Unnamed: 0 int64 0 68.7k | prefix stringclasses 2
values | in_put stringlengths 3 274 | out_put stringlengths 3 274 |
|---|---|---|---|
54,900 | am_tg | “ብል ሊበላው፣ ዝገት ሊያበላሸውና ሌባ ገብቶ ሊሰርቀው በሚችልበት በምድር ላይ ለራሳችሁ ሀብት አታከማቹ። | “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ። |
54,901 | tg_am | “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ። | “ብል ሊበላው፣ ዝገት ሊያበላሸውና ሌባ ገብቶ ሊሰርቀው በሚችልበት በምድር ላይ ለራሳችሁ ሀብት አታከማቹ። |
54,902 | am_tg | ከዚህ ይልቅ ብል ሊበላው፣ ዝገት ሊያበላሸውና ሌባ ገብቶ ሊሰርቀው በማይችልበት በሰማይ ለራሳችሁ ሀብት አከማቹ። | ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ። |
54,903 | tg_am | ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ። | ከዚህ ይልቅ ብል ሊበላው፣ ዝገት ሊያበላሸውና ሌባ ገብቶ ሊሰርቀው በማይችልበት በሰማይ ለራሳችሁ ሀብት አከማቹ። |
54,904 | am_tg | ሀብትህ ባለበት ልብህም በዚያ ይሆናልና። | መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። |
54,905 | tg_am | መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። | ሀብትህ ባለበት ልብህም በዚያ ይሆናልና። |
54,906 | am_tg | “የሰውነት መብራት ዓይን ነው። ስለሆነም ዓይንህ በአንድ ነገር ላይ ያተኮረ ከሆነ መላ ሰውነትህ ብሩህ ይሆናል። | “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። |
54,907 | tg_am | “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። | “የሰውነት መብራት ዓይን ነው። ስለሆነም ዓይንህ በአንድ ነገር ላይ ያተኮረ ከሆነ መላ ሰውነትህ ብሩህ ይሆናል። |
54,908 | am_tg | ይሁን እንጂ ዓይንህ ምቀኛ ከሆነ መላ ሰውነትህ ጨለማ ይሆናል። እንግዲህ በአንተ ውስጥ ያለው ብርሃን በእርግጥ ጨለማ ከሆነ ጨለማው እንዴት ድቅድቅ ይሆን! | ዓይንኻ ቐናእ እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት! |
54,909 | tg_am | ዓይንኻ ቐናእ እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት! | ይሁን እንጂ ዓይንህ ምቀኛ ከሆነ መላ ሰውነትህ ጨለማ ይሆናል። እንግዲህ በአንተ ውስጥ ያለው ብርሃን በእርግጥ ጨለማ ከሆነ ጨለማው እንዴት ድቅድቅ ይሆን! |
54,910 | am_tg | “ለሁለት ጌቶች ባሪያ ሆኖ መገዛት የሚችል ማንም የለም፤ አንዱን ጠልቶ ሌላውን ይወዳል ወይም አንዱን ደግፎ ሌላውን ይንቃል። ለአምላክም ለሀብትም በአንድነት መገዛት አትችሉም። | “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። |
54,911 | tg_am | “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። | “ለሁለት ጌቶች ባሪያ ሆኖ መገዛት የሚችል ማንም የለም፤ አንዱን ጠልቶ ሌላውን ይወዳል ወይም አንዱን ደግፎ ሌላውን ይንቃል። ለአምላክም ለሀብትም በአንድነት መገዛት አትችሉም። |
54,912 | am_tg | “ስለዚህ እላችኋለሁ፦ ስለ ሕይወታችሁ ምን እንበላለን፣ ምንስ እንጠጣለን ወይም ደግሞ ስለ ሰውነታችሁ ምን እንለብሳለን ብላችሁ አትጨነቁ። ሕይወት ከምግብ፣ ሰውነትስ ከልብስ አይበልጥም? | “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ። ህይወት ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧ |
54,913 | tg_am | “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ። ህይወት ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧ | “ስለዚህ እላችኋለሁ፦ ስለ ሕይወታችሁ ምን እንበላለን፣ ምንስ እንጠጣለን ወይም ደግሞ ስለ ሰውነታችሁ ምን እንለብሳለን ብላችሁ አትጨነቁ። ሕይወት ከምግብ፣ ሰውነትስ ከልብስ አይበልጥም? |
54,914 | am_tg | የሰማይ ወፎችን ልብ ብላችሁ ተመልከቱ፤ እነሱ አይዘሩም፣ አያጭዱም ወይም በጎተራ አያከማቹም፤ ይሁንና በሰማይ ያለው አባታችሁ ይመግባቸዋል። ታዲያ እናንተ ከእነሱ አትበልጡም? | ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧ |
54,915 | tg_am | ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧ | የሰማይ ወፎችን ልብ ብላችሁ ተመልከቱ፤ እነሱ አይዘሩም፣ አያጭዱም ወይም በጎተራ አያከማቹም፤ ይሁንና በሰማይ ያለው አባታችሁ ይመግባቸዋል። ታዲያ እናንተ ከእነሱ አትበልጡም? |
54,916 | am_tg | ከእናንተ መካከል ተጨንቆ በዕድሜው ርዝማኔ ላይ አንድ ክንድ መጨመር የሚችል ይኖራል? | ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ |
54,917 | tg_am | ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ | ከእናንተ መካከል ተጨንቆ በዕድሜው ርዝማኔ ላይ አንድ ክንድ መጨመር የሚችል ይኖራል? |
54,918 | am_tg | ስለ ልብስስ ቢሆን ለምን ትጨነቃላችሁ? እስቲ የሜዳ አበቦች እንዴት እንደሚያድጉ ልብ ብላችሁ ተመልከቱ፤ አይለፉም ወይም አይፈትሉም፤ | ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ እትጭነቑ፧ ካብቲ ዕምባባታት መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። |
54,919 | tg_am | ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ እትጭነቑ፧ ካብቲ ዕምባባታት መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። | ስለ ልብስስ ቢሆን ለምን ትጨነቃላችሁ? እስቲ የሜዳ አበቦች እንዴት እንደሚያድጉ ልብ ብላችሁ ተመልከቱ፤ አይለፉም ወይም አይፈትሉም፤ |
54,920 | am_tg | እኔ ግን እላችኋለሁ፣ ያን ያህል ክብር የነበረው ሰለሞን እንኳ ከእነዚህ አበቦች እንደ አንዷ አላጌጠም። | ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። |
54,921 | tg_am | ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። | እኔ ግን እላችኋለሁ፣ ያን ያህል ክብር የነበረው ሰለሞን እንኳ ከእነዚህ አበቦች እንደ አንዷ አላጌጠም። |
54,922 | am_tg | አምላክ ዛሬ ታይቶ ነገ ወደ ምድጃ የሚጣለውን የሜዳ ተክል እንዲህ የሚያለብሰው ከሆነ እናንተ እምነት የጎደላችሁ፣ እናንተንማ እንዴት አብልጦ አያለብሳችሁም? | ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ |
54,923 | tg_am | ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ | አምላክ ዛሬ ታይቶ ነገ ወደ ምድጃ የሚጣለውን የሜዳ ተክል እንዲህ የሚያለብሰው ከሆነ እናንተ እምነት የጎደላችሁ፣ እናንተንማ እንዴት አብልጦ አያለብሳችሁም? |
54,924 | am_tg | ስለዚህ ‘ምን እንበላለን?’ ወይም ‘ምን እንጠጣለን?’ አሊያም ‘ምን እንለብሳለን?’ ብላችሁ ፈጽሞ አትጨነቁ። | እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። |
54,925 | tg_am | እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። | ስለዚህ ‘ምን እንበላለን?’ ወይም ‘ምን እንጠጣለን?’ አሊያም ‘ምን እንለብሳለን?’ ብላችሁ ፈጽሞ አትጨነቁ። |
54,926 | am_tg | እነዚህ ነገሮች ሁሉ አሕዛብ አጥብቀው የሚፈልጓቸው ናቸው። በሰማይ የሚኖረው አባታችሁ እነዚህ ሁሉ እንደሚያስፈልጓችሁ ያውቃል። | ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም። እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። |
54,927 | tg_am | ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም። እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። | እነዚህ ነገሮች ሁሉ አሕዛብ አጥብቀው የሚፈልጓቸው ናቸው። በሰማይ የሚኖረው አባታችሁ እነዚህ ሁሉ እንደሚያስፈልጓችሁ ያውቃል። |
54,928 | am_tg | “እንግዲያው ከሁሉ አስቀድማችሁ የአምላክን መንግሥትና ጽድቅ ፈልጉ፤ እነዚህም ነገሮች ሁሉ ይሰጧችኋል። | “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። |
54,929 | tg_am | “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። | “እንግዲያው ከሁሉ አስቀድማችሁ የአምላክን መንግሥትና ጽድቅ ፈልጉ፤ እነዚህም ነገሮች ሁሉ ይሰጧችኋል። |
54,930 | am_tg | ስለዚህ ስለ ነገ ፈጽሞ አትጨነቁ፤ ምክንያቱም ነገ የራሱ የሆኑ የሚያስጨንቁ ነገሮች አሉት። እያንዳንዱ ቀን የራሱ የሆነ በቂ ችግር አለው። | እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ። |
54,931 | tg_am | እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ። | ስለዚህ ስለ ነገ ፈጽሞ አትጨነቁ፤ ምክንያቱም ነገ የራሱ የሆኑ የሚያስጨንቁ ነገሮች አሉት። እያንዳንዱ ቀን የራሱ የሆነ በቂ ችግር አለው። |
54,932 | am_tg | ከተራራው ከወረደ በኋላ እጅግ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። | ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። |
54,933 | tg_am | ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። | ከተራራው ከወረደ በኋላ እጅግ ብዙ ሕዝብ ተከተለው። |
54,934 | am_tg | በዚህ ጊዜ በሥጋ ደዌ የተያዘ አንድ ሰው ወደ እሱ መጥቶ በመስገድ “ጌታ ሆይ፣ ብትፈልግ እኮ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። | እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ። |
54,935 | tg_am | እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ። | በዚህ ጊዜ በሥጋ ደዌ የተያዘ አንድ ሰው ወደ እሱ መጥቶ በመስገድ “ጌታ ሆይ፣ ብትፈልግ እኮ ልታነጻኝ ትችላለህ” አለው። |
54,936 | am_tg | ኢየሱስም እጁን ዘርግቶ ዳሰሰውና “እፈልጋለሁ! ንጻ” አለው። ወዲያውኑ ከሥጋ ደዌው ነጻ። | ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ። |
54,937 | tg_am | ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ። | ኢየሱስም እጁን ዘርግቶ ዳሰሰውና “እፈልጋለሁ! ንጻ” አለው። ወዲያውኑ ከሥጋ ደዌው ነጻ። |
54,938 | am_tg | ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ፤ ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህን አሳይ፤ ሙሴ ያዘዘውንም መባ አቅርብ። ካህናቱም ማስረጃውን ይመለከታሉ” አለው። | የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ። |
54,939 | tg_am | የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ። | ከዚያም ኢየሱስ “ለማንም እንዳትናገር ተጠንቀቅ፤ ነገር ግን ሄደህ ራስህን ለካህን አሳይ፤ ሙሴ ያዘዘውንም መባ አቅርብ። ካህናቱም ማስረጃውን ይመለከታሉ” አለው። |
54,940 | am_tg | ኢየሱስ ወደ ቅፍርናሆም በገባ ጊዜ አንድ የጦር መኮንን ወደ እሱ ቀርቦ እንዲህ ሲል ተማጸነው፦ | ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣ |
54,941 | tg_am | ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣ | ኢየሱስ ወደ ቅፍርናሆም በገባ ጊዜ አንድ የጦር መኮንን ወደ እሱ ቀርቦ እንዲህ ሲል ተማጸነው፦ |
54,942 | am_tg | “ጌታዬ፣ አገልጋዬ ሽባ ሆኖ ቤት ተኝቷል፤ በጣም እየተሠቃየ ነው።” | “ጐይታይ፡ ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ድማ በሎ። |
54,943 | tg_am | “ጐይታይ፡ ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ድማ በሎ። | “ጌታዬ፣ አገልጋዬ ሽባ ሆኖ ቤት ተኝቷል፤ በጣም እየተሠቃየ ነው።” |
54,944 | am_tg | እሱም “መጥቼ እፈውሰዋለሁ” አለው። | ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ። |
54,945 | tg_am | ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ። | እሱም “መጥቼ እፈውሰዋለሁ” አለው። |
54,946 | am_tg | መኮንኑም እንዲህ ሲል መለሰ፦ “ጌታዬ፣ አንተ ወደ ቤቴ ትገባ ዘንድ የሚገባኝ ሰው አይደለሁም፤ ነገር ግን እዚሁ ሆነህ አንድ ቃል ተናገር፣ አገልጋዬም ይፈወሳል። | እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። |
54,947 | tg_am | እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። | መኮንኑም እንዲህ ሲል መለሰ፦ “ጌታዬ፣ አንተ ወደ ቤቴ ትገባ ዘንድ የሚገባኝ ሰው አይደለሁም፤ ነገር ግን እዚሁ ሆነህ አንድ ቃል ተናገር፣ አገልጋዬም ይፈወሳል። |
54,948 | am_tg | እኔ ራሴ የምታዘዛቸው የበላይ አዛዦች አሉ፤ ለእኔም የሚታዘዙ የበታች ወታደሮች አሉኝ፤ አንዱን ‘ሂድ!’ ስለው ይሄዳል፤ ሌላውንም ‘ና!’ ስለው ይመጣል፤ ባሪያዬንም ‘ይህን አድርግ!’ ስለው ያደርጋል።” | ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” |
54,949 | tg_am | ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” | እኔ ራሴ የምታዘዛቸው የበላይ አዛዦች አሉ፤ ለእኔም የሚታዘዙ የበታች ወታደሮች አሉኝ፤ አንዱን ‘ሂድ!’ ስለው ይሄዳል፤ ሌላውንም ‘ና!’ ስለው ይመጣል፤ ባሪያዬንም ‘ይህን አድርግ!’ ስለው ያደርጋል።” |
54,950 | am_tg | ኢየሱስ ይህን ሲሰማ በጣም ተገርሞ ይከተሉት ለነበሩት እንዲህ አላቸው፦ “እውነት እላችኋለሁ፣ በእስራኤል ውስጥ እንዲህ ዓይነት ታላቅ እምነት ያለው አንድም ሰው አላገኘሁም። | የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። |
54,951 | tg_am | የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። | ኢየሱስ ይህን ሲሰማ በጣም ተገርሞ ይከተሉት ለነበሩት እንዲህ አላቸው፦ “እውነት እላችኋለሁ፣ በእስራኤል ውስጥ እንዲህ ዓይነት ታላቅ እምነት ያለው አንድም ሰው አላገኘሁም። |
54,952 | am_tg | ነገር ግን እላችኋለሁ፣ ብዙዎች ከምሥራቅና ከምዕራብ ይመጣሉ፤ በመንግሥተ ሰማያትም ከአብርሃም፣ ከይስሐቅና ከያዕቆብ ጋር በማዕድ ይቀመጣሉ። | ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ። |
54,953 | tg_am | ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ። | ነገር ግን እላችኋለሁ፣ ብዙዎች ከምሥራቅና ከምዕራብ ይመጣሉ፤ በመንግሥተ ሰማያትም ከአብርሃም፣ ከይስሐቅና ከያዕቆብ ጋር በማዕድ ይቀመጣሉ። |
54,954 | am_tg | የመንግሥተ ሰማያት ልጆች ግን ውጭ ወዳለው ጨለማ ይጣላሉ። በዚያም ያለቅሳሉ፤ ጥርሳቸውንም ያፋጫሉ።” | ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።” |
54,955 | tg_am | ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።” | የመንግሥተ ሰማያት ልጆች ግን ውጭ ወዳለው ጨለማ ይጣላሉ። በዚያም ያለቅሳሉ፤ ጥርሳቸውንም ያፋጫሉ።” |
54,956 | am_tg | ከዚያም ኢየሱስ መኮንኑን “ሂድ። እንደ እምነትህ ይሁንልህ” አለው። አገልጋዩም በዚያች ቅጽበት ተፈወሰ። | ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። |
54,957 | tg_am | ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። | ከዚያም ኢየሱስ መኮንኑን “ሂድ። እንደ እምነትህ ይሁንልህ” አለው። አገልጋዩም በዚያች ቅጽበት ተፈወሰ። |
54,958 | am_tg | ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት ሲመጣ የጴጥሮስ አማት ትኩሳት ይዟት ተኝታ አገኛት። | ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ። |
54,959 | tg_am | ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ። | ኢየሱስ ወደ ጴጥሮስ ቤት ሲመጣ የጴጥሮስ አማት ትኩሳት ይዟት ተኝታ አገኛት። |
54,960 | am_tg | እጇንም ሲዳስሳት ትኩሳቱ ለቀቃት፤ ተነስታም ታገለግለው ጀመር። | ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። |
54,961 | tg_am | ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። | እጇንም ሲዳስሳት ትኩሳቱ ለቀቃት፤ ተነስታም ታገለግለው ጀመር። |
54,962 | am_tg | ከመሸ በኋላ ሰዎች አጋንንት ያደሩባቸውን ብዙ ሰዎች ወደ እሱ አመጡ፤ መናፍስቱንም በአንድ ቃል አስወጣ፤ እየተሠቃዩ የነበሩትንም ሁሉ ፈወሰ፤ | ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። |
54,963 | tg_am | ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። | ከመሸ በኋላ ሰዎች አጋንንት ያደሩባቸውን ብዙ ሰዎች ወደ እሱ አመጡ፤ መናፍስቱንም በአንድ ቃል አስወጣ፤ እየተሠቃዩ የነበሩትንም ሁሉ ፈወሰ፤ |
54,964 | am_tg | ይህም የሆነው በነቢዩ ኢሳይያስ “እሱ ሕመማችንን ተቀበለ፤ ደዌያችንንም ተሸከመ” ተብሎ የተነገረው እንዲፈጸም ነው። | እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። |
54,965 | tg_am | እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። | ይህም የሆነው በነቢዩ ኢሳይያስ “እሱ ሕመማችንን ተቀበለ፤ ደዌያችንንም ተሸከመ” ተብሎ የተነገረው እንዲፈጸም ነው። |
54,966 | am_tg | ኢየሱስ በዙሪያው ብዙ ሰዎች እንደተሰበሰቡ ባየ ጊዜ ደቀ መዛሙርቱን ወደ ባሕሩ ማዶ እንዲሻገሩ አዘዛቸው። | የሱስ፡ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ናብ ስግር ብዛዕባ ምስጋር ትእዛዝ ሃበ። |
54,967 | tg_am | የሱስ፡ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ናብ ስግር ብዛዕባ ምስጋር ትእዛዝ ሃበ። | ኢየሱስ በዙሪያው ብዙ ሰዎች እንደተሰበሰቡ ባየ ጊዜ ደቀ መዛሙርቱን ወደ ባሕሩ ማዶ እንዲሻገሩ አዘዛቸው። |
54,968 | am_tg | ከጸሐፍትም አንዱ መጥቶ “መምህር፣ ወደምትሄድበት ሁሉ እከተልሃለሁ” አለው። | ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። |
54,969 | tg_am | ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። | ከጸሐፍትም አንዱ መጥቶ “መምህር፣ ወደምትሄድበት ሁሉ እከተልሃለሁ” አለው። |
54,970 | am_tg | ኢየሱስ ግን “ቀበሮዎች ጉድጓድ፣ የሰማይ ወፎችም ጎጆ አላቸው፤ የሰው ልጅ ግን ራሱን እንኳ የሚያሳርፍበት ቦታ የለውም” አለው። | የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ። |
54,971 | tg_am | የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ። | ኢየሱስ ግን “ቀበሮዎች ጉድጓድ፣ የሰማይ ወፎችም ጎጆ አላቸው፤ የሰው ልጅ ግን ራሱን እንኳ የሚያሳርፍበት ቦታ የለውም” አለው። |
54,972 | am_tg | ከዚያም ከደቀ መዛሙርቱ አንዱ “ጌታ ሆይ፣ በመጀመሪያ ሄጄ አባቴን እንድቀብር ፍቀድልኝ” አለው። | ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። |
54,973 | tg_am | ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። | ከዚያም ከደቀ መዛሙርቱ አንዱ “ጌታ ሆይ፣ በመጀመሪያ ሄጄ አባቴን እንድቀብር ፍቀድልኝ” አለው። |
54,974 | am_tg | ኢየሱስም “አንተ እኔን መከተልህን ቀጥል፤ ሙታን ሙታናቸውን እንዲቀብሩ ተዋቸው” አለው። | የሱስ ግና፡ “ብቐጻሊ ደኣ ስዓበኒ፡ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም” በሎ። |
54,975 | tg_am | የሱስ ግና፡ “ብቐጻሊ ደኣ ስዓበኒ፡ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም” በሎ። | ኢየሱስም “አንተ እኔን መከተልህን ቀጥል፤ ሙታን ሙታናቸውን እንዲቀብሩ ተዋቸው” አለው። |
54,976 | am_tg | ከዚያም ኢየሱስና ደቀ መዛሙርቱ ጀልባ ላይ ተሳፈሩ። | ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ። |
54,977 | tg_am | ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ። | ከዚያም ኢየሱስና ደቀ መዛሙርቱ ጀልባ ላይ ተሳፈሩ። |
54,978 | am_tg | እነሆ፣ በጉዞ ላይ ሳሉ በባሕሩ ላይ ኃይለኛ ማዕበል ስለተነሳ ጀልባዋ በውኃ ተሞልታ ልትሰጥም ተቃረበች፤ ኢየሱስ ግን ተኝቶ ነበር። | እንሆ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ኣመና ስለ እተናወጸ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይመልኣ ነበረ፣ ንሱ ግና፡ ደቂሱ ነበረ። |
54,979 | tg_am | እንሆ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ኣመና ስለ እተናወጸ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይመልኣ ነበረ፣ ንሱ ግና፡ ደቂሱ ነበረ። | እነሆ፣ በጉዞ ላይ ሳሉ በባሕሩ ላይ ኃይለኛ ማዕበል ስለተነሳ ጀልባዋ በውኃ ተሞልታ ልትሰጥም ተቃረበች፤ ኢየሱስ ግን ተኝቶ ነበር። |
54,980 | am_tg | እነሱም ወደ እሱ ቀርበው ቀሰቀሱትና “ጌታ ሆይ፣ ማለቃችን እኮ ነው፤ አድነን!” አሉት። | ንሳቶም መጺኦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። |
54,981 | tg_am | ንሳቶም መጺኦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። | እነሱም ወደ እሱ ቀርበው ቀሰቀሱትና “ጌታ ሆይ፣ ማለቃችን እኮ ነው፤ አድነን!” አሉት። |
54,982 | am_tg | እሱ ግን “እናንተ እምነት የጎደላችሁ! ለምን ትሸበራላችሁ?” አላቸው። ከዚያም ተነስቶ ነፋሱንና ባሕሩን ገሠጸ፤ ታላቅ ጸጥታም ሰፈነ። | ንሱ ግና፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧” በሎም። ሽዑ፡ ተንሲኡ፡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገንሖም፣ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ። |
54,983 | tg_am | ንሱ ግና፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧” በሎም። ሽዑ፡ ተንሲኡ፡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገንሖም፣ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ። | እሱ ግን “እናንተ እምነት የጎደላችሁ! ለምን ትሸበራላችሁ?” አላቸው። ከዚያም ተነስቶ ነፋሱንና ባሕሩን ገሠጸ፤ ታላቅ ጸጥታም ሰፈነ። |
54,984 | am_tg | ሰዎቹም ተደንቀው “ይህ እንዴት ያለ ሰው ነው? ነፋስና ባሕር እንኳ ይታዘዙለታል” አሉ። | እቶም ሰባት ከኣ፡ “እዝስ እንታዋይ ኰን እዩ፧ ንፋሳትን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ኢሎም ኣስተንከሩ። |
54,985 | tg_am | እቶም ሰባት ከኣ፡ “እዝስ እንታዋይ ኰን እዩ፧ ንፋሳትን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ኢሎም ኣስተንከሩ። | ሰዎቹም ተደንቀው “ይህ እንዴት ያለ ሰው ነው? ነፋስና ባሕር እንኳ ይታዘዙለታል” አሉ። |
54,986 | am_tg | ባሕሩን ተሻግሮ ገዳሬኖስ ወደተባለው ክልል በደረሰ ጊዜ አጋንንት ያደሩባቸው ሁለት ሰዎች ከመቃብር ቦታ ወጥተው ከእሱ ጋር ተገናኙ። ሰዎቹ በጣም ኃይለኛ ከመሆናቸው የተነሳ ማንም ሰው በዚያ ለማለፍ አይደፍርም ነበር። | ናብ ስግር፡ ናብ ዞባ ጋዳሬኖስ ምስ በጽሐ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር እናወጹ ተጓነፍዎ። ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ኣይነበረን። |
54,987 | tg_am | ናብ ስግር፡ ናብ ዞባ ጋዳሬኖስ ምስ በጽሐ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር እናወጹ ተጓነፍዎ። ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ኣይነበረን። | ባሕሩን ተሻግሮ ገዳሬኖስ ወደተባለው ክልል በደረሰ ጊዜ አጋንንት ያደሩባቸው ሁለት ሰዎች ከመቃብር ቦታ ወጥተው ከእሱ ጋር ተገናኙ። ሰዎቹ በጣም ኃይለኛ ከመሆናቸው የተነሳ ማንም ሰው በዚያ ለማለፍ አይደፍርም ነበር። |
54,988 | am_tg | እነሱም “የአምላክ ልጅ ሆይ፣ እኛ ከአንተ ጋር ምን ጉዳይ አለን? የመጣኸው ጊዜው ሳይደርስ ልታሠቃየን ነው?” ብለው ጮኹ። | እንሆ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ኸተሳቕየናዶ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ። |
54,989 | tg_am | እንሆ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ እቲ ምዱብ ግዜ ኸተሳቕየናዶ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ። | እነሱም “የአምላክ ልጅ ሆይ፣ እኛ ከአንተ ጋር ምን ጉዳይ አለን? የመጣኸው ጊዜው ሳይደርስ ልታሠቃየን ነው?” ብለው ጮኹ። |
54,990 | am_tg | ከእነሱ ራቅ ብሎ ብዙ የአሳማ መንጋ ተሰማርቶ ነበር። | ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። |
54,991 | tg_am | ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። | ከእነሱ ራቅ ብሎ ብዙ የአሳማ መንጋ ተሰማርቶ ነበር። |
54,992 | am_tg | አጋንንቱም “የምታስወጣን ከሆነ ወደ አሳማው መንጋ ስደደን” ብለው ይማጸኑት ጀመር። | እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ። |
54,993 | tg_am | እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ። | አጋንንቱም “የምታስወጣን ከሆነ ወደ አሳማው መንጋ ስደደን” ብለው ይማጸኑት ጀመር። |
54,994 | am_tg | እሱም “ሂዱ!” አላቸው። እነሱም ወጥተው ወደ አሳማዎቹ ሄዱ፤ የአሳማውም መንጋ በሙሉ ከገደሉ አፋፍ እየተንደረደረ በመውረድ ባሕሩ ውስጥ ሰጥሞ አለቀ። | ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። |
54,995 | tg_am | ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። | እሱም “ሂዱ!” አላቸው። እነሱም ወጥተው ወደ አሳማዎቹ ሄዱ፤ የአሳማውም መንጋ በሙሉ ከገደሉ አፋፍ እየተንደረደረ በመውረድ ባሕሩ ውስጥ ሰጥሞ አለቀ። |
54,996 | am_tg | እረኞቹ ግን ሸሽተው ወደ ከተማው በመሄድ አጋንንት ባደሩባቸው ሰዎች ላይ የተፈጸመውን ጨምሮ የሆነውን ነገር ሁሉ አወሩ። | እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ። |
54,997 | tg_am | እቶም ጓሶት ግና ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ። | እረኞቹ ግን ሸሽተው ወደ ከተማው በመሄድ አጋንንት ባደሩባቸው ሰዎች ላይ የተፈጸመውን ጨምሮ የሆነውን ነገር ሁሉ አወሩ። |
54,998 | am_tg | ከተማው ሁሉ ኢየሱስን ለማግኘት ወጣ፤ ሰዎቹም ባዩት ጊዜ አካባቢያቸውን ለቆ እንዲሄድ ለመኑት። | እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ምስ የሱስ ክትራኸብ ወጸት፣ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ። |
54,999 | tg_am | እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ምስ የሱስ ክትራኸብ ወጸት፣ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ። | ከተማው ሁሉ ኢየሱስን ለማግኘት ወጣ፤ ሰዎቹም ባዩት ጊዜ አካባቢያቸውን ለቆ እንዲሄድ ለመኑት። |
Subsets and Splits
No community queries yet
The top public SQL queries from the community will appear here once available.