ካብ ላዕሊ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4905-2017-06-09-14-56-20 | |
ጽልኣትን አፈጣጥርኡን | ጽልኣትን አፈጣጥርኡን
ጽልዓት ዝፍጠር ብሰንኪ ሕሱም ስቓይን ውርደትን እዩ። አበይ ይፍጠር? አብ ውሽጢ መዓሙቕ ከብዲ። ብኡ ንብኡ መዓንጣ የሕርር። ይድይብ ንልቢ የንድድ። ሰውነት የቃጸል። አፍልቢ ኪዓብስ ይዳናደን ትንፋስ ይቆራርጽ። ስኒ የሀርቅም። ዓይኒ የደፍርስ ይበትዕ ደም የልብስ። ነድሪ ይፈጥር በርቅን ነጎዳን የግዕር። መዓት አይሒ የዝንብ ዚጋላበጥ ማዕበል ነገር ይፈጥር። አምባጓሮ እሳተ ጎመራ ይትኩስ። አብ አዝዩ ፈታኒ ኩነት ጽንዓቱ ዚመክን እምነት አለኒ ክብል አይክእልን። ፈጣሪ ይብል ብ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4903-2017-06-05-06-54-30 | |
ኤርትራ መዓልቲ ናጽነት! | መዓልቲ ናጽነት! ሓሳባት ዝዕድም ዕለት ኢዩ፣ ሓቀይዶ? እዚ እናጸሓፍኩ ኣብ ቅድመይ እትርከብ " ( 'ወታሃደራት፡ ስውኣት፡ ከዳዓትን ስደተዓታትን`) ዘርእስታ መጽሓፍ እጥምት ኣሎኹ። እዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዛዕባ ከማይን ስድራይን ዝኣመሰሉ እንድዩ ደኣ ዝዛረብ ዘሎ ዝመስል። ኮይኑ ግን ነቶም ሕጂ በቲ ስርዓት ከዳዓት ዝቑጸሩ ኣብ ሰደት ዘለዉ ተጋደልቲ ወለደይ፣ ሰብ ምስቶም ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ዝመንዘዑ ሸፋቱ የደናግሮም ኣሎ። ናይ ኣኮይ መስዋእቲ ንብላሽ ኔሩ ማለት ድዩ? ብሓቂ፡ ብዙሕ ዘተሓሳስብ`ዩ። ኣነ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4897-2017-05-26-01-52-28 | |
2ይ ክፋል ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ! | ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ!
" " ዝብል ጽሑፍ ኣብ ገጽ 280 ይንበብ። እወ ኣደና ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሰን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን። ናይ ምምላስ መሰል እንቋዕ ኣይተነፍገን። ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረለን። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም እታ ናተን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ምንብባር መሰሉ፡ ብልምዱን ብባህሉን ምእንቲ ክኣልያ፡ መንጸፍቲ ሓሳባት ናይ ምግዳል፡ ዝሓለፈ ይኣክል ኢሎም፡ ኣእዳዎም ክእክቡሉ ጸሎተንን ምርቐአንን ይርድኣዮ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ናብ እቲ ቐንዲ ትሕዝቶ ናይ እዚ ጽሑፍ መእተዊ ዝኸውን ግፍ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4877-2-2 | |
ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ | ኣገዳሲ መጸዋዕታ
ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ
ዕላማ ኣኼባ፡ ኩልና ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመና ኣብ ፐንሲልቫንያ ደለዌር ስተይት ከምኡ እውን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲ እንነብር ኤርትራያን ተቓለስቲ ንፍትሒ፣ ዝውክሉና መራሕቲ ንኽንመርጽ
ዕለት፡ ሰምበት ሚያዝያ 02፣ 2017
ሰዓት፡ 2:00 ድ.ቀ.
ቦታ፡ 102
600 43 19104
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤሪትራዊ ብዘይ ናይ ጾታ ፡ ብሄር ወይ ሃይማኖት ፍልልይ ሽግርና ንምፍታሕ ጉዳይ ኩልና ምዃኑ ኣሚንና... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4866-2017-03-28-06-32-30 | |
ይዋእ ስደተኛ ኤርትራ። | ሰብ ዘይተጸበዮ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዐወት፡ አብ ርእሲ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ብሕልፊ ኤርትራውያን ኣሉታዊ ተጽዕኖ ከምዝህልዎ ኣብ ምጥያስ ስደተኛታት ተናጢፎም ዝርከቡ ኣመሪካውያን ይገልጹ። ግደ ሓቒ ክንዛረብ እንተኾዩኑ ግን እዚ ሓደገኛ ኲነታት ዝተኸስተ ብግዜ ምምሕዳር ኦባማ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ዘለናዮ እዋን ካብ ዝሓለፈ ፍሉይ ዝገብሮ ዝተወስዱን፡ ዝውሰዱ ዘሎዉን፡ ንመጻኢ ክውሰዱ ዝተወጠኑ ስጉምታትን ምስናይ ምጉብዕባኡ ስለ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ብዙሓት ብጌጋ ክርድእዉ ስለ ዝኽእሉ ብ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4864-2017-03-28-05-07-30 | |
ጸጋ! | ከም ብርሃን ወጋሕታ ኮኾብ ጽባሕ
ውነኺ ዝብለኒ ወቓሕ-ወቓሕ
ቀልበይ ተንፍርያ ከም እዛ ቆቛሕ፡
ንኣኺ ፈሊጠስ
ብጸሓይ ክውቃዕ … ብኢደይ እሙቋሕ። ብማዕዶ ክጽብጽብ በይነይ ከድንቐኪ
ከይነውሕ መዓልቲ፡
ጸጋ ኽብለኪ ኢየ … ልበይ ክህበኪ
ክጽበየኪ ኢየ ክትከፍትለይ ናትኪ። ናይ ወራዙት እዩ ምስምማዕ
ዓቢ ጥበብ እዩ ንግሆ ምንቃሕ። ኣይፍለጥን ግን
ምስ ብዙሕ ምርቓቕ … ዘሎ ምርሕሓቕ፡
ምሒር ምስ ምጥንቃቕ … ዝስዕብ ምዝንጋዕ፡
እርጋን እዩ ዝጽጋዕ … ግርማ እዩ ዝፍንጣሕ። ጸጋየ ወይኖ መኣስ ትስሕትዮ
ንእስነት... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4855-2017-02-22-20-03-07 | |
ዘሕዝን ፍጻሜ ሓንቲ ስድራ፡ ውጽኢት ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ኤርትራ!! | ኣብቲ ብ "ቀይሽብር" ዝፍለጥ ድሕሪ ውድቀት ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን፡ ምምጻእ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ነንሓድሕዱ ተሃናዂቱ፡ ከም ውጽኢቱ'ድማ ኣብ ርእሰከተማ ኢትዮጵያን ካልኦት ከተማታትን ከቢድ ህልቂት ስዒቡ። ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ህልቂት እቲ ስርዓት ዕምሪ ስልጣኑ ብዋጋ ህዝቢ ንምንዋሕ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ዝዓደሎ ፈኮስቲ ኣጽዋር እዩ። ፈኮስቲ ኣጽዋር ኣዝዩ ሓደገኛ ንብረት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኢድ ሰለማውያን ሰባት ንኸይኣቱን፡ ኣብ ሕማቅ መዓላ ንኸ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4852-2017-02-17-03-52-47 | |
1ይ ክፋል ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ! | ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ!
" " … (1 109)
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን'ሲ ብእመት ድዩ ብመጽዓን ዝዕቀን ኣብ ዝብል፡ ኲናትን ኣነዶ ንስኻ ንመልኽን፡ ዝዓብለሎ መስርሕ ኣተኣላልያ መጻኢ-ዕድል ናይ ኤርትራውነት፡ ገለገለ ክቡራትን ዓበይትን ናይ ታሪኽ ኣቦታት፡ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም ካብ ምምስካር ሱቕታ ዝመርጹሉ ኩነታት ምሰ'ጋጠሞ፡ ናይ ኤርትራ ታሪኽ ተመራማሪ ክቡር ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ "… ገለ ኻልኦት ግን ኣዝዩ ወሳኒ ተመኩሮን ዛንታታትን እናሃለዎም፡ ፍልጠቶም ከካፍሉ ዘይደልዩ ኮይኖም... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4847-2017-01-30-04-55-25 | |
ሰነድ ቪድዮ "ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት" ስለምንታይ? | "ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ገዛእ ሃገርካ ወይ እውን ካብዚ ብዝዓዘዘ ኣብ ቤትካ ወይ እውን ካብ ገዛእ ርእስኻ ይጅምር"
"ኤርትራውያን ነበርቲ እገለ ካብኣቶም ዝድለ ግቡኣት ከማልኡ ቅሩብነቶም ገሊጾም" ዝብልን ዝመሳሰልን ጥራይ ዋሕዚ ዜናታት መንግስታውያን መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ኣብ ዝደጋገመሉ፡ ንመሰረታዊ መሰል ሰብ ዝገልጽ ቪድዮ ምድላው ኣገዳሲን እዋናዊን ይገብሮ። ግቡኣቱን ግዴታቱን እምበር መሰረታውያን መሰላቱ በቲ ዝምልከቶ መንግስቲን ምምሕዳርን ተሓቢሩዎ ንዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ኣድማሳዊ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4837-2016-12-05-16-48-21 | |
' | ማደት 1፡
ክሎም ውላድ ሚንኣደም ምን አምዕል ተውሊደቶም እንዴ አንበተው ሑር ወአክልሕድቶም። አክልሕድ ላቱ ሕቁቅ ወሕሽመት ቦም። ደሚር ወእህትማም ለትሀየበው ኽሉቃም ሰበት ቶም ኖስ-ኖሶም አድሕድ እግል ለሐሽሞ ወልርሐሞ ወጅቦም።
ማደት 2፡
ለገብአ ልግበእ ነፈር አምበል ፈናታይ እሊ ሽሩሕ ለህለ ሕቁቅ ወሕርያት እግል ልርከብ ቡ፡፡ እሊ ህዬ አምበል ፈናታይ አስል ወሕብር፡ ሸክል ወጅንስ፡ ህግየ ወደያነት፡ ርዝቅ ወቆምየት፡ ምዩል ስያሰት ወረአይ እቡ እንዴ ኢልትፈንቴ ሕቁቅ፡ ዋጅባት ወሕርየት እግል ልርከ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/doc-archive/4836-universal-declaration-of-human-rights-articles-translated-into-tigre-language | |
ዓዲ ጽምብላ |
ዘርኢ ጽምብላሊዕ
ሃሪ ነጸላ፡ ዝጉልባባ
ኣብ ዝባን ቆጽሊ ተኽሊ'ውሊዕ
ዝትውልዳ
ንመገሻ ክትቅረብ፡ ንዓዲ ጽምብላ
መንገብገብ ኣርኒባ፡ ወግሐ ጸብሐ
መለኸት ብርሃን ክትጽበ
በለት እኖኹ'ብዚ ተኾርምየ
በቃ ብቆጽለ'መጽሊ ተጀኒነ
ባዕለይከ ዘይመልካ፡ ካብ ነታ መለኸት ዝጽበ
'ዛ መለኸት ደኣ ጓል መን ኮይና?
ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ባሕሪ ቃላት ጠሊቓ
ኣምሳል ወለዶ፡ ምስሊ ከተጻሪ
ጀመረት ጉዕዞ፡ ጉዕዞ ሕልሚ
ይዝከረኒ ሓደ እዋን
ካብ ሓደ መልኣከ ዝበሃል
ክቕበል መልእኽቲ ካብ ዓዲ ማልኽቲ፡ ክንዮ ሽምብ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4835-2016-11-27-06-42-58 | |
ሕሰም ህዝብና ንሓዋሩ ከብቕዕ ዝመርሓና ኣድማዒ ስትራተጂካዊ ውጥን | ሕሰም ህዝብና ንሓዋሩ ከብቕዕ ዝመርሓና ኣድማዒ ስትራተጂካዊ ውጥን
ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
ኣርኣያ ደበሳይ1
መእተዊ
ብመጀመርታ ናብዚ ዋዕላ ብምዕዳም ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሕን ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝደናገጹ ወጻእተኛታትን ንክራኸብ ዕድል ዝኸፈተይ ሜሮን ስመርዳር ከመስግን እፈቱ። ብተወሳኺ ከኣ፡ ንዩኒቨርሲቲ ሳንፍራሲስኮ ነዚ ዘተ ኣብ ምስንዳእ ብዝገበሮ ምትሕብባር፡ ንተዛተይቲ ብዘቕረብዎ መሃሪ መደረታት፡ ንካልኦት ተሳተፍቲ ከኣ ግዜኦም ወፍዮም ኣብ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4829-2016-11-08-04-49-55 | |
ክልተ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር ሃገርና ሓንቲ ናይ ታዕሊም ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ከምዘኣተዉ ተረጋጊጹ፡፡ | ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዝሰደደልና ሓበሬታ፡ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ባርባራዊ ዓፈና ዝተማረሩ፡ ኣብራሪ ሚግ 29 ፡ 27 ዝኾነ ተለንተ መብራህቱ ተስፋማሪያም መንገሻን ኣብራሪ ክኢላ ናይ ታዕሊም ነፈርቲ ሬዲ ጎ ፡ -12ን ዝሊንን ዝኾነ ምክትል ተለንተ ኣፈወርቂ ፍስሃየ ገብረየሱስን ሎሚ 26 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ሰዓት 10 ናይ ንጉሆ ሓንቲ ናይ ታዕሊም ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ፡፡
እቶም ካብ ሃገርና ተበጊሶም ናብ መቐለ ዝኣተዉ ክልተ ፓይለታት ኣባላት ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4820-2016-10-27-01-18-04 | |
ጉቡእካ ጌርካ መሰልካ ምስ ትንፈግ እንትይ ኢኻ ትገብሮ? | እዚ ሕጂ ዋና መጽሓፊየይን መዛረብየይን ኮይኑ ዘሎ ብዛዕብቲ ብቛንቛ እንግሊዝ ተጻሒፉ ብሕቡራት መንግስትታት ሃገራት ብታሕሳስ 10 1948 ዝጸደቀ ናብ 500 ቛንቛታት ዝተተርጎመ ሕጂ ብትግርኛ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰባኣዊ መሰላት ተባሂሉ ኣቶ ተስፋልደት ኣብ ደንቢኡ ኣብ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣዩ። እዚ መደብ ኣዚ ብሓቂ ብዉሕሉል ኣገባብ ዝተዳላወን ኣብነታውን እዩ፡፡ ዉሕሉል ዘበለኒ እቲ ኣጃማምርኡን ሙዚቃኡን ቃላቱን ኣዝዩ ተዋሃሃዱ ጀሚርካ ክትገድፎ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ኣብነታዊ ዘበለኒ ድማ ብሐደ ስብ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4819-2016-10-22-05-43-12 | |
ዕላላተይ ምስ ስዉእ መልኣከ ተኽለ። | ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሸውዓተ ክትዝርጋሕ ዝጀመረት ታሪኽ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ እትገልጽ መጽሓፍ ረኺብኩም ኣንቢብኩማ ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ብወገነይ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ዝቐረበ ንስዉእ ተጋዳላይ ወልደዳዊት ተመስገን ዝምልከት መግለጺየይ ኣብ ዘቕረብኩሉ ግዜ ብዛዕባ ጅግና ስዉእ መልኣከ ተኽለ እውን ከዕልለኩም እየ ዝብል መብጽዓ ኣስፊረ ነይረ። ኣጋጣሚ ኣብቲ እዋን እቲ ሓወይን ብጻየይን ዝኾነ ግርማይ ቦኽረ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ መጽሓፍ ክጽሕፋ ጀሚሩ ስለ ዝነበረ እታ መጽሓፍ ድሕሪ ምዝርግሓ ንኽጽሕ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4818-2016-10-16-22-39-30 | |
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ወርዳ ሳንታ ክላራ ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዓዊቱ | ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ወርዳ ሳንታ ክላራ ናይ ኣስታት
ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዓዊቱ
ቤት ጽሕፈት ንምጥያስ ስደተኛታት ወይ ከኣ ኦፊስ ኦፍ ረፊጁ ሪሰትልመንት ተባሂሉ ዝፈልጥ ፈደራላዊ ትካል ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንማሕበርኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳንታ ክላራ በቲ ዘቐረቦ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ስራሕ ፕላን ምርኩስ ብምግባር ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ($495,030) ዶላር ኣሜሪካ ፋይናንስዊ ሓገዝ ኣበርኪቱሉ። ነቲ ዝተረኽበ ፋይናንሳዊ ዓወት ኣመልኪቱ ንኣባላት ኣብ ዝዝርገሖ መልእኽቲ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4815-2016-10-11-21-22-29 | |
ቃለ መሕትት ምስ ጠበቓ ናይ 3 ኤርትራዊያን ከሰስቲ ኣብ ልዕሊ ኩባኒያ ነብሰን | ሎሚ ኣብ ካናዳዊ ቢት ፍርዲ፡ ኩባኒያ ነብሱን ኣብ ቢሻ ዘካይዶ መስርሕ ዕደና ዝተተሓሓዘ ፡ በቲ ኩባኒያ በደል ወሪዱና ብዝብሉ ሰለስተ ኤርትራዊያንጉዳይ ክሲ ኣብ ናይ ካናዳ ቤት ፍርዲ ክግበር ዉሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ፡ ብዛዕባቲ ዉሳነ ምስ ሓደ ካብ ጠበቓታት ናይ ዝተገብረ ቃለ መሕትት እንሆ። | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4810-3 | |
ትካላት ኢንተርኔት፡ ንተጠቀምተን ክምዝግብኦም ይግደዳ | ኣቀዲሙ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ፡ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለውን፡ ሰባት እውን ከምዝቀየዱን ዝገልጽ ሓበሬታ ቀሪቡ ኔሩ
ከም መቀጸልታ ናይዚ ቀይዲ'ድማ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ንኹለን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ዘዋሪ መልእኽቲ ዘርጊሖም ኣለው። ብመሰረት እዚ መምርሒ ኩለን ትካላት ትካላት እንዳ ኢንተርኔት፡ ንተጠቀምተን ክምዝግብኦም ክግደዳ እየን። እቲ መዝገብ ምሉእስም፡ ኣድራሻ፡ ቁጽሪ መንነት፡ ዓይነት መንነት (ታሴራ፡ ፓስፖርት ወ.ዘ.ተ.…) ዘጠቃልል ኮይኑ፡ ዝኾነ ኣ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/150-articles-video/4806-2016-10-06-21-52-48 | |
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኦም ብምኽንያት ሕማም ኣብ ኒውዮርክ ዓሪፎም። | ዋሽንግተን —
ኣምባሳደር ግርማ ትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ከምዝዓረፉ ዝተፈልጠ ሎሚ ኽከውን ኸሎ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ከምዝነበሩ ተፈሊጡ ሎ። ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣውሮጳን ሓዊሱ ኣብ ሓያለ ሃገራት ብኣምባሳደርነትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት አገልጊሎም ኢዮም። ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ብዓለምለኸ ዝምድና ካብ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ዲሲ ብማስተርስ ዲግሪ ዝተመረቑ ኮይኖም ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊት ጋንታ ተጻ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4805-66 | |
ህዝቢ ኤርትራ ነፍስናን መሬትናን ምርኣይ ምግጋይ ኴንና፡ ሎሚ ዘይነደርናስ መዓስ? | ብዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)
ጥቅምቲ 1 2016
እዚ ትርእዩዎ ባህሪያዊ ስእሊ ምድሪ መሬት ኤርትራ ኣይኮነን! ግዳይ ውዲት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ግሒጡ ምስ ወድኤ፡ ብዘይ ሓላፍነት የዕኒዩ ዝሃድም ባዕዳዊ ኩባንያን ዘስዕቦ ናይ ዘሎ ዕንወት ስእሊ`ዩ። መሬት ኩሉ ኢያ! ህዝባ ምስ ዝሕልዋን ዝከናኸናን፡ ወሃቢት ኩሉ ዓይነታት ጸጋኣ ኢያ፤ ኣይትጠልምን`ያ! ኣደ ምድራዊ ህይወት`ያ፤ ናብ መሬት ክሳብ ንምለስ፡ ኩሉ ንህይወትና ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4802-2016-10-05-02-19-21 | |
ቅርሺ! | ቅርሺ!
እዛ ከባብ ምድሪ
ቀላያት ምስ ባሕሪ
ጻዕዳ በረድ ምስ ዛሕሊ
ሙቐት ጸሓይ ከም ጓህሪ፡
ብዘይ ኮረሻ ናይ በቕሊ ኣብ ዝባና ክትረሪ
ዘይትሕለል ብዓቕሊ፡
ንቕርሺ ክትደልስ
ምስ ለይቲ ምስ ቀትሪ ትገላብጥ ባህሪ!
ንጓልን ንወድን ትሳጺ ከም ፍቕሪ!
ቅርሺ መናበሪ
ብማዕዶ መህረሪ መማቕርቲ ጻዕሪ፡
ስግር እምኒ ምድሪ ዘሊላ ከም ዋሪ
ዓምቢባ ክትፈሪ ክትለምዕ ከም ሳዕሪ፡
ኣብ ዓድን ኣብ ዓውድን
ክትጭበጥ ከም ዕትሪ
ክትምቅር ከም ተምሪ
ከም ሩባ ክትዛሪ ጥበብ ኢያ ትደሊ፡
ከም ገልዒ መጽሓሪ ንረመጽ መዝሓሊ። ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4798-2016-09-27-06-32-31 | |
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ለበዳ ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ | ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ለበዳ ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ ንሰፊሕ ከባቢታት ሃገርና ዝሸፈነ ለበዳ ሸሮኽ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ኣቀዲሙ ተሓቢሩ ኔሩ። ብመሰረት ካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ረኺብናዮ ዘሎና ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዚ ለበዳዚ ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። እዚ ካብ ሸለልትነትን ንዕቀትን ዝብገስ ምድፋን ሓበሬታ፡ ነቲ ከባብያዊ ጽሬት ብምሕላው፡ ሕማም ምስ ዘጋጥም ድማ ልሙዳት ዝኾኑን ኣብ ዕዳጋ ብቀሊሉ ክርከቡ ዝኽእሉን መድሃኒታት ብምዝርጋሕ፡ ከምኡ ድማ ከ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4795-2016-09-25-23-52-34 | |
ጉድ'ዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር! | ኣቤት! ንጠፍእ ኣለና ብዕሹራት
ብሰብ-መሰል ኣራዊት
ኣብ ጎዳጉዲ ከይተሰምዐ ኣውያት
ብደም ጀጋኑ ጨቅያ መሬት
ብፍላይ ካብታ 18 መስከረም ዕለት
ንህዝቦም ሓበን ዝኾኑ ጀጋኑ ዝበልዐት
እናገደደ ዝመጸ ጥልመት ቅትለት
ተስፋ ህዝቢ ዘጸልመተት
ጉድ እዩ ተረኺቡ ዘሎ ዘይ-ኢትነገር!
• (ክንገር ዘይከኣል)
ንዝረኣዩ ዘጸልል ንዝሰምዑ ዘባህርር
ኣብዛ ደቅናን ደቂ ደቂ ደቅናን ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር!
በላዕ ጥዑም ፈዳይ ሕሱም ወሊዳ ሃገር
ክንዲ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሕ ንዝዝቢ ዝምህር
ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/116-poems/4787-2016-09-18-21-49-44 | |
ከቢድ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ፥ | ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ብቀሊል ክግታእ ዘይተኻእለ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ተላቢዑ ኣሎ። እቲ ለበዳ ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን፡ ካብ ከባቢ ላዕላይ ጋሽ ዝመጹ እሞ ሕማሞም ክንጸር ስለዘይተኻእለ ናብ ባረንቱ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ጋሽባርካ ዝተላእኩ ሰባት እዩ ተራእዩ። የግዳስ ብሰንኪ ኣብ መላእ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ውድቀት ሕክምናዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣብቲ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ እቲ ሕማም ሽሮኽ ምዃኑ ክሳብ ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ጀሚሩ ንሰፊሕ ከባቢታት ዞባ ጋ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4779-2016-09-10-23-06-08 | |
ናይ ብሕቲ ኢንተርኔት ካፈ ብ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ይህደና | ብዕለት 31/08/ 2016፡ ክልተ መንእሰያት ኣብ ሊንክ ኢንተርኔት ካፈ ብ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተቀይዶም። እቶም ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት፡ ነቶም መንእሰያት ክንድዚ ሰዓታት ኣብ ኢንተርኔት ኮፍ ትብሉ፡ ሓደው ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን እትነጥፉ ኢኹም ወይ ድማ ንተቃወምቲ ሓበሬታ እተቀብሉ ኢኹም፡ ኢሎም ከምዘጉባዕብዑሎምን፡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ እናጋፍዑ ከምዝወሰድዎምን ኣብቲ ፍጻሜ ብ ኣካል ዝነበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም። ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4776-2016-09-07-22-19-07 | |
መግለጺ ብምክንያት መበል 55 ዓመት ሐደ-መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ | ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገዝእዎ ኢኻ እንተጸንሑ ንመግዛእቶም ኣሜን ኡሉ ተቀቢሉዎ ኣይፈልጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሕንብርቶም ኾይኑ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ከካካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምረት መግዛእቶም እናከፈኤ ምስ መጸ ብዝርዳኦም ቃንቃ ቃልሲ እንቢታኡ ንምግላጽን ተቃሊሱ መሰሉ ንምርግጋጽን መስከረም ሓደ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ብጅግና እድሪስ ሐምድ ዓዋተ ብምብጋስ ነቲ ገዚፍን ምሉእ ዕጥቂ ዝሐዘን ጸላኢ ንምግጣም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሱ ብምጅማር ንገዛእቲ ደርብታ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4773-55 | |
ህግደፍ ፡ ዳግማይ ገንዘብ ህዝቢ ይዘምት | ከም ዝፍለጥ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብስም ምቅያር ባጤራ፡ ኩሉ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ባንክታት መንግስቲ ከም ዝኣቱ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ህዝቢ ርኡይ ዝምታ ተኻይዱ ዩ። ባንክ ኤርትራ ኣብ እዋኑ ከም ዝሓበሮ 40 ሚኢታዊት ካብቲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝነበረ ገንዘብ ጥራይ እዩ፡ ኣብቲ ዝተወሰነ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክቕየር ተኻኢሉ ፡ እዚ ማለት ከኣ 60 ሚኢታኢውት ናይቲ ኣብ ዕዳጋታት ሃገርና ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ገንዘብ ገለ ብመጠን ንብረት ገለ ከኣ ከይተቐየረ ትርጉም ኣልቦ ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/zena/4770-2016-09-01-21-14-17 | |
ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ? ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ! | ራኢ ባሕቲ መስከረም እንታይ ዲዩ ዝነበረ?
ብዕትበት ኪጥመት ዝግብኦ እዋናዊ ሃገራዊ ብድሆ!
ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)
ነሓሰ 27፡ 2016
``ኣብ ዓለም፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን፡ እቲ ኪርኢ ዝኽእል ግን ራኢ ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። `` ("•" ― )
ባሕቲ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቍርን ጥምየትን ክረምቲ፡ ናብ ብርሃንን ራህዋን ቀውዒ ዝሰጋገረላ ወርሒ ብሩህ ተስፋ ኢያ። ካብ 40ታት ንደሓር ኸኣ ዓቢ ተወሳኺ ራኢ ነይሩዋ። ``ራኢ ነቲ ኪረአ ዘይኽእል ናይ ምርኣይ ጥበ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4765-2016-08-29-01-25-34 | |
ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ!!!!!!!!!!! | 8 ነሓሰ 2016
ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ!!!!!!!!!!!
እዚ ኣብ ኒው-ዮርክ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ "ህዝቢ ብህዝቢ" ዝዓላማኡ እትመርሕ ትሽዓተ ዝኣባላታ ንሰሜን ኣሜሪካ እትውክል፡ ኣሰናዳዊ ሽማግለ ተመሪጻ ኣላ። ዓላማኣ ጸገምን፡ ሽግርን፡ መከራን፡ ሃገርና፡ እትገልጽ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ፡ ዘሎብሰበ ስልጣን ኤርትራ! ነቲ ብመርማሪት ኮምሽን፡ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ደገፋ፡ ንመራሕቲ ዓለም፡ ኣብ ዝተኣከብሉ፡ ግዜ፡ ብዓውታ፡ ንኸነስምዕ፡ እትመርሕ፡ ሽማግለ እያ።... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4761-2016-08-18-16-09-11 | |
መደብ ትግባረ ንምክያድ ምርጫታት ኣካባቢያዊ ባይቶ | ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ!
(ዓለምለኻዊ ተበግሶ)
መመላእታ (ጥብቆ)
ወግዓዊ ስምምዕ
ነፍስ ወከፍ ሕጹይ፡ ነፍስ ወከፍ መራጽን ኩሉ ኣባል ናይ ኣካባቢ ባይቶ ዓዲ ኪኸውን ዝደልን፡ ኣብ ናይ ኣካባቢ ኤርትራዊ ባይቶታት (መባእታ ባይቶታት ኤርትራውያን) ኣብ ምምራጽ መዝነት ኪሳተፍ ዝደሊ፡ ነዚ ወግዓዊ ስምምዕ ከጽንዖን፡ ነዚ ዚስዕብ ንርእሱ/ሳ ቃል ብምእታው ኪኽትም ይድለ፡
እቲ ንነፍስ ወከፍን ኩሉ ኤርትራውን ኣብ ምእላይ ምልካዊ ዝርዓት ህግደፍን፡ ኣብ ድሕነትን ስሉጥ ምስግ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4760-2016-08-17-10-01-03 | |
ኣብ ናይ ሳንድየጎ ዝተኻየደ ኣኼባን ክትዕን ዝቐረባ ሓሳባትን ብኣሕጽሮት |
1. ማሕበረኮም/ኮምዩኒቲ ኤርትራ፡ መብዛሕተአን ትካላት ማሕበረኮም ኤርትራ ስድተኛታት ኣብ ክንዲ ጥዕንኦምን፡ ጉዳይ ኢሚግረሽንን፣ ትምህርትን፣ ስራሕን፣ ህዝበን ዘተኮረ ዝኸውን፣ ኣብ ናይ ጣዕሳ ፎርም መምልእን፣ 2% ቀረጽ መመዝመዝን፣ ንኣሽቱ ህግደፍ ምምልማልን፣ ስለላ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ምክያድን ኮይኑ ሎ። ኣብ ብሕጂ ዝግበር ለውጢ ናይ ማእከል (ሰንተር) ሕቶ ብምፍታሕ ስደተኛታትን ህጻናትን ዝግልገልሉ ክኸውን ከምዘለዎ ንፈልጥ። መብዛሕትአን ማሕበረ ኮማት ኤርትራ፡ ብፖለቲካዊ ኢድ ኣእታው... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4754-2016-08-10-19-36-48 | |
ክፉት ደብዳበ ንኹሎም መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ሕዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ ንደምዳሚ ዓወት | ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን
المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الارترية
…
ክፉት ደብዳበ ንኹሎም መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት
ሃቐና ናይዚ ክፉት ደብዳበ እዚ ነቶም ኣስማቶምን ኣድራሽኦምን ክንረኽቦ ዘይከኣልና መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ንምብጻሕ እዩ። ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ናብ አብ ታሕቶ ተጠቒሶም ዘለዉ 20 መራሕቲ ውድባት ተላኢኹ ሎ።
ርእሰ ጉዳይ፡ ሕዝቢ ዝሰረቱ ህዝባዊ ቃልሲ ንደምዳሚ ዓወት
ኣቐዲምና ሕውነታውን ሃ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4753-2016-08-10-19-01-38 | |
"ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! | ``ዘተ ብሓባር ናይ ምሕሳብ ጥበብ ኢዩ። `` ዊልያም ኣይዛክስ
"ዕዉት ምኣዲ ዘተ ምስ ኣሳለጥቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ! ሓምለ 15 2016ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡-ብመሰረት`ቲ ኣቐዲምና ኣብ ኣሰናን ኣዝማሪኖን ዘርጊሕናዮ ዝነበርና ናይ ምኣዲ ዘተ ዕደመ፡ኣብ ዕለት ሓምለ 9፡ 2016 ኣብ ቦስቶንን ከባብን ናይ ዘካየድናዮ ምኣዲ ዘተ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ነቕርበልኩም። ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ንዕድመና እኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽና - ኣ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/gazetawi-meglesi/4733-2016-07-19-02-35-24 | |
በ'ንስትን በ'ቕሽሽትን! | በ'ንስትን በ'ቕሽሽትን!
ተኣምራት ረፈረንደም!
እንግሊዛውያን ሎምዝመን፡ መሪጾም መሪጾም'ሲ ዘይተጸበይዎ መንገዲ ግዲ ረጊጾም፡ ንረፈረንደም ተኣማሚኖም ዝረገጽዋ ደንጎላ ከምዝተገልበጠቶም፡ ነዛ ዓለም ዕዳጋ ብውጽኢቱ ጥራይ ዘይኮነስ ብትርጉም ናይ ምርጫ ከይተረፈ ክሳብ ትጠራጠር ሕውዝውዝ ከብልዋ ቀንዮማ ኣለዉ። ንሓዋሩ ኣምላኽ ብረቨርስ ማ'ጨሎቱ ይንጸገሎም ደኣ እምበር፡ ደድሕሪ እታ ረፈረንደም ዘጋጠመቶም ተኣምራት ደንጽይዎም፡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ብረክዚት ኣምሲሉ ከመይ ዝበለ ድዩ ተቐልቂሉ ክሳብ ምባል ክጠ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4731-2016-07-17-20-02-32 | |
መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ | መልሲ ን ናይ ዶክ. ኣስመሮም ለገሰ፡
ኣብ ቅድሚ ዓለም ንሓቂ ደፊኑ፡ ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኸሓደ መደረ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ኦፍ አንኳየሪ
ብ ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)
ሓምለ 15፡ 2016
ፕረፈሶር ኣስመሮም ለገሰ፡ ምንኳ ብኣካል ዘይንፋለጥ እንተ ኾና፡ በቲ ስነ-ሰብ መበቆልን ምዕባለን ሞያኻ ብማዕዶ ኣባኻ ልዑል ክብርን ሓበንን ከም ዝነበረኒ ክሕብረካ እፈቱ። እንተ ኾነ ግን፡ ኣንጻር ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ህብኻ ደው ብምባል፡ ኣብ ትሕቲ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ክ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/articles/4726-2016-07-15-21-32-18 | |
ታሕሳስ 22፡ 2005 ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን ምስ ፕረዚደንት ህግደፍ ነበር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሳልሳይ ክፋል | ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ መደብ፡ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብተለቪዝዮን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን፡ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቀረበትሉ ሕቶታትን ዝህቦ መልስን ክትሰምዑ ኢኹም። እቶም ሕቶታት፡ ብዛዕባ ድምጺ ሓፋሽ፡ ቲቪኤረ፡ ሓዳስ ኤርትራን ሕድርን ዝብሃላ፡ ዝውረ ገዲፈን ዘይተገብረ እናፈጠራ፡ ንዓመታት ህዝቢ ዘደናገራ መኹባ-ቲ ሓሶት ህግደፍ፡ ዝምልከቱ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እዚ ሽማግለ፡ ሓድሽ ዓመት 2006፡ ምስ ሓድሽ መንፈስን መብጽዓን መታን ክንፍልሞ፡ በቲ ዘሕጉ... | asmarino.com | https://www.asmarino.com/tig/waza/4718-2016-07-07-20-20-32-1 |
Subsets and Splits
No community queries yet
The top public SQL queries from the community will appear here once available.